ሕርሲ

ኣቋውማ ሕርሲ

Ställningar att föda i - tigrinska

ኣብ እዋን ሕርሲ ክትጥቀምሎም እትኽእሊ ዝተፈላለዩ ኣቋውማ ኣለዉ። ምእንቲ ኣዚኺ ከይትደኽሚ ጸጸኒሕኪ ኣቋውማ ክትቅይሪ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ቈልዓ ንታሕቲ ገጹ ንኽወርድን ክወጽእን ከቃልለሉ እውን ይኽእል እዩ።

ብዝበለጸ ዝሰርሕ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣቋውማ።

እተን ኣብ ክፍሊ መወልዳን ዝሰርሓ መብዛሕት ግዜ ኣብ ምሉእ ናይ’ቲ ሕርሲ መስርሕ ዝተፈላለየ ኣቋውማ ንኽህልወኪ እየን ዝመኽራ። ከመይ ከም ትገብሪ ክሕግዛኽን ክገልጻልክን እየን።

Läs texten på svenska här.

ብደውኪ

ታተ መበሊ ፍሉይ ጣውላ (gåbord) ተጠቂምኪ ደው በሊ።

ናብ ሐደ መቕርብኪ፡ ዓራት ወይ ካልእ ኣቕሓ ቤት ተደጊፍኪ ደው ክትብሊ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ክፍሊ መወልዳን ደው ክትብልሉ እትኽእሊ ፍሉይ ታተ መበሊ ጣውላ (gåbord) ኣሎ።

ኣብራኺ ቁሩብ ብምዕጻፍ ኣእጋርኪ ጋሕቲንኪ ደው በሊ። ጸጸኒሕኪ ካብቲ ሓደ ምሕኵልትኺ ናብቲ ሓደ ምሕኵልትኺ ንቕድሚትን ድሕሪትን ክትወዛወዚ ፈትኒ።

ብመደገፊ ደው ኢልኪ ኣብ ዘለኽሉ እዋን፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ልዕሊ ኣእጋርኪ ተንብርዮ ክብደት ኣካላትኪ ቀንስዮ። እዚ ነቶም ኣብ ጎሎ ዘለዉ ጭዋዳታት ንኽዛነዩ የኽእሎም።

ብኣርባዕቲኡ መሓውር ምድባር

ብኣርባዕቲኡ መሓውር ምድባር።

ብኣርባዕተ መሓውርኪ ምድባር ንሕቖኺ ቁሩብ ከም ዘዕርፍ ይገብሮ።

እዚ ኣቋውማ ነቲ ቈልዓ ዒሕ ኢልኪ ኣብ ትደፍእሉ እዋን ተወሳኺ ሓይሊ ክህበኪ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምሕኩልትኺ ምስ ተንቀሳቕስዮ ጽቡቕ ስሚዒት ክፈጥረልኪ ይኽእል እዩ።

ተዀይጥኪ ኮፍ ምባል

ተዀይጥኪ ኮፍ ምባል።

ንቕድሚት ገጽኪ ደኒንኪ ወይ ብድሕረኺ ተሓጊዝኪ ተዀይጥኪ ኮፍ ክትብሊ ትኽእሊ ኢኺ።

ተዀይጥኪ ኮፍ ምባል ንጎሎ ኣጸቢቑ ከም ዝኽፈት ክገብሮ ይኽእል እዩ።

እዚ ኣቋውማ’ዚ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቈልዓ ቀልጢፉ ከም ዝውለድ ክገብር ይኽእል እዩ። እዚ ምትርባዓት ከም ዘጋጥም ክገብር ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ከመይ ከም እትገብሪ ንምፍላጥ ነታ መሕረሲት ክትሰምዕያ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መሕረሲ ወንበር ኮፍ ምባል

ኣብ መሕረሲ ወንበር ኮፍ ምባል።

መሕረሲ ወንበር ከም ናይ ፍርቂ ዓንኬል ቅርጺ ኣለዎ። መቐመጫኪ ንታሕቲ ኣዝጢጥኪ ኣብቲ ወንበር ኮፍ ክትብሊ ትኽእሊ።

ጭዋዳታት ሰለፍክን ከባቢ መቐመጫኽን ከተዛንንዮ ትኽእሊ።

ሓደ መቕርብኪ ብድሕሪትኪ ኾይኑ ክድግፈኪ ይኽእል እዩ።

ኣብ መሕረሲ ወንበር ኮፍ ኣብ እትብልሉ እዋን ጎሎኺ ኣጸቢቑ ይኽፈት።

ተንበርኪክኺ

ተንበርኪክኺ።

እቲ ኣብ ክፍሊ መወልዳን ዘሎ ዓራውቲ፡ እቲ እትትርኣሰሉ ክፋሉ መብዛሕትኡ ግዜ ከተልዕሎን ከተትሕቶን ዝከኣል እዩ።

ኣብቲ ዓራት ተንበርኪክኺ ናብቲ በሪኹ ዘሎ ትትርኣስሉ ክፋል ክትጽግዒ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ መንጎ ከብድኽን ዓራትን ተወሳኺ ደገፍ ከረጺት መተርኣስ (saccosäck) ምስ ዝህሉ ጽቡቕ ከም ዝስምዓኪ ክገብር ይኽእል እዩ። ሳኮሴክ፡ ከም ሓደ ዓቢ መተርኣስ ኮይኑ ብቐሊሉ ቅርጺ ተትሕዞ።

ብፍርቂ ኮፍ ኢልኪ

ብፍርቂ ኮፍ ኢልኪ።

ብፍርቂ ኮፍ ክትብሊ ከለኺ ብሕቖኺ ደገፍ ይህልወኪ። እቲ ትረኽብዮ ደገፍ ካብ ዓራት፡ መቕርብ ወይ ከረጺት መተርኣስ (saccosäck) ክኸውን ይኽእል።

ምእንቲ ጎሎኺ ክኽፈት ክኽእል ንኣብራኽኪ ናብ ኣፍ ልብኺ ገጽኺ ክትስሕብዮም ፈትኒ። እዚ ነቲ ቈልዓ ንታሕቲ ገጹ ንኽወርድ ከቕልል ይኽእል።

ብጎኒ ደቂስኪ

ብጎኒ ደቂስኪ።

ብጎኒ ምድቃስ ነቲ ናህሪ ንምዝሓሉ፡ ንኣብነት ነቲ ቈልዓ ብዒሕታ ከተውጽእዮ ከለኺ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ከምኡ’ውን ከተዕርፊ ኣብ ዝደለኽሉ እዋን ብጎኒ ምድቃስ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ነታ ላዕለወይቲ እግርኺ ሓፍ ኣቢልኪ ንምሓዛ ምስ ዝኸብደኪ ክትጥቀምሉ ትኽእሊ መደገፊ ኣሎ።

ኣእጋርኪ ብምድጋፍ ጎቦ ሙዃን

ኣእጋርኪ ብምድጋፍ ጎቦ ሙዃን።

ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኣቋውማ፡ ኣእጋርኪ ኣብ ናይ እግሪ መደገፊ ብምድጋፍ ብሕቖኺ ጎቦ ኩኒ።

ብኸምዚ ኣገባብ ክትድቅሲ ከለኺ ጎሎኺ ይኽፈቱ እዮም።

እዚ ኣቃውማ’ዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እታ መሕረሲት ወይ ሓኪም እቲ ቈልዓ ክውለድ ከሎ ንምርኣይ ክኽእሉ ምስ ዘድልዮም እዮም ዝጥቀምሉ።  

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page