Besök 1177.se, logga in för personliga e-tjänster eller ring 1177 för sjukvårdsrådgivning.
ሓደ ሕርሲ መብዛሕት ግዜ ብቃንዛ ሕርሲ ወይ ካብ ርሕሚ ማይ ብምፍሳስ ይጅምር። እቲ ቃንዛ ሕርሲ እና ነውሐ ይኸይድን ብተደጋጋሚ ይመጽእን። ሕርሲ ብዒሕታ ነቲ ህጻን ብርሕሚ ደፊእኪ ብምውጻእ ይዛዘም። ሕርሲ ካብ ካብ ሒደት ሰዓታት ክሳብ ገለ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ።
ኣብቲ መጀመርታ ክፋል ናይ ሕርሲ ኣብ ገዛኺ ክትጸንሒ ኣዚዩ ልሙድ እዩ። ቃንዛ ሕርሲ ዝያዳ ምስ በርተዓን ብብዝሒ ብተደጋጋሚ ምስ መጸን፡ ናብ ክፍሊ መወልዳን ናይ ሆስፒታል ትኸድሉ ግዜ በጺሑ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቈልዓ ክትወልዲ ምስ ቀረብኪ ናብ ሓደ ክፍሊ መወልዳን ክትመጺ ትኽእሊ ኢኺ። ምስ ሓንቲ መሕረሲት ተራኺብኪ ድማ ትምርመሪ። ናይ በይንኺ ክፍሊ ክወሃበኪ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ሕርሲ ናይ ግድን ብሕክምና ከም ዝብገስ ይግበር እዩ። ንሕርሲ ተቐላጥፈሉ ብዙሕ ሜላታት ኣሎ። መስርሕ ምብጋስ ብኸመይ ከም ዝግበር ኣብዚ ክትፈልጢ ኢኺ።
ኣብ እዋን ሕርሲ ክትጥቀምሎም እትኽእሊ ዝተፈላለዩ ኣቋውማ ኣለዉ። ምእንቲ ኣዚኺ ከይትደኽሚ ጸጸኒሕኪ ኣቋውማ ክትቅይሪ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ቈልዓ ንታሕቲ ገጹ ንኽወርድን ክወጽእን ከቃልለሉ እውን ይኽእል እዩ።
ድሕሪ ሕርሲ ኵለን ካብ ርሕመን መድመይቲ ይገብረለን እዩ። እቲ ደም ካብ ኣብ ማህጸን ዘሎ ቁስሊ እዩ ዝመጻእ። መዳሕንቲ ካብ ማህጸን ክትለቅቕ ከላ እዩ እቲ ቁስሊ ዝፍጠር። ገለ ካብተን ናይ መድመይቲ ጸገም ዝገብረለን ናብ ሕክምና ምካድ ከድልየን ይኽእል እዩ።
ቈልዓ ክውለድ ከሎ ኣብ ርሕሚ ቁስሊ ከጋጥም ልሙድ እዩ። እቶም ክስፈዩ ዘድልዮም ቁስሊ ምትርባዕ ተባሂሎም ይጽውዑ። ናእሽቱ ምትርባዓትን ዓበይቲ ምትርባዓትን ኣለዉ። እቶም ምትርባዓት ድሕሪ ሕርሲ ሽዑንሽዑ ብመሕረሲት (barnmorska) ወይ ሓኪም ይሕከሙ።
ገሊኤን ኣዴታት ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ማህጸነን ረኽሲ ይገብረለን እዩ። ጠንቂ ናይዚ ኣብ ማህጸን ባክተርያ ስለ ዝኣተዉ እዩ። ፍወሳ ንኽትረኽቢ ናብ ሕክምና ኪዲ።
ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል ክንደይ ከም ትጸንሒ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ኣብ’ቲ ንስኽን እቲ ቈልዓን እንታይ ዓይነት ክንክንን ሓገዝን ከም ዘድልየኩም ዝተሞርኮሰ እዩ። ዋላ ምስ ውላድኪ ናብ ገዛኹም ምስ ከድኩም፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ምስ እቲ ሆስፒታል ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል ክብሃል ከሎ ብኽፍተት ርሕሚ ገለ ነገር ይቕልቀል ማለት እዩ። እቲ ዝቕልቀል ማህጸን ወይ ውሽጣዊ ክፋል ርሕሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘይምቹእነት ክስምዓኪ ይኽእል እዩ፡ ክሕግዘኪ ዝኽእል ሕክምና ግን ኣሎ።
ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ናብ’ታ ኣብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ትሰርሕ መሕረሲት ክትበጽሒ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ሕርስኽን ድሕሪኡ ዝነበረ ግዜን ከመይ ከም ዝነበረ ክትዛረባ ኢኽን። ክትምርመሪ ኢኺ፡ ሕቶታት እውን ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።
ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ብዙሕ ስሚዒታት ክስምዓኪ ንቡር እዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ሕርስኺ ምስ ሓንቲ መሕረሲት ወይ ሓኪም ክትዛረቢ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ዘድልየኪ ተወሳኺ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ድሕሪ ቈልዓ ምውላድ እቲ ወርሓዊ ጽግያት መዓስ ከም ዝምለስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ወርሓዊ ጽግያት ቅድሚ ምምላሱ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።
ነፍሰ ጾር ምዃንን ቈልዓ ምውላድን ንኣካላት ይጸልዎ እዩ። ድሕሪ ሕርሲ ኣካላት ክሓዊ የድልዮ። ኣካላትኪ ምስ ሓወየ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብሪ ጽቡቕ እዩ። እዚ ፊልም ክትገብርዮ እትኽእሊ ሓሙሽተ ምንቅስቓሳት የርኢ።