ሕርሲ

ረኽሲ ኣብ ማህጸን ድሕሪ ሕርሲ

Infektion i livmodern efter förlossning - tigrinska

ገሊኤን ኣዴታት ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ማህጸነን ረኽሲ ይገብረለን እዩ። ጠንቂ ናይዚ ኣብ ማህጸን ባክተርያ ስለ ዝኣተዉ እዩ። ፍወሳ ንኽትረኽቢ ናብ ሕክምና ኪዲ።

መብዛሕትኣን እተን ዝሓመማ መብዛሕትኡ ግዜ ብፍወሳ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ይሓውያ እየን። ድሕሪ ረኽሲ ማህጸን ሕክምና ምግባርኪ፡ እንደገና ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ። 

Läs texten på svenska här.

ምልክታት ሕማም

ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ’ዞም ዝስዕቡ ጸገማት ይገብረልኪ፦ 

  • ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብድኺ ቃንዛ ይገብረልኪ። ንኸብድኺ ክትጸቕጥዮ ከለኺ የቐንዝወኪ። 
  • እቲ ድሕሪ ሕርሲ ካብ ርሕሚ ዝወጽእ ደምን ፈሳስን ኣዚዩ ጨናዊ ይኸውን። እቲ ደምን ፈሳስን ዕንቋል (avslag) ይብሃል። 
  • ካብ 38 ዲግሪ ሰልስዩስ ንላዕሊ ዝኾነ ረስኒ ይገብረልኪ። 

ሕማም ርእስን ናይ ድኻም ስሚዒትን እውን ክገብረልኪ ይኽእል እዩ። 

ኣብተን ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ ካብ 1 ክሳብ 10 መዓልታት ረኽሲ ክገብረልካ ንቡር እዩ።  

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ኣብ ማህጸንኪ ረኽሲ ኣለኒ ኢልኪ ምስ ትጥርጥሪ ብዝቐልጠፈ ናብ ሕክምና ክትከዲ ኣለኪ። 

ምስቲ ቈልዓኺ ዝሓረስክሉ ክፍሊ መወልዳን ወይ BB ሆስፒታል ርክብ ግበሪ። 

ንሶም ክሕግዙኺ ዘይክእሉ እንተ ኾይኖም ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ኪዲ። 

ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደዊልኪ ምኽሪ ርኸቢ

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኺ ምኽሪ ምስ ትደልዪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ።  

እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ምስ ዘድሊ ሕክምና ንምርካብ ናበይ ክትከዲ ከም ትኽእሊ ክሕብራኺ እየን። 

እተን ኣለይቲ ሕሙማት ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።  

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቍጽሪ ተለፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

መርመራን ፍወሳን

ኣብቲ ሆስፒታል ብዝተፈላለየ መገዲ ክትምርመሪ ኢኺ። ካልእ ገዲፍካ ናይ ደምን ሽንትን ቅምሶ ክትገድፊ ኢኺ። 

ረኽሲ እንተ’ለኪ ኾይኑ ብጸረ-ነፍሳት  ምፍዋስ ከድልየኪ ይኽእል እዩ። ካልኦት መድሃኒታት እውን ከድልዩኺ ይኽእሉ እዮም። 

ሓደ ሓደ ኣዴታት ኣብ ሆስፒታል ክንክን ከድልየን ይኽእል እዩ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ውላድኪ ምሳኺ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ባዕለይ እንታይ ክገብር ይኽእል?

የዕርፊ ከምኡ’ውን ካብ ኣድካሚ ስራሕ ተቘጠቢ 

ኣብ ከብዲ ቃንዛ ወይ ልዑል ረስኒ ምስ ዝህልወኪ ፓራሰታሞል ዘለዎ መህድእ ቃንዛ ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ። 

ነብስኺ ኣብ ጋብላ ክንዲ ምሕጻብ ብመዝነቢ (ሻወር) ነብስኺ ተሓጸቢ። ርሕምኺ ኣብ ምሕጻብ ሳምናን ክሬምን ኣይትጠቀሚ። 

ጠንቂ ረኽሲ ኣብ ማህጸን እንታይ እዩ?

ጠንቂ እቲ ረኽሲ ባክተርያታት ኣብ ማህጸን ስለ ዝኣተዉ እዩ።  

ንኣብነት እቲ ሕርሲ ነዊሕ ግዜ እንተ ወሲዱ ረኽሲ ክገብረልካ ብዝያዳ ልሙድ እዩ። ከምኡ’ውን መዳሕንቲ ባዕላ እንተ ዘይተዳሒና ከምኡ ከጋጥም ብዝያዳ ልሙድ እዩ። ይዅን’ምበር ኵለን ከምዚ ዓይነት ሕርሲ ዝሓርሳ ረኽሲ ኣይገብረለንን እዩ

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዄንኪ ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ መሰል ክህልወኪ ይኽእል እዩ 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page