ሕርሲ

ምቅልጣፍ ሕርሲ

Igångsättning av förlossningen - tigrinska

ሓደ ሓደ ግዜ ሕርሲ ናይ ግድን ብሕክምና ከም ዝብገስ ይግበር እዩ። ንሕርሲ ተቐላጥፈሉ ብዙሕ ሜላታት ኣሎ። መስርሕ ምብጋስ ብኸመይ ከም ዝግበር ኣብዚ ክትፈልጢ ኢኺ።

ሕርሲ ንኽብገስ ባዕልኺ ክትገብርዮ ትኽእሊ ነገር የለን። 

Läs texten på svenska här.

ሕርሲ ስለምንታይ ይብገስ?

ሕርሲ ብብዙሕ ምኽንያታት ከም ዝብገስ ክግበር ይከኣል እዩ። እቲ ብዝያዳ ዝውቱር ምኽንያት እቲ ጥንሲ 41 ሰሙን ስለ ዘሕለፈ እዩ። ካልእ ምኽንያት ንስኺ ነፍሰ-ጾር ከም ምረዛ ጥንሲ (havandeskapsförgiftning) ዝኣመሰለ ሕማም ስለ ዘለኪ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ዝርርብ ምስ ሓኪም

ቅድሚ እቲ ምብጋስ ሕርሲ ምጅማሩ ምስ ሓደ ሓኪም ክትዘራረቢ ኢኺ። እቲ ርሲ ብኸመይ ክግበር ምዃኑ ሓበሬታ ክወሃበኪ እዩ። ሕቶታት ምስ ዝህልወኪ ድማ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። 

ናብ ሆስፒታል ምስ መጻእኪ ከምዚ ዝስዕብ ከግበር እዩ

ኣብ ክፍሊ መወልዳን መጀመርታ ምስ ሓንቲ መሕረሲት ክትራኸቢ ኢኺ።  

እታ መሕረሲት እቲ ኣብ ከብድኺ ዘሎ ህጻን ጥዕንኡ ከመይ ከም ዘሎ ክትምርምሮ እያ። 

እታ መሕረሲ ወይ ሓኪም ክምርምሩኽን ኣፍ ማህጸን ከመይ ከም ዘሎ ክድህስስዎን እዮም። ኣፍ-ማህጸን፡ እቲ ናብ ርሕሚ ገጹ ዝወርድ ታሕተዋይ ክፋል ማህጸን እዩ። ቅድሚ መበገሲ ሕርሲ ምውሃብ ክልስልስን ክኽፈትን ኣለዎ። 

ድሕሪኡ እቲ መበገሲ ሕርሲ ይወሃብ። 

ንምብጋስ ሕርሲ ዝግበር ዝተፈላለየ ሜላታት

ሕርሲ ንምብጋስ ትጥቀመሉ ብዙሕ ሜላታት ኣሎ 

ንኣብነት መድሃኒት ክትወሃቢ ትኽእሊ ኢኺ። ካልእ ሜላ ሓንቲ መሕረሲት ነቲ ሽፋናት ማንታ ርእሲ ብምንኳል ክኸውን ይኽእል እዩ። ሽዑ ማንታ ርእሲ ይፈስስ።  

እቶም ዝተፈላለዩ ሜላታት ንሕማም ሕርሲ ከም ዝጅምር ይገብርዎ። ኣፍ-ማህጸን ክልስልስን ክኽፈትን ኣለዎ። ሽዑ እቲ ህጻን ናብ ጎሎ ይወርድ። 

ክንደይ ግዜ እዩ ዝወስድ?

ሓደ ሕርሲ ንምብጋስ ዝወስዶ ግዜ ይፈላለ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሓቀኛ ሕርሲ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ክዱንጕ ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ እዚ መብዛሕትአን ነፍሰ ጾራት ኣብ ሆስፒታል ምጽናሕ የድለየን እዩ። 

እቲ ሕርሲ ምስ ጀመረ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሕጻን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ይውለድ። እቲ  ሕርሲ፡ ልክዕ ከም መበገሲ ዘይወሰዳ ማለት ከም ናይ ንቡር ሕርሲ ደረጃታት እዩ ዝኽተል። 

እቲ ሕርሲ መበገሲ ዝለ ዝተገብረሉ ጥራይ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ጽንኩር ክኸውን ኣየድልዮን እዩ። ይዅን’ምበር መብዛሕትኡ ግዜ ዝነውሓ ግዜ እዩ ዝወስድ። 

መስሓቢ (ሱግክሎካ sugklocka) ወይ መጥባሕታዊ ሕርሲ ከድሊ ኣዚዩ ዝውቱር እዩ 

እቲ ሕርሲ ኣብ ርእሲ እቲ ህጻን ብዝገጥም መሳርሒ ክውዳእ ኣዚዩ ዝውቱር እዩ። እዚመሳርሒ  መስሓቢ (ሱግክሎካ) ይበሃል። ኣብ ከምዚ ኵነት ሓደ ሓኪም ተጠንቂቝ ነቲ ህጻን ብምስሓብ ይሕግዝ።  

ከምኡ’ውን እቲ ሕርሲ ብመጥባሕታዊ ሕርሲ ክውዳእ ከድልዮ ኣዚዩ ዝውቱር እዩ። ምኽንያት ናይዚ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሕማም ሕርሲ ከም ዝድለ ሓያል ብዘይምንባሩ እዩ።  

ምስ ሓደ ሰብ ምዝርራብ ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ

ቅድሚ ሕርስን ድሕሪ ሕርስን ሓሳባትን ሕቶታትን ክህልወኪ ይኽእል እዩ። 

ሓገዝ ንምርካብ ምስ ሓንቲ መሕረሲት ተዛረቢ። 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዄንኪ መሰል ናይ ኣስተርጓሚ ክህልወኪ ይኽእል እዩ

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page