ናብሕክምናምኻድ

እዚ 1177 ቮርድጋይደን እዩ 

Det här är 1177 - tigrinska

እዚ ጽሑፍ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ይምልከት. ንስኻ ወይ ሓደ ካብ ስድራ ቤትካ እንተ ሓሚምኩም ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ካብ ሓንቲ ኣላይት ሕሙማት ብእንግሊዝኛ ወይ ሽወደንኛ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል። ለይትን መዓልትን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177.se ብዛዕባ ጥዕናን ሕማማትን ሓበሬታ ኣሎ።  

1177.se መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ክንክን ሕማም እዩ። ሓደ ቍጽሪ ተለፎን እውን እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣገልግሎት ክንክን ሕማም ኣብ ሽወደን ከመይ ከም ዝኾነ ብዝያዳ ኣንብብ። 

ብዛዕባ ክንክን ምኽሪ ንምርካብ ናብ 1177 ደውል 

ምስ ሓመምካ ወይ ምስ ተጎዳእካ ምኽሪ እንተ ኣድልዩካ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውል።  
እተን ዝምልሳልካ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ብሽወደንኛ ወይ እንግሊዝኛ ንኽትዛረብ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኣን ዞባታት ብኻልኦት ቋንቋታት እውን ሓገዝ ክትረክብ ይከኣል እዩ። 
እተን ኣለይቲ ሑሙማት ከመይ ገርካ ንጸገማትካ ከም እትከናኸን ምኽሪ ክህባ ይኽእላ እየን። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፡ ንሕማምካ ኣበየናይ ሕክምና ክንክን ክትረክብ ከም ትኽእል እውን ክነግራኻ ይኽእላ እየን። 

ንምሉእ ስድራ ቤት ዝምልከት 

ውላድካ ወይ ሓደ መቕርብካ እንተ ሓሚሙ እውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ናብ 1177 ምድዋል ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ። እታ እንኮ እትኸፍላ ናይ መደወሊ ክፍሊት ጥራይ እያ።  
ተሌፎንካ ናይ ሽወደን ወርሓዊ ናይ ተሌፎን ውዕል ዘይብላ ወይ ሲም ካርድ ዘይብላ ምስ እትኸውን፡ ወይ ካብ ወጻኢ ሃገር እንተ ዄንካ ትድውል ዘለኻ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውል።  

ሓበሬታትኻ ውሑሳት እዮም 

ናብ 1177 ክትድውል ከለኻ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትካ ወይ መወሃሃዲ ቍጽርኻ (samordningsnummer) ምሃብ ከድልየካ እዩ።  እዚ እተን ሰራሕተኛታት መዘኻኸሪ ጽሑፍ ክጽሕፋ ንኽኽእላ እዩ። እቲ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ይዕቀብ እዩ። 
እቲ ናትካ ሓበሬታታትን እቲ ዝነገርካዮ ነገራትን ብግዴታ ስቱርነትን ምዕቃብ ምስጢርን ውሑሳት እዮም። እዚ እቶም ናይ ክንክን ጥዕና ሰራሕተኛታት ብዛዕባኻ ዝኾነ ነገር ንካብ ክንክን ጥዕና ወጻኢ ዝሰርሕ ሰብ ኣይሕብሩን እዮም ማለት እዩ። እቲ ናይ ምዕቃብ ምስጢር ግዴታ ንዅሎም ኣብ ክንክን ጥዕና ትረኽቦም ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ’ውን ኣስተርጐምትን ሰራሕተኛታት ቤት መድሃኒትን ይምልከቶም እዩ። 

ምኽሪ ብዛዕባ ጥዕናን ኣገልግሎት ክንክን ሕማምን ኣብ መርበብ ሓበሬታ 

ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177.se ብዛዕባ ሕማማት፡ ክንክን ጥዕናን ጥዕናን ሓበሬታታት ኣሎ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ንነብስኻ ወይ ንውላድካ ጥዕናኹም ንኽመሓየሽ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ምኽሪ ኣሎ።  
ኵሉ ኣብ 1177.se ዘሎ ሓበሬታታት ሓቅነቱ ብሓኪምን ካልኦት ናይ ክንክን ጥዕና ሰራሕተኛታትን ዝተረጋገጸ እዩ። 

ምርካብ ክንክን ጥዕና 

ናይ ዝተፈላለያ ክሊኒካት ኣድራሻን ቍጽሪ ተሌፎንን ክትደልን ክትረክብን ትኽእል ኢኻ።  
ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ እታ ትነብረላ ዞባ ምረጽ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ናይ’ዛ ገጽ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። 

ኤለክትሮኒካዊ መንነት (e-legitimation) ብምጥቃም እቶ 

ናብ 1177.se ምእታው እውን ይከኣል እዩ። ሽዑ ንኣብነት ቈጸራ ክትሕዝ ወይ ምስ ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብር ትኽእል። ንኽትኣቱ ኤ-መንነትን ናይ ሽወደን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትን ክህልወካ የድሊ እዩ።  

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page