ሕርሲ

ኣካላዊ ምውስዋስን ምንቅስቓስን ድሕሪ ጥንሲ

Att träna och röra på sig efter förlossningen - tigrinska

ነፍሰ ጾር ምዃንን ቈልዓ ምውላድን ንኣካላት ይጸልዎ እዩ። ድሕሪ ሕርሲ ኣካላት ክሓዊ የድልዮ። ኣካላትኪ ምስ ሓወየ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብሪ ጽቡቕ እዩ። እዚ ፊልም ክትገብርዮ እትኽእሊ ሓሙሽተ ምንቅስቓሳት የርኢ።

እዞም ምንቅስቓሳት ንዓኪ ብርሕሚ ዝወለድክን ንዓኪ ብመጥባሕቲ ዝወለድክን ዝሰማምዑ እዮም

Läs texten på svenska här.

ኣብዛ ፊልም፡ ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ ክትገብርዮ እትኽእሊ ሓሙሽተ ልምምዳት ትርእዪ።

ድሕሪ ሕርሲ ኣካላት ክሓዊ የድልዮ

እቲ ልዓ ካብ ማህጸን ምስ ወጸ ኣካልት ሽዑንሽዑ ናብ ንቡር ክምለስ ክሓውን ይጅምር  
 
ብርሕሚ እንተ ዄንኪ ሓሪስኪ ብልዕትኺ ምሕዋይ የድልዮ እዩብመጥባሕቲ እንተ ዄንኪ ሓሪስኪ ከብድኺ ምሕዋይ የድልዮ እዩ 
 
ምሕዋይ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 6 ክሳብ 8 ሙን ይወስድድሕሪኡ ኣካላትኪ ምሉእ ብምሉእ ናብ ንቡር ንኽምለስ ክሳብ ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ ኣብዚ ግዜ እዚ ምውስዋስ ኣካላትን ምንቅስቓስን ጽቡቕ እዩ

ኣብ መጀመርታ ህድእ በሊ

ኣብተን መጀመርታ መዓልታት ድሕሪ ሕርሲ ቁሩብ ክትንቀሳቐሲ ጽቡቕ እዩንኣብነት ኣቀማምጣ ክትቀያይሪን ኣብ መንጎ ኮፍ ምባልደው ምባልን ወይ ምኻድን ክትቀያይሪ ትኽእሊ ኢኺ 
 
ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ቁሩብ ዝያዳ ክትንቀሳቐሲ ክትጅምሪ ትኽእሊ ኢኺምናልባት ብእግሪ ክትዛወሪ ትኽእሊ ኢኺ

ነቶም  ኣብ ታሕተዋይ ክፍላ ጎሎማለት ኣብ ብልዕቲ ዘለዉ ጭዋዳታት እውን ብልምምድ ከተትርርዮም ትኽእሊ ኢኺ ነዚ ብቐጥታ ድሕሪ ሕርሲ ክትጅም ትኽእሊ ኢኺ ነቶም ጭዋዳታት ጨቢጥክን ወጢርክን ሓዝዮም ኣፍኹስኪ ጀምሪድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ኣርባዕተ ሰሙን ከተሓይልዮ ትኽእሊ ኢኺ ኣብ መንጎ እና ተዛነኺ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ወጢርኪ ሓዝዮ።

ምውስዋስ ኣካላት ምጅማር

ድሕሪ ካብ 6 ክሳብ 8 ሰሙን ምውስዋስ ኣካላት ክትገብሪ ክትጅምሪ ትኽእሊ ኢኺ።  

ጀማሪት እንተ ዄንኪ ክብደት ከይተጠቀምኪ ጀምሪ። ክብደት ኣካላትኪ ጥራይ ተጠቀሚ። ጽቡቕ ክስምዓኪ ምስ ጀመረ ትጥቀምሉ ክብደት ክትውስኺ ትኽእሊ ኢኺ።  
 
ኣብዛ ፊልም፡ ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ ክትገብርዮ እትኽእሊ ሓሙሽተ ልምምዳት ትርእዪ።  
 
እዞም ዝስዕቡ ልምምዳት ኣብዛ ፊልም ኣለዉ፦ 

  • ሰድያ ብምጥቃም ብርክኺ ምዕጻፍ። 
  • ኣእዳውኪ ናብ መንደቕ ምጽቓጥ። 
  • በጥ ኢልኪ ጎሎ ሓፍ ምባል። 
  • በጥ ኢልኪ ብርኪ ሓፍ ምባል። 
  • ብጎቦ በጥ ኢልኪ ምሕኩልቲ ሓፍ ምባል። 
     

እዞም ልምምዳት ብልምምድ ተራር ኵኒ ኣይትዅኒ ብዝየገድስ ንዅሉ ዝሰማምዑ እዮም። ነቶም ንዓኺ ዝሰማምዑ ምረጺ።

በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ጽቡቕ እዩ

ድሕሪ ጥንስን ሕርስን ምውስዋስ ኣካላት ጽቡቕ ምዃኑ ክገብርዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። 
 
ምውስዋስ ኣካላት ምስ እትገብሪ ክመሓየሹ ናይ ዝኽእሉ ሓደ ሓደ ኣብነታት እንሆ፦ 

  • ድሕሪ ሕርሲ ቀልጢፍኪ ትሓውዪ። 
  • ብዝያዳ ንቕሕቲ ትኾኒ። 
  • ዝሓሸ ድቃስ ትድቅሲ። 
  • ዝወሓደ ጸገማት ናይ ከብዲ ይህልወኪ። 
  • ዝወሓደ ናይ ጭንቀትን ቃዝኖትን ጸገም ክህልወኪ ይኽእል። 
  • ቃንዛ ሕቖ ክውሕደልኪ ይኽእል። 
  • ዝደልደለ ኣካላት ትረኽብን ዝያዳ ሓይሊ ክህልወክን ይኽእል። 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page