Undersökningar och prover - ምርመራታት/ቅምሶታት

መርመራ መዓንጣን ከብድን ብጋስትሮስኮፒ

Gastroskopi-andra språk - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

ጋስትሮስኮፒ፡ gastroskopi ክህልወኹም እዩ። እዚ ድማ ላዕለዋይ ክፋል ከብዲ ዝፍተሸሉ መርመራ እዩ። ልስሉስ ሻምብቆ ብኣፍ ኣቢሉ ናብ ከብዲ ይወርድ። እቲ ምርመራ ምእንቲ ክፍጸም ኣቐዲምኩም ንነብስኹም ከተዳሉ ኣገዳሲ እዩ።

ካብዞም ዝስዕቡ ዝኾነ ንዓኹም ዝምልከት እንተኾይኑ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ክትረኽቡና ይግባእ:

ካብዞም ዝስዕቡ መድሃኒታት ሓደ ወይ ልዕሊኡ ትጥቀም:

  • waran
  • pradaxa
  • xarelto
  • eliquis
  • lixiana.

ብድሕሪኡ ናብ antikoagulationsmottagningen ክትድውሉ ይግባእ። ብስልኪ ቁጽሪ 090-785 93 66 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

ካብዞም ዝስዕቡ ዝኾነ ይኹን ንዓኹም ዝምልከት እንተኾይኑ:

  • ፔስሜከር ኣለኹም
  • plavix/Clopidogrel ትወስዱ ኣለኹም
  • efient ትወስዱ ኣለኹም
  • brilique ትወስዱ ኣለኹም
  • ጠኒስኪ ወይ ጥንስቲ ከምዝኾንኺ ይመስለኪ።

ምስ endoskopienheten ክትራኸቡዎ ይግባእ ብስልኪ ቁጽሪ 090-785 93 03 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

ንመርመራኹም ምድላው

እዚ ቅድሚ ፈተና ኣብ ገዛኹም ክትገብሩዎ ዝግበኣኹም እዩ።

  • ቅድሚ 5 መዓልታት መርመራ፡ NSAID ዝዓይነቱ ናይ ቃንዛ መድሓኒት ክትጥቀሙ የብልኹምን። ካብዚኦም voltarenን iprenን treoን diklofenakን ይርከብዎም።
  • ከብዲ ምሉእ ብምሉእ ባዶ ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ቅድሚ መርመራኹም ክሳብ 6 ሰዓታት ክትበልዑን ክትሰቱን ይፍቀደለኹም። ብድሕሪኡ ፍጹም ዝኾነ ነገር ክትበልዑን ክትሰትዩን የብልኹምን።

እዚ እዩ ኣብ ምርመራ ዝፍጸም

  • ቅድሚ እቲ መርመራ ምጅማሩ፡ ኣብ ከብዲ ዘሎ መጠን ጋዝ ንምንካይ መድሃኒት ክወሃበኹም እዩ።
  • ንኣስናንኹም ነቲ ቱቦን ንምክልኻል፡ ኣብ ኣፍኹም ዝቅመጥ ዝንኸስ ቀለቤት ክህልወኹኹም እዩ።
  • ከብዲ ብኣየር መሊኡ ኣሎ። ኣብ እዋን መርመራን ድሕሪን መርመራ ክትነብዕ ክገብረኹም ይኽእል እዩ።
  • እቲ ሓኪም ኣድላዪ እንተኾይኑ ኣብ እዋን መርመራ ናሙናታት ይወስድ።

ቅድሚ መርመራ መደንዘዚ መድሃኒት ክትወስዱ እንተደሊኹም፡ በጃኹም ኣብ endoskopienheten ርኸቡና። ብስልኪ ቁጽሪ 090-785 93 93 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።
መደንዘዚ መድሃኒት ምስ ትቅበሉ ን24 ሰዓታት መኪና ክትዝውሩ ከምዘይፍቀደልኹም ኣይትረስዑ።

To the top of the page