ኣማራጽታት ሓለዋ ጥዕና ኣብ ቬስተርቦተን

Hälsoval Västerbotten - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

ባዕልኻ ኢኻ ኣበየናይ ማእከል ጥዕና ከም እትግልገል እትመርጽ።

Läs texten på svenska här

ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣብ ኣማራጽታት ሓለዋ ጥዕና ቬስተርቦተን (Hälso­val Västerbotten) ዘለዋ ማእከላት ሓለዋ ጥዕናን ኣብያተ ሕሙማትን (sjukstugor) ዚምልከት ሓበሬታ’ሎ።

ማእከል ሓለዋ ጥዕና በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ትመርጽ

ንናይ ምምሕዳር ኣውራጃዊ ባይቶ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት (e-tjänst) 1177 ቮርድጋይደን ወይ ቅጥዒ ተጠቒምካ ኢኻ ንስምካ ኣብ ሊስታ እትምዝግብ። ዝተተርጐመ ቅጥዒ ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ማእከል ሓለዋ ጥዕና’ሎ።

ማእከል ሓለዋ ጥዕና ነቶም ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሽወደን ንዘለዉ ኣስማቶም ኣብ ዝደለይዎ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ኣብ ሊስታ ከመዝግቡ ኪኣብዮም ኣይክእልን’ዩ።

ናብ’ቲ ኣዋራጃ ግዒዞም ዚመጹ: ወይ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣውራጃ ቦታ ዚቕይሩ ዚግልገሉሉ ማእከል ሓለዋ ጥዕና፤ ባዕሎም እንተደኣ ዘይመሪጾም፤ ከከም ዚቕመጡሉ ኣድራሻ ይምደቡ። ናጽላታት ምስ ተወልዱ፤ ፈለማ ኣብ’ቲ ወለዶም ዚጥቀሙሉ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ይምዝገቡ። ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ፤ ወለዶም’ዮም ማእከል ሓለዋ ጥዕና ይመርጹሎም።

ቀዋሚ ርክብ ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ’ቲ እትግልገለሉ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ቀዋሚ ርክብ ሓኪም ኪህልወካ ይኽእል’ዩ። የግዳስ ነቲ እትደልዮ ሓኪም ክትረክብ ርግጸኛ ክትከውን ኣይትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ኣድላዪ እንተ ኾይኑ: ምስ ሓደ ሓኪም ዘይኮነ ሰብ ቀዋሚ ርክብ ሕክምና (vårdkontakt) ኪህልወካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ሰዓታት ስራሕ

ኵላተን ማእከላት ሓለዋ ጥዕና ኣብ ግዜ ቀትሪ ናይ ስራሕ መዓልታት ክፉታት’የን። ምኽሪ ክትረክብ ወይ ቈጸራ ክትገብር ናብ’ዘን ማእከላት ሓለዋ ጥዕና ምድዋል ይከኣል’ዩ። ምሸት ወይ ቀዳመ-ሰንበት እንተ ሓሚምካ: እቲ ዚግባእ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና መታን ኪሕብሩኻ ፈለማ ናብ ቍጽሪ ስልኪ 1177 ምድዋል ኣገዳሲ’ዩ። ስሕት ኢሉ ናብ ክፉት መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና (primärvårdsjour) ክትከይድ ይሕብሩኻ። ኣብ ኡመዮ ”ኦሊድሄምስ ሄልሶሰንትራል” (Ålidhems hälsocentral) ዚበሃል ክፉት መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና: ኣብ ሸለፍተዮን ሊክሰለን ከኣ ኣብ’ተን ሆስፒታላት ዚርከባ ናይ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ኣለዋ። ኣብያተ ሕሙማት (sjukstugor) ዘለወን ቦታታት በብታራ ክፉት መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና (primärvårdsjour) ይህባ። ምኽሪ ክትረክብ ኵሉሳዕ ናብ 1177 ምድዋል የድሊ።

ኪምረጻ ዚኽእላ ማእከላት ሓለዋ ጥዕና

Healtcare centres in Västerbotten

To the top of the page