መምርሕታትን መሰላትን

ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ

Särskilt tandvårdsbidrag - tigrinja

ሓገዝ ንምክልኻል ሕማም-ስኒ

ንስንኻ ሳዕቤን ዘምጽኣሉ ሕማም ምስ ዚህልወካ፤ መከላኸሊ ዚኸውን ስጉምቲ ናይ ክንክን-ስኒ ምውሳድ የድልየካ። ኣብዚ ከምዚ ኵነታት፤ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ (STB) ንምርካብ መሰል ኣሎካ። ንሱ ድማ ንኣብነት ንስኒ ዘቦዅቡኾ ዓይነት ሕማም ክኸውን ይኽእል። እምበኣር መታን እቲ ሓኪም-ስንኻ ወይ ኣጽራዪት-ስንኻ፤ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘሎካ ክፈልጡ፤ ብዛዕባ እቲ ዘሎካ ሕማምን፤ ሓገዝ ንምክልኻል ሕማም-ስኒ ከም ዘድልየካን፤ ናይ ዶክቶር ምስክር ወረቐት ክተቕርበሎም የድሊ።

እዚ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ፤ ከም መመላእታ ናይቲ ኣብ ሓፈሻዊ መደብ ሓለዋ ጥዕና-ስኒ ዚግበር ሓገዝ ሕክምና-ስኒ እዩ። እቲ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ትቕበል ምስ ትኸውን፤ እቲ ሓፈሻዊ ናይ ሕክምና-ስኒ ሓገዝ ውን ክትረክብ መሰል ኣሎካ።

እቲ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ፤ 600 ክሮኖር ንፍርቂ ዓመት ኮይኑ፤ ናብ ሕክምና ስኒ ኣብ ትኸደሉ ግዜ፤ ካብቲ እትኸፍሎ ወጻኢ ይጎድለልካ ማለት እዩ። እዚ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ገንዘብዚ፤ በብዓመቱ እንተ ደንጎኻ፤ ኣብ 30 ሰነን ኣብ 31 ታሕሳስን ክትጥቀመሉ ይግባእ። 

Särskilt tandvårdsbidrag

እቲ ሓገዝ ንምንታይ ክትጥቀመሉ ይፍቀደልካ?

እዚ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ፤ ንሓለዋ-ጥዕና ስኒ ጥራይ ኢኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል። ገለ ካብቲ ዚግበረልካ ዓይነት ምርመራታት ኣብዚ እቱው ኮይኑ፤ ሽግራት ናይ ስኒ ንምክልኻልን ንሓለዋ ጥዕና-ስኒን ተባሂሉ ዚወሃበካ ሕክምና ዘጠቓልል እዩ። ንኣብነት ከም ምጽራይ-ስኒ፤ ናይ ፍሎር ሕክምና፤ ምኽሪ ዓይነት-መግቢን ኣተሓሕዛ ጽሬት-ስኒን ክጥቀስ ይክኣል።

ንኻልእ ኣብ ክንክን-ስኒ እትገብሮ ሕክምናታት ግን፤ እቲ ልሙድ ዝኾነ ክፍሊታት ኢኻ እትኸፍል።

መን እዩ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ክረክብ ዚኽእል?

ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ዚፍቀደልካ፤ እዚ ሲስዕብ ሕማማት ምስ ዚህልወካ እዩ።

  • ሲስቲስክ ፊብሮስ
  • ብርቱዕ ሕዱር ሕማም ሳንቡእ KOL
  • ሕማም መዓናጡ ኡልሰሮስ ኮሊት ”ulcerös kolit”፤ ሕማማት ክሮንስ ”Crohns”ከምኡውን ጥልመተ-መዓንጣ ”tarmsvikt”
  • ኣብ ምቡዅባዅ ስኒ፤ ንኣብነት ብምኽንያት ኣኖሮክሲ ”anorexi” ቡሊሚ ”bulimi” ወይውን ካብ ሕማማት ጋስትረዮሶፋገፍል ረፍሉክስ ”gastroesofageal reflux”
  • ሕማም ሽኮር ንምቍጽጻራ እተሸግር ዓይነት
  • ሕክምና ዲያሊይስ ውሕደት ህዋሳት መከላኸሊ ኣካላት፤ ንኣብነት ብምኽንያት ሕክምና ጸርጊ ወይ ምቕያር መሳርዕ ኣካላት
  • ምጕዳል ህዋሳት ተኸላኸልቲ ኣካላት፤ ብምኽንያት ካብ ካልእ ሰብ ምቕያር ክፍሊ-ኣካላት ወይ ሕክምናዊ መድሃኒታት
  • ሾግሬንስ ሲንድሮም ”Sjögrens syndrom”

ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ዚወሃበካ፤ ብምኽንያት እዚ ዚስዕብ ኣፍካ ምስ ዝደርቕ። ንኣብነት

  • ብምኽንያት ናይ ነዊሕ ግዜ መድሃኒት ምጥቃም
  • ብምኽንያት ሕክምና ጸርጊ ኣብ ርእሲ ወይ ክሳድ

ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ንምርካብ እንታይ ክገብር የድልየኒ?

ነዚ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ዚኸፍለካ፤ እቲ ናይ ውሕስነት-ካሳ እዩ። ከመይ ጌርካ ምልክታ ከም እተእቱ ሓበሬታ፤ ምስ ዶክቶርካ ወይ ሓኪም-ስኒኻ ወይ ኣጽራዪት-ስኒኻ ክርከብ ይክኣል እዩ።

ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ከም ዘሎካ ብዝበለጸ ክትፈልጥ ምስ እትደሊ፤ ምስ ዶክቶርካ ወይ ሓኪም-ስንኻ ምዝርራብ እዩ። ውሕስነት-ካሳ መብዛሕትኡ ግዜ፤ ናይቲ ዘሎካ ሕማም ወይ ሽግር ዘረጋግጽ፤ ናይ ምስክር ወረቐት ካብ ሓኪም ክተቐርብ ይሓቱኻ እዮም። ገለ እዋናት፤ ጸብጻብ ናይቲ ዘሎካ ሕማማትን ሽግራትን፤ ኣብ መዝገብ ሕክምና-ስኒ ሰፊሩ ምስ ዚህሉ፤ እንታይ ሕማም ከም ዘሎካ፤ ናይ ሓኪም ምስክር ወረቐት ምቕራብ ኣየድልን እዩ። ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ንኽትረክብ፤ ናብ ውሕስነት-ካሳ ምስክር ወረቐት ንምስዳድ፤ እኹል ሓበሬታ ምህላዉ ገምጋም ዚወስዱ፤ እቲ ሓኪም-ስንኻን ወይ እታ ኣጽራዪት-ስንኻን እዮም። እቲ ዘሎካ ናይ ሓኪም ምስክር ወረቐት፤ ንመጀመርታ ግዜኻ ናብ ሓኪም-ስኒ ወይ ኣጽራዪት-ስኒ ክትከይድ ከሎኻ፤ እቲ ወረቐት ካብ ሰለስተ ወርሒ ንላዕሊ ዕደመ ክህልዎ የብሉን።

ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ፤ ኣብ ኩሎም እቶም ኣብ ውሕስነት-ካሳ ምዝጉባት ዝኾኑ ትካላት ሕክምና ዘገልግል እዩ። ዋላኳ ሓኪም-ስኒ ወይ ኣጽራዪት-ስኒ እንተ ቐየርካ፤ እቲ ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ፤ ብቐጻሊ ይወሃበካ እዩ። ገለ እዋናት፤ ከከምቲ ዘሎካ ዓይነት ሕማም፤ ነቲ ዘሎካ ናይ ሓኪም ምስክር ወረቐት ክተሐድሶ ዘድልየሉ ኩነታት ኣሎ።

ፍሉይ ናይ ክንክን-ስኒ ሓገዝ ንምርካብ፤ ባዕልኻ ብቐጥታ ናብ ውሕስነት-ካሳ ምልክታ ክተእቱ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ግን ንኽፍቀደልካ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስድ ይኽእል። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ውሕስነት-ካሳ ኢንተርነት ኣድራሻ ክርከብ ይክኣል።

To the top of the page