እኩብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብትግርኛ
ኮቪድ-19 – ብትግርኛ
Om Covid-19 - tigrinskaኮቪድ-19 ብሰንኪ ቫይረስ ዝስዕብ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ኮቪድ-19 ዝሕዞም ሰባት፡ ከም ጕንፋዕ ክሕዘካ ከሎ ትሓሞ ይሓሙ። ገሊኦም ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝሓሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክሕከሙ የድልዮም እዩ።
ሕማም ኮቪድ-19 ብሓደ ካብቶም ጕጅለ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ሓድሽ ቫይረስ እዩ ዝስዕብ።
እዚ ሕማም ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም እዩ ዘሎ። ስለዚ እዩ ዓለምለኸ ለብዒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ።
ኣብቲ ዘለካዮ ቦታ እንታይ ከም ዘገልግል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።