ትግርኛ/Tigrinska

ክታበት ኣንጻር HPV ኣብ ቨስትማንላንድ

Vaccination mot HPV i Västmanland - tigrinskaThe content concerns Västmanland

ኣንጻር HPV ክታበት ምስ እትወስዲ፡መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ንኸጋጥም ዘሎ ተኽእሎ/ሓደጋ የጕድሎ እዩ።  HPV ናይ ዋህዮታት ምልውዋጥ የስዕብ፡ እዚ ድማ ብግደኡ ናብ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ይምዕብል። HPV ማሕጽሮ ናይ ሁማንት ፓፒሎን ቫይረስ እዩ፡ እዚ ድማ ብዙሕ ዝረአ ዓይነት ቫይረስ እዩ።

 

 HPV ከምኡ ኣውን መንሽሮ ክሳድ ማሕጸን ኣብ ሽወደን ኣጥፍእ

ክታበት እንተ ወሲድኪ HPVን መንሽሮ ክሳድ ማህጸንን ኣብ ሽወደን ንምጥፋእ ዝዓለመ ብሃገር ደረጃ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ተሳታፊት ምዃንኪ ተቐቢልክዮ ኣሎኺ ማለት እዩ። ኣብዚ ብምእታው  lämnarsamtycke ንኽትሳተፊ ፍቓደኛ ምዃንኪ ኣቐዲምኪ ብዲጂታል ወይ ድማ ኣብቲ ክታበት እትወስድሉ ቦታ ክትሕብሪ ትኽእሊ።

ብዛዕባቲ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ኣብዚ ብምእታው ኣንብቢ hpvcenter.se.

 

ክታበት ንምውሳድ ቆጸራ ሓዚ

ንስኺ ኣብ ዓመታት 1994-1999 ዝተወለድኪ ሰበይቲ ኣንጻር HPV ብዘይ ክፍሊት ክታበት ንምውሳድ ቆጸራ ሓዚ።

                                                                                                    ብአለክትሮኒካዊ መለለይኺ ኣቢልኪ ትኣትዊ ( e-legitimation)

                                                                                                                                      አለክትሮኒካዊ መለለይኺ (አ-ለጂቲማሹን) ብምጥቃም ናብቲ እትመላለስዮ ሕክምና ኣቲኺ ቆጸራ ትሕዚ። ኣብዚ ብምእታው እውን ge samtycke  ኣብቲ መጽናዕቲ ንምስታፍ ፍቓደኛ ምዃንኪ ትሕብሪ።

 

መን እዩ ክኽተብ ዘለዎ?

ኵለን ኣንጻር HPV ክኽተባ ዝደልያ ክታበት ክወስዳ ይኽእላ። ግን 29 ዓመት ዕድመ ዝኾና ወይ ካብኡ ዝንእሳ ካብ ክፍሊት ናጻ እየን ክታበት ዝወስዳ። ካብ ቀውዒ ናይ 2020 ኣትሒዙ ክታበት ኣንጻር HPV ኣብቲ ሓፈሻዊ ፕሮግራም ክታበት det allmänna vaccinationsprogrammet  ንኣወዳትን ኣዋልድን ተኻቲቱ እዩ። ቅድም ግን ንኣዋልድ ጥራይ እዩ ነይሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቨስትማንላንድ ኣብ ዓመታት 1994-1999 ዝተወልዳ

ንስኺ ኣብ ዓመታት 1994–1999 ዝተወለድኪ ኣንጻር ሁማንት ፓፒሎን ቫይረስ HPV ብዘይ ክፍሊት/ብናጻ ክታበት ክትስወዲ ትኽእሊ። ናብቲ ተመዝጊብኪ እትነብርሉ ኣድራሻ ዕድመ ክለኣኸልኪ እዩ ወይ ድማ ብናይ ኪቭራ- መቐበል መልእኽትኺ ኣቢሉ። ግን ቕድሚ ደብዳቤ ምቕባልኪ እውን ክታበት ንምውሳድ ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ።

ንስኺ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝኾንኪ ሕጋዊ መጸውዒ ዘይብልኪ፡ ግን ከኣ ክሳድ ማህጸን ዘሎኪ፡ ክታበት ክትወስድን ቆጸራ ክትሕዝን ይከኣል። ንገዛኺ ግን ደብዳቤ ኣይለኣኸክን።

ኣብዚ ዞባ እዚ ዘይትነብሪ እንተኾንኪ ደብዳቤ ኣይለኣኸክን ግን ክኣ ክታበት ክትወስድን ቆጸራ ክትሕዝን ይከኣል።  

ዋላ ቅድሚ ሕጂ ክታበት ወሲድኪ እንተነርኪ ካልኣይ ግዜ ክታበት ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ

ቅድሚ ዓመተ 2019 ክታበት ወሲድኪ ዝነበርኪ (እሞ ኣብ ዓመታት1994-1999 ዝተወለድኪ እንተኾንኪ) ሓድሽ ክታበት ብምውሳድ ክትምልእዮ ትኽእሊ። እቲ ሕጂ ዘገልግል ዘሎ ዓይነት ክታበት ጋርዲሳል 9 እዩ ዝበሃል፡ እዚ ካብቲ ቅድሚ 2019 ዘገልግል ዝነበረ ክታበት ዝሰፍሐ ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ኣሎዎ። ስለዚ እዚ ዕድመ እዚ ዋላ ንዓኺ እቲ ኣረጊት ክታበት ኣንጻር HPV ወሲድኪ ዝነበርኪ ይምልከተኪ እዩ።

 

ንኽታበት ዝምልከቱ ጠለባት/ቅድመ-ኵነታት

  • ጥንስቲ እንተዀንኪ እዚ ክታበት እዚ ክትወስድዮ የብልክን፡ ስለምንታሲ ዝኾነ ናይ HPV- ክታበት ኣብ ጥኑሳት ቅድሚ ሕጂ ስለ ዘይተፈተነ።
  • ክታበት እንተወሲድኪ HPVን መንሽሮ ክሳድ ማህጸንን ኣብ ሽወደን ንምጥፋእ ዝዓለመ ብሃገር ደረጃ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ተሳታፊት ምዃኒ ተቐቢልክዮ ኣሎኺ ማለት እዩ። ኣብዚ ብምእታው  lämnar samtycke  ንኽትሳተፊ ፍቓደኛ ምዃንኪ ኣቐዲምኪ ብዲጂታል ወይ ድማ ኣብቲ ክታበት እትወስድሉ ቦታ ክትሕብሪ ትኽእሊ።
  • ንስኺ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝኾንኪ ሕጋዊ መጸውዒ ዘይብልኪ፡ ግን ከኣ ክሳድ ማህጸን ዘሎኪ፡ ክታበት ክትወስድን ቆጸራ ክትሕዝን ይከኣል።
  • ኣብዚ ዞባ እዚ ዘይትነብሪ እንተዀንኪ ደብዳቤ ኣይለኣኸክን ግን ከኣ ክታበት ንኽትወስዲ ናብቲ እትመላለስዮ ማእከል ጥዕና ተለፎን ብምድዋል ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ።

 

ን HPV ባዕላዊ መርመራ ምውሳድ

ምስ ክታበት ተተሓሒዙ ብዘይ ክፍሊት/ብናጻ ባዕላዊ ናይ HPV መርመራ ክትገብሪ ይከኣል። እቲ መርመራ ምስ ገበርኪ ናይቲ ዝተገብረ መርመራ ውጽኢት ንምፍላጥ ትልእክዮ። ነቲ መርመራ ኣብ ዝኾነ ናይ ፖስታ ሳጹን ብምእታው ትልእክዮ መልሱ ድማ ብደብዳቤ ይመጸኪ።  

እቲ መርመራ HPV እንተ እልዩኪ ከርኢ እዩ፡ ከምኡ ምስ ዝኸውን ናይ ዋህዮታት መርመራ ንምግባር ድሕሪ 3-4 ኣዋርሕ ናብ ክፍሊ መዋለድያን ክትጽውዒ ኢኺ።

 

HPVን መንሽሮ ክሳድ ማህጸንን

ብዝዕባ HPV፣ናይ ዋህዮታት ምልውዋጥን ከምኡ እውን መንሽሮ ክሳድ ማህጸንን ዝያዳ ሓበሬታ ንምንባብ ኣብዞም ዝስዕቡ ገጻት ትኣቱ:

 

To the top of the page