ክንክን ሓራስ ኣብ ገዛኣ
BB Hemma - tigrinskaንዓኺ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ገዛኺ ዝግበረልኪ ክንክን
ክንክን ሓራስ ኣብ ገዛኣ፡ ድሕሪ ሕርሲ እታ ሓራስ ምስ ናጽላኣ/ዕሸላ ኣብ ጽቡቕ ናይ ጥዕና ኵነታት ዝርከቡ ምስ ዝኾኑ ኣብ ገዛኦም ምስ ተመለሱ ዝግበረሎም ክንክን/ክትትል ጥዕና እዩ።እዚ ዓይነት ክንክን ጥዕና እዚ፡ እንተቐልጠፈ ሽዱሽተ ሰዓታት ድሕሪ ሕርሲ ገዛኹም ትኸዱ እሞ እቲ ዘድሊ ጥዕናዊ ክንክን/ክትትል ኣብ ገዛኹም ይግበረልኩም-እዚ ማለት ድማ ኣብ ክፍሊ መዋለድያን ኮነ ካልእ ኣብቲ ተመሊስካ እትምርመረሉ ክፍሊ ሕክምና ምጽናሕ ወይ ምምጻእ ኣየድልን።
ነዚ ጠለባት እዚ ተማልኡ እንተድኣ ኰንኩም መሕረስቲ/ኣዋለድቲ ቀጻሊ ናብ ገዛኹም እናተመላለሳ ይኣልያኹምን ይሕግዛኹምን። እቲ ክንክን ጥዕና ዘማልኦም:
- ምብጻሕ ናብ መንበሪ ገዛኹም
- ርክብ ብተለፎን
- ብቪደዮ ምዝርራብ
እቲ ኣብ ገዛኹም ኰንኩም እትረኽቡዎ ሓገዝ ካብቲ ኣብ ሆስፒታል ዝግበረልኩም ክንክን ኣይፍለን እዩ። ኣብታ መጀመርያ ሰሙን ንስኽን እቲ/ታ ናጽላን/ዕሸልን ክትትል ይግበረልኩም፡ከም ሓዳስ ወላዲት/ሓራስ ድማ ዘድልየኪ ክንክን ይግበረልኪ።
ቅድሚ ናብ ገዛ ምኻድኩም ክማልኡ ዘለዎም
- ኣደን ውላዳን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ምህላዎም ይረጋገጽ
- እቲ ናጽላ/ዕሸል ብሓኪም ቆልዑት ይምርመር
- እቲ/ታ ናጽላ/ዕሸል ምብላዕ/ምጥባው ምጅማሩ/ራ ይረጋገጽ
- ዑደት ኦክሲጅን ኣብ ደምን ምናልባት እውን ምልክታት ወይቦ ከይህልዉ መርመራ ይግበር
ትኽክለኛ ተለፎን ቍጽርኹም ምሕዳግን ክንድውለልኩም እንከሎና ድማ ምምላሽን ኣገደስቲ ኣዮም፡ከምኡ እንተዘይኰይኑ ኣብ ገዛኹም ንምምጻእ መደብ ክንገብር ኣይንኽእልን።
ኣድላይ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ክፍሊ መዋለድያን ንምጽናሕ ተኽእሎ ኣሎ።
ምብጻሕ ናብ መንበሪ ገዛኹም
ንዓና ብዝተኻእለ መጠን ውሑስ ጅማሮ ክኾነልኩም ምግባርን ከምኡ ድማ ነታ ስድራ-ቤት ብምልእታ ዘድልያ ሐገዝ ክንገብረላ ኣገዳሲ እዩ።
ንገዛኹም ምስ ተመለስኩም ንጽባሒቱ ሓንቲ መዋለዲት ኣብ ሰዓታት 08.00-10.00 ኣብ ዘሎ ግዜ ትድውለልኩም። ኵነታት ጥዕናኹም ከመይ ከም ዘሎን ከምኡ ድማ ድሕሪ ምምላስኩም ኣተን መጀመርታ ሰዓታት ከመይ ከም ዝነበራን ንሓተኩም። ሕቶታት ምስ ዝህልዉኹም ንምልሽ፡ ኣድላይ ምስ ዝኸውን እውን እታ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ገዛኹም ክንመጽእ ንኽእል፡ ንኣብነት ተጥቡዊ እንተዀንኪ ደገፍ ምጥባው ንገብረልኪ።
ከምቲ ልሙድ እታ መጀመርታ ምብጻሕ ኣብ ገዛ፡ እቲ/ታ ናጽላ/ዕሸል ዕድመኡ/ኣ 48 ሰዓታት ምስ ኣሕለፈ/ት እዩ ዝትግበር። ዋላ ሽዓኡ እውን እታ እትመጽኣኩም ኣዋላዲት ምእንቲ ከተርጋግጽ ናባኹም ትድውል። ኣብ ገዛኹም ብምምጻእ ዑደት ኦክሲጅን ኣብ ደም ትምርምር፣ናይ ወይቦ መርመራ፣ሚዛን እቲ/ታ ናጽላ/ዕሸል ትወስድ ከምኡ እውን መርመራ PKU-provet ትገብር።እዚ መርመራ ናይ ደም ኮይኑ (PKU-provet) ንዅሎም ኣብ ሽወደን ንዝተወልዱ ናጽላታት/ዕሸላት እዩ ዝውሰደሎም።
ኣድላይ ምስ ዝኸውን ተደጋጋሚ ምብጻሕ ናብ ገዛኹም ክትግበር ይከኣል። ንኣብነት ከም፡ምክትታል ሕማም ወይቦ፣ሚዛንን ምጥባውን ክኾኑ ይኽእሉ።መዓልታዊ ብተለፎን ክትትል ምግባር እውን ተኽእሎ ኣሎ።
እትራኸቡዎም
BB Västerås
021 17 31 46
ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ክፉት እዩ
BB Återbesök- och Amningsmottagning
021 17 31 17
ዝኽፈተሉ ሰዓታት 08.00-15.30