Besök 1177.se, logga in för personliga e-tjänster eller ring 1177 för sjukvårdsrådgivning.
ኮቪድ-19 ብሰንኪ ቫይረስ ዝስዕብ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ኮቪድ-19 ዝሕዞም ሰባት፡ ከም ጕንፋዕ ክሕዘካ ከሎ ትሓሞ ይሓሙ። ገሊኦም ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝሓሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክሕከሙ የድልዮም እዩ።
ንዓኻ ሕማም ኮቪድ-19 ሒዙካ ዘሎ ዝምልከት ምኽሪ እንሆ። እዚ ምኽሪ ነዓኻ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዘየድልየካ ኣብ ገዛ ክትከውን ትኽእል ዝምልከት እዩ። ሕማምካ እንተ ገዲዱካ ምስ ሕክምና ርክብ ግበር።
እዚ ትሕዝቶዚ ንቨስትማንላንድ እዩ ዝምልከት መልሲ ናይ ዝተገብረልካ መርመራ ጠንቁ ብኮቪድ-19 ዝኾነ ረኽሲ ከም ዘሎካ እንተርኣየ፡ ንኻልኦት ምእንቲ ከይተመሓላልፈሎም ኣብ ገዛኻ ክትውሸብ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ንሕማማት ለበዳ ዝምልከት ሕጊ እውን ክትክተሎ ኣሎኳ። ኣብዚ እንታይ ክትገብር ከምዘሎካ ተመልከት።
ምሳኻ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮ ሰብ ብኮቪድ-19 ምስ ዝልከፍ፡ንዝረኣየካ ምልክታት ብጥንቃቐ ክትከታተሎ ኣሎኳ፡ኣብ ርእሰኡ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ርክብካ ምስ ውሑዳት ሰባት ክኸውን ኣሎዎ። ምስ ኮቪድ-19 ዘለዎ ሰብ ትነብር እንተድኣ ኰንካ ክትክተሎም ግድን ዝኾኑ ጥንቃቔታት ኣሎዉ።