Besök 1177.se, logga in för personliga e-tjänster eller ring 1177 för sjukvårdsrådgivning.
ኮቪድ-19 ሓደ ተላባዒ ሕማም እዩ። ክታበት ብብርቱዕ ንኸይትሓምም ወይ በዚ ሕማም ንኸይትመውት ተወግደሉ ኣዚዩ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ።
መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ኮቪድ-19 ምልክት ሕማም እንተ ገይርሎም መርመራ ምግዳፍ ኣየድልዮምን እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ግን ክገብርዎ የድልዮም እዩ። እዚ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ወይ ሓልዮት ኣረጋውያን ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን ትነብር ወይ ዘቤታዊ ኣገልግሎት እንተ ኣሎካ ዀይኑ ይምልከተካ እዩ።
ኮቪድ-19 ብሰንኪ ቫይረስ ዝስዕብ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ኮቪድ-19 ዝሕዞም ሰባት፡ ከም ጕንፋዕ ክሕዘካ ከሎ ትሓሞ ይሓሙ። ገሊኦም ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝሓሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክሕከሙ የድልዮም እዩ።
ንዓኻ ሕማም ኮቪድ-19 ሒዙካ ዘሎ ዝምልከት ምኽሪ እንሆ። እዚ ምኽሪ ነዓኻ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዘየድልየካ ኣብ ገዛ ክትከውን ትኽእል ዝምልከት እዩ። ሕማምካ እንተ ገዲዱካ ምስ ሕክምና ርክብ ግበር።
ሕጂ 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕሊን ዝኾንኩም፡ ካልኣይ ክታበት ካብ ትወስዱ ብውሑዱ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እንተሕሊፍኩም፡ ንዶዝ 3 ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። ዶዝ 2ን ንኽትወስድ ቆጸራ ግበር ። ዝርዝር ናይ ኣሃዱታት ክታበትን ማእከላት ጥዕናን/ማእከላት ጥዕና ኣብ ታሕቲ ተመልከት። እቲ ዝሰማምዓካ ኣሃዱ ንዓኻ ምረጽ። ቆጸራ ንኽትገብር ኢ-መለለዪ ኣየድልየካን እዩ።