መምርሕታትን መሰላትን

ንኣካለ-ስንኩላን ዘድሊ መጋበርያን ደገፍ ማሕበረሰብን

Hjälpmedel och samhällsstöd vid funktionshinder - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

Läs texten på svenska här

ምምሕዳር ወረዳዊ ባይቶ: ኣካልዊ ስንክልና ዘለዎም ውልቀሰባት ብዝተኻእለ መጠን እቲ ዘድልዮም ተሃድሶ ረኺቦም ከም ዜጋታት መዓልታዊ መነባብሮኦም: መሰላቶምን ግቡኣቶም ባዕላቶም ከሳልጡ ሓላፍነት ይስከም። ምምሕዳር ኣውራጃዊ ባይቶ: ብቐንዱ ኣብ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ክንክን ሓላፍነት ይወስድ።

ኣብ ተሃድሶ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና መዓልታዊ መነባብሮ ዘቃልሉን: ርእስኻ ናይ ምኽኣል ዓቕሚ ክብ ዘብሉን መጋበርያን ናይ ምፍታን ዕድል’ውን ኣሎ።

እቲ ኮሙን ኣብ ትምህርቲ: ኣብ ምምችቻእ ገዛ: ኣብ ማሕበራዊ ክንክን ኣረጋውያንን ምግዱራትን ከምኡ’ውን ኣብ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ብደረጃ ሓኪም ኣብ ፍሉያት ቅርጽታት መነባብሮ ሓላፍነት ይወስድ። ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኣብነት ንጥሮታን መተካእታ ደሞዝ ሕማምን ዚምልከት ሓላፍነት ይስከም።

ውልቃዊ መደብ ተሃድሶን መደብ ምውህሃድን

ስሕት ኢለን ትካላት መንግስቲ: ነቶም ወጢነን ኣብ ግብሪ ዘውዕሎኦም መደባት ንምዕዋት ምስ ሕድሕደን ምትሕብባር የድልየን’ዩ። እዚ ንኣብነት ኣብ መንጎ ክፍሊ ተሃድሶ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕናን ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኮሙን ወይ ቤት ትምህርቲ: ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ወይ ቤ/ጽ መራኸብቲ ስራሕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ሓያለ ትካላት መንግስቲ ኣብ’ቲ ጕዳይ ኢደን ዘእትዋ እንተደኣ ኾይነን: ንዅሉ’ቲ ዘሎ ንጥፈት ዚኣሊ መደብ ምውህሃድን ኣወሃሃድን ክትረክብ መሰል ኣለካ። እቲ መደብ ምስ’ቲ ዚምልከቶ ውልቀሰብ ወይ ንሱ ዘይክእል እንተ ኾይኑ ኸኣ ምስ መቕርቡ ብምትሕብባር ይዳሎ።

ኤል.ኤስ.ኤስ (LSS) – ሕጊ መሰል

ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገለ-ገለ ኣካለ-ስንኩላት” (Lagen om stöd och service till vissa funktionshindrade, LSS) ሕጊ መሰል’ዩ: ብህጊ መሰል ዚሓልፉ ውሳነታት ይግባይ ተባሂልዎም ብቤት ፍርዲ ዳግማይ ኪረኣዩ ይኽእሉ’ዮም።

ብዓል-መዚ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና: ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና: ኣብ ተሃድሶን መሳርሕታትን መሰረታዊ ሓላፍነት ይስከም። ንስኻ ባዕልኻ ወይ ወካሊኻ ኢኹም ግድን ደገፍ ብመሰረት ሕጊ ኤል.ኤስ.ኤስ (LSS) እትሓቱ። ናይ’ዚ ዕላማ እቲ ውልቀሰብ ርእሱ ኪኢሉ ምስ ምግደራኡ ብጽቡቕ ምእንቲ ኪነብር’ዩ።

ኮሚቴ ምግደራን ተሃድሶን ምምሕዳር ኣውራጃዊ ባይቶ ብመሰረት ሕጊ ኤል.ኤስ.ኤስ (LSS) ፍሉይ ደገፍ ኣብ ምቕራብን ምውሳንን ሓላፍነት ይስከም። ብመሰረት ሕጊ ኤል.ኤስ.ኤስ (LSS) ደገፍ እንተ ተዋሂቡካ: ውልቃዊ መደብ ኪዳለወልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። 

ንመን ትውከስ?

ኣብ ዚበዝሓ ኮሙናትን ምምሕዳራት ኣውራጃዊ ባይቶን ፍሉያት ፈጸምቲ ጕዳያት ኤል.ኤስ.ኤስ (LSS) ኣለዉ። ኣብ ምምሕዳር ኣውራጃዊ ባይቶ ቬስተርቦተን ፈጻሚት ንጕዳይ ኤል.ኤስ.ኤስ (LSS) ዚምልከቱ ሕቶታት:- 090-785 71 31  

To the top of the page