ጥንሲ

ትምባኾን ጥንስን

Tobak och graviditet - tigrinska

ነፍሰ-ጾር ከለኺ ትምባኾ ትጥቀሚ እንተ ዄንኪ ጎዳኢ እዩ። እቲ ኣብ ከብድኺ ዘሎ ህጻን ካብቲ ትምባኾ ሓደገኛታት ባእታታት ኣብ ነብሱ ይኣትዉ እዮም። ስለዚ ነፍሰ-ጾር ከለኺ ትምባኾ ኣይትጠቀሚ። ንሙቁራጽ ከቢድ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኪ፡ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ትምባኾ ንኣብነት ኣብ ሽጋራ ኣሎ።

Du kan läsa texten på svenska här.

ጥንሲ ንምሓዝ ትፍትኒ ዘለኺ ምስ እትኾኒ’ውን ትምባኾ ኣይትጠቀሚ።
ትምባኾ ጥንሲ ንምሓዝ ዝኸበደ ክገብሮ ይኽእል እዩ።

ባዕለይ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ኵሉ ሰብ ትምባኾ ምጥቃም ከቋርጽ ይኽእል እዩ። እቲ ዘገድስ ካብ ናትኪ ድልየት ዝተበገሰ ምስ ዝኸውን እዩ።

እቲ ባህጊ ናይ ትምባኾ ምጥቃም መብዛሕትኡ ግዜ ንቑሩብ ደቓይቕ ጥራይ ከም ዝጸንሕ ዘክሪ።

መብዛሕትኡ ግዜ ነፍሰ-ጾር ከለኺ ምቍራጹ ዝቐለለ እዩ። ጥዕና ናይ’ቲ ቆልዓ ብዝተኻእለ መጠን ምእንቲ ጽቡቕ ክኸዉን ከተባብዓኪ ይኽእል እዩ።

እቲ ጥንሲ እውን ባዕሉ ትምባኾ ንምጥቃም ከም ዘይትብህጊ ክገብር ይኽእል እዩ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምባኾ

ንኣብነት ሽጋራ፡ ሺሻ፡ ኤልክትሮኒካዊ-ሽጋራን ኣብ ትሕቲ ከንፈር ዝኣቱ ትምባኾን(snus)። እዚኣቶም ኵሎም ትሕዝቶ ናይ ከም ኒኮቲን ዝኣመሰሉ ሓደገኛ ባእታታት ኣለዎም።

ኒኮቲን ዘይብሉ ኤለክትሮኒካዊ-ሽጋራ ምግዛእ ይከኣል እዩ። ይኵን’ምበር ኣብ ኤልክትሮኒካዊ-ሽጋራ ካልኦት ሓደገኛታት ክኾኑ ዝኽሉ ባእታታት ኣለዉ። ስለዚ ነፍሰ-ጾር ከለኺ ኤለክትሮኒካዊ-ሽጋራ እውን ከተወግዲ ኣለኪ።

ኣብ ኣካላት እንታይ እዩ ዘጋጥም?

ትምባኾ ትሕዝቶ ናይ ሓደገኛታት ባእታታት ኣለዎ።

ትምባኾ ክትጥቀም ከለኺ ሓደገኛታት ባእታታት ናብ ደምኪ ይኣትዉ።
ደምኪ ናብ መዳሕንቲ ይኣቱ እዩ። እቶም ሓደገኛታት ባእታ ካብ መዳሕንቲ ናብቲ ቈልዓ ይኣትዉ እዮም።

ትምባኾ ብኸምዚ ዝስዕብ ክጸልወኪ ይኽእል፦

ነፍሰ-ጾር ከለኺ ትምባኾ ምስ ትጥቀሚ እዚ ዝስዕብ ከጋጥም ይኽእል፦

  • ጥንሲ ንኽኸይድ ዘሎ ተኽእሎ ክዓቢ ይኽእል።
  • እቲ ህጻን ከም ዝግብኦ ኣይዓብን።
  • መዳሕንቲ ቅድሚ ግዚኣ ካብ ቦትኣ ክትለቅቅ ትኽእል።
  • ሕርሲ ቅድሚ ግዚኡ ክጅምር ይኽእል።

ትምባኾ እቲ ህጻን ኣብ ከብዲ ከሎ ወይ እቲ ህጻን ድሕሪ ምውላዱ ኣብ ዘለዋ ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኽመውት ዘለ ሓደጋ ከም ዝዓቢ ክገብሮ ይኽእል እዩ።

ንቕድሚት ሕሰቢ

ኣብ እዋን ጥንስኺ ትምባኾ ስለ ዝተጠቀምኪ ሕማቕ ይስምዓኪ ይህሉ። ከሕፍረካን ጣዕሳ ክስምዓካን ንቡር እዩ።

እቲ ዘገድስ ግን ነቲ ህጻን ንትምባኾ ብዝያዳ ዘይምቅልዑ እዩ።
ካብ ሕጂ ጀሚሩ ብዝተኻእለ ምጠን ከመይ ገይሩ ጽቡቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ሕሰቢ።

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ትምባኾ ምጥቃም ንምቍራጽ ሓገዝ ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ ናብ ሕክምና ኪዲ።  

ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ፦

  • ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ-ጾራትን ሓራሳትን
  • ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዄንኪ ኣስተርጓሚ ናይ ምርካብ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ቆጸራ ክትሕዚ እንከለኺ፡ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።

ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደዊልኪ ምኽሪ ርኸቢ

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኺ ምኽሪ ምስ ትደልዪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ።

እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቍጽሪ ተለፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ።

ፍወሳ

ኒኮቲን ዘለዎ ማስቲካ ወይ ፕላስተር ኣሎ። እዚኦም ነቲ ባህጊ ናይ ትምባኾ ከም ዝቕንስ ይገብርዎ። ግን እዚኦም መድሃኒታት ነቲ ህጻን ጎዳእቲ እዮም።

ነፍሰ-ጾር ከለኺ ወይ ኣብ ተጥብሉ እዋን ኒኮቲን ዘለዎ መድሃኒት ክትጥቀሚ እንተ ኣድልዩኪ ምስ ሓደ ሓኪም ተዘራረቢ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page