ጥንሲ

ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸንን ቃንዛ ሕርሲን

Sammandragningar och värkar - tigrinska

ማህጸን ጭዋዳ እያ። ማህጸን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን ጥንሲ ትውጠር እያ። እዚ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ እዋን ሕርሲ እውን ማህጸን ትውጠር እያ። እዚ ቃንዛ ሕርሲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ከምዚ ኮይኑ ይስምዓኪ

ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ክገብረልኪ እንከሎ ከብድኺ ተሪር ይኸውን። ደስ ዘይብል ስምዒት ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር መብዛሕትኡ ግዜ ኣየቐንዙን እዩ።

እቲ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ናይ ማህጸን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘይስሩዕ ፍንታተ-ግዜ እዩ ዝመጽእ።ገለ ነገር ክትገብሪ ከለኺ ወይ ክትጽዕሪ ከ`ለኺ ክመጽእ ይኽእል። ንኣብነት ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልኪ ብእግርኺ ኣብ ትንቀሳቐስሉ ወይ ገለ ነገር ኣብ እተልዕልሉ።

ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ክገብረልኪ ልሙድ እዩ

እቲ ምዝርጋሕን ምጭባጥን ናይ ማህጸን መብዛሕትኡ ግዜ ከተዕርፊ ወይ ክትዛነዪ ከለኺ ይገድፈኪ እዩ።

ካብ ፍርቂ እዋን ጥንሲ ክሳብ ሕርሲ ዘሎ እዋን ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ክገብረልኪ ልሙድ እዩ።

ቃንዛ ሕርሲ ከምዚ ኮይኑ ይስምዓኪ

ኣካላት ንሕርሲ ድሉው ክኸውን ኣብ ዝጅምረሉ፡ ቃንዛ ሕርሲ ክገብረልኪ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ቃንዛ ሕርሲ ዝያዳ ቃንዛ ይገብር። ቃንዛ ሕርሲ ኣብ ስሩዕ ፍንታተ-ግዜ ይመጽእ።

ኣብ እዋን ሕርሲ እቲ ቃንዛ ሕርሲ እና ሓየለን በርተዓን ይመጽእ።
ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብድኺ ጸቕጢ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ። ኣብ ሕቘኺ እውን ቃንዛ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዝስዕብ ምስ ኣጋጠመ ናብ ክፍሊ መወልዳን እትኸድሉ ግዜ እዩ

እቲ ቃንዛ ሕርሲ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ደቓይቕ ዝኸውን ፍልልይ ምስ ዝህልዎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ መወልዳን ትኸድሉ ግዜ እዩ።  

ሓገዝ ከም ዘድልየኪ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑኪ ቅድሚኡ’ውን ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ናብቲ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ መወልዳን ቅድሚ ምኻድኪ ኵሉ ግዜ ናብኡ ተሌፎን ደውሊ።

ኣብዚ ብዛዕባ ናብቲ ናይ ሆስፒታልን ክፍሊ መወልዳንን ንምኻድ ምዓስ ግዚኡ ምዃኑ ብዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ 

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ጥራይ ምስ ዝገብረልኪ ናብ ሕክምና ምኻድ ኣየድልየክን እዩ።

ኣብ መንጎ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸንን ቃንዛ ሕርስን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጡ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተ ተሻቒልኪ ወይ ርግጸኛ ዘይኴንኪ፡ ምስ ሓንቲ ኣብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ትሰርሕ መሕረሲት (barnmorska) ርክብ ግበሪ።

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዄንኪ ኣስተርጓሚ ናይ ምርካብ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ቆጸራ ክትሕዚ እንከለኺ፡ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።

ህጹጽ ምስ ዝኸውን

እዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪ ምስ ክንክን ጥዕና ርክብ ንምግባር ብዝያዳ ህጹጹ ክከውን ይኽእል እዩ፦

  • ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን እና ገበረልኪ ምስኡ’ውን ብርሕሚ ደም ወይ ማንታ ርእሲ ምስ ዝፈስስ። ሽዑ ቃንዛ ሕርሲ ገይሩልኪ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ምስ ሓንቲ ክብዘን ዝስዕባ ክሊኒካት ርክብ ግበሪ፦

  • ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ ጥንሲ ምስ ዘጋጥም፡ ምስ ሓደ ክፍሊ ህጹጹ ረድኤት።
  • ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ጥንሲ ምስ ዘጋጥም፡ ምስ ሓደ ክፍሊ መወልዳን።

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ

 ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ።

እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ።

መርመራታት

ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ወይ ቃንዛ ሕርሲ ምስ ዝህልወኪ፡ እታ መሕረሲት ብኣልትራሳውንድ ክትምርምረኪ ከድልያ ይኽእል እዩ።

ናይ ሽንቲ መርመራ እውን ምግዳፍ ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

ፍወሳ

ቅድሚ ሕርሲ ግዚኡ ምእካሉ ቃንዛ ሕርሲ ምስ ዝገብረልኪ፡ መድሃኒት ምውሳድ ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

ባዕለይ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ክስምዓኪ ከሎ ዝኾነ ፍሉይ ነገር ምግባር ኣየድልየክን እዩ። ይኹን’ምበር እዚ ዝስዕብ ጽቡቕ ከም ዝስምዓኪ ክገብር ይኽእል እዩ፦

  • ብውዑይ ማይ ነብስኺ ኣብ ጋብላ (ባስካ) ወይ ብመዝነቢ (ሻወር) ክትሕጸቢ ትኽእሊ። 
  • ከተዕርፍን ክትዛነይን ትኽእሊ።
  • ፈኩስ ምድራዝ (ማሳጅ) ንኽትዛነዪ ክሕግዘኪ ይኽእል እዩ።
  • ዝተፈላለየ ኣቋውማ ናይ ኣካላት ክትፍትኒ ትኽእሊ ኢኺ።

ቃንዛ ሕርሲ ክገብረልኪ እንከሎ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ክሕግዘክን ነቲ ቃንዛ ከህድኦን ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ብዛዕባ መህድእ ቃንዛ ኣብ እዋን ሕርሲ förlossningen.ብዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page