ናብሕክምናምኻድ

ክንክን ሕማም፡ ሓታት ዑቕባ ምስ እትኸውን ወይ ኣብ ሽወደን ንኽትህሉ ፍቓድ ምስ ዘይህልወካ

Vård om du är asylsökande eller inte har tillstånd att vara i Sverige - tigrinska

ንስኻ በጽሒ ዝኾንካን ዑቕባ ትሓትት ዘለኻን፡ ነቲ ክጸንሕ ዘይክእል ክንክን ሕማምን ክንክን ሕማም ስኒን ሕክምና ክትረኽበሉ መሰል ኣለካ። እዚ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ብዘይ መንበሪ ፍቓድ እትነብር እውን ይምልከተካ እዩ። ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾንካ፡ ኵሉ ግዜ ክንክን ሕማምን ክንክን ሕማም ስኒን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ።

Person som får sitt örat undersökt av sjuksköterska.
ሓታት ዕቕባ ወይ ኣብ ሽወደን ንኽትቕመጥ ፍቓድ ዘይብልካ ምስ እትኸውን፡ ክጸንሕ ንዘይክእል ሕማም ክንክን ክትረኽበሉ መሰል ኣለካ።

እቲ ክጸንሕ ዘይክእል ክንክን ሕማም ንኣብነት መስበርቲ ዓጽሚ ምስ ዘጋጥመካ እሞ ብምጽጋኑ ኣድላዪ ምስ ዝኸውንን ክኸውን ይኽእል እዩ። 

Läs texten på svenska här.

ከመይ ገይረ ናብ ሕክምና እኸይድ?

ንዓኻ ኮነ ንዝኾነ ኣባላት ስድራኻ ክንክን ጥዕና ምስ ዘድልየኩም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ማእከል ክንክን ጥዕና ንኣብነት ሄልሶሰንትራል (hälsocentral)፡ ሁስሌካርሙታግኒን (husläkarmottagning) ወይ ፋሚልየሌካርሙታግኒን (familjeläkarmottagning) ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።

ሕክምና ኣበይ ከም ትረክብ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ

ሕክምና ኣበይ ከም ትረክብ ርግጸኛ እንተ ዘይዄንካ ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብሽወደንኛ ወይ እንግሊዝኛ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።  

እተን ዝምልሳልካ ኣለይቲ ሕሙማት ጥዕናኻ ንኽምሓየሽ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ምኽሪ ክህባኻ እውን ይኽእላ እየን።

ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ክንክን ጥዕና ከምይ ምዃኑ ብዝያዳ ኣንብብ። 

LMA-ካርድ ሓታት ዑቕባ እንተ ዄንካ

ዑቕባ ክትሓትት ከለኻ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን (Migrationsverket) ሓደ ፍሉይ ካርድ ይወሃበካ። እዚ LMA-ካርድ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናብ ሕክምና ክትከይድ ከለኻ ነዚ ካርድ ከተርእዮም ኣለካ። 

ቈልዑ’ውን ዑቕባ ክሓቱ ከለዉ LMA-ካርድ ይወሃቦም እዩ።  

ክንክን ጥዕና ክንደይ እዩ ዝኽፈሎ?

ቈልዑ ክሳብ 18 ዓመት ዝመልኡ ንክንክን ጥዕና ዝኸፍልዎ ነገር የለን። እዚ ነቶም ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ ወይ ኣብ ሽወደን ንኽህልዉ ፍቓድ ዘይብሎም ቈልዑ ንኽልቲም ይምልከቶም እዩ። ቈልዑ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምኽፋል ከድልዮም ይኽእል እዩ።

ዓበይቲ ንኽንክን ጥዕና ይኸፍሉ እዮም 

ንስኻ 18 ዓመት ዝመላእካ መብዛሕትኡ ግዜ ንኽንክን ሕማምን ክንክን ሕማም ስኒን ሓደ ክፍሊት ትኸፍል ኢኻ።  

ኣብነታት ናይ ዝኽፈሎ ክንክን ጥዕና 

  • ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ብሓኪም ምርኣይ እንተ በዝሓ 50 ክሮና ይኽፈሎ። 
  • ምብጻሕ ናብ ሓደ ሓኪም ስኒ 50 ክሮና ይኽፈሎ። ክጸንሕ ንዘይክእል ክንክን ስኒ ይምልከት። 
  • ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒት እንተ በዝሓ 50 ክሮና ይኽፈሎ። ይኹን’ምበር ንሓደ ሓደ መድሃኒት ምሉእ ዋጋ ምኽፋል የድልየካ እዩ፡ ንኣብነት ናይ ስዓል መድሃኒት። 

ኣብነታት ናይ ዘይክፈሎ ክንክን ጥዕና 

  • ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ-ጾራትን ሓራሳትን። 
  • ክንክን ሕርሲ። 
  • ምብጻሕ ናብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ 

ካብ ክፍሊት ናጻ መርመራ ጥዕና ንዓበይትን ቈልዑን

ኵሎም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሕቱ ዓበይቲ ይኹኑ ቈልዑ ናይ ጥዕና መርመራ ንኽገብሩ ይዕደሙ እዮም። እዚ መርመራ ኣይክፈሎን እዩ። 

ንስኻ ብዘይ ፍቓድ ኣብ ሽወደን ዘለኻ ናብ ሕክምና ክትከይድ ከለኻ ናይ ጥዕና መርመራ ንኽትገብር ዕድል ይወሃበካ። ነቲ መርመራ ትኸፍሎ ነገር የለን።  

ብቋንቋኻ ሓገዝ ንኽትረክብ ኣስተርጓሚ ንኽግበረልካ ሕተት

ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ ኣስተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣስተርጓሚ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ። ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ንኽግበረልካ ንስኻ ትኸፍሎ ነገር የለን። ብቛንቋኻ ሓገዝ ንምርካብ ቅድሚ ምኻድካ ምስ ሕክምና ብምርኻብ ሓብር። 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page