ምኽሪ ኮቪድ-19 ንዘለካ
Råd till dig som har covid-19 - tigrinskaንዓኻ ሕማም ኮቪድ-19 ሒዙካ ዘሎ ዝምልከት ምኽሪ እንሆ። እዚ ምኽሪ ነዓኻ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዘየድልየካ ኣብ ገዛ ክትከውን ትኽእል ዝምልከት እዩ። ሕማምካ እንተ ገዲዱካ ምስ ሕክምና ርክብ ግበር።
ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ እንታይ ከም ዘገልግል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።
ብዙሕ ስተ
ብፍላይ ረስኒ እንተ ኣልዩካ ወይ የስዕለካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ብዙሕ ፈሳሲ ክትሰቲ ኣገዳሲ እዩ።
ጐረሮኻ የቐዝወካ እንተ ኣልዩ ገለ ውዑይ ወይ ዝሑል ነገር እንተ ሰቲካ ከህድኣልካ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ማይ፡ ሻሂ፡ መረቕ ዳዶ ወይ መረቕ ስተ።
ጀላቶ፡ ሌካሌካ በረድ ወይ ርግኦ እውን ክትበልዕ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ትሕቲ ርእስኻ ተወሳኺ መተርኣስ ግበር
ርእስኻ ክብ ኣቢልካ ክትድቅስ እንተ ኽኢልካ ጽቡቕ እዩ። ብዙሕ ትስዕል እንተ ኣለኻ ዄንካ ይሕግዘካ እዩ።
ክትድቅስ ከለኻ ተወሳኺ መተርኣስ ኣብ ትሕቲ ርእስኻ እንተ ገበርካ ጽቡቕ እዩ።
መደቀስቂ ክፍልኻ ኣዝሕል ኣብሎ
ክትድቅስ ከለኻ እቲ መደቀሲ ክፍልኻ ዝሕል ዝበለ እንተ ኾይኑ ባህ ክብለካ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ኣብቲ መሞቒ ነቲ ሙቐት ከተጕድሎ ወይ መስኮት ክትከፍት ትኽእል ኢኻ።
ክትንቀሳቐስ ፈትን
እንተ ሓሚምካ ከተዕርፍ የድልየካ እዩ። ንነዊሕ ግዜ ከይተንቀሳቐስካ ስቕ ምባል ግን ጽቡቕ ኣይኮነን።
ንመዓልቲ ሒደት ግዜ ክትንቀሳቐስ ፈትን።
ኣብነታት ናይ እንታይ ክትገብር ክትፍትን ከም ትኽእል እንሆ፡
- ኣእጋርካን መራግጾ እግርኻን ኣንቀሳቕሶም።
- ሓደ ሓደ ግዜ ካብቲ ሓደ ጎኒ ናብቲ ሓደ ተገላበጥ።
- ሓሓሊፍካ ትኽ ኢልካ ኮፍ በል ወይ ጠጠው በል
ምስ ሓሸካ ናብ ደገ ወጺእካ ክትንቀሳቐስ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ኣይትግበር።
ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዝግዛእ መድሃኒት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ
ብርቱዕ ረስኒ እንተ ኣልዩካ ፓራሰታሞል ዘለዎ መድሃኒት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። እዚ መድሃኒት ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ክግዛእ ይክኣል እዩ።
ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ፓራሰታሞል ዘለዎ መድሃኒት ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቈልዓ ትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ እንተ ኾይኑ ፈለማ ንሓኪም ምሕታት ከድልየካ እዩ።
ኣብ ጐረሮኻ ቃንዛ እንተ ሃልዩካ ዝምጸ ከኒና ናይ ጐረሮ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኣፍንጫ ዝንጸግ መድሃኒት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ
ኣፍንጫኻ እንተ ተዓቢስካ ኣብ ኣፍንጫ ዝነጥብ ወይ ኣብ ኣፍንጫ ዝንጸግ መድሃኒት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዝግዝኡ ትሕዝቶ ናይ ጨው ሕቃቕ ዘለዎም ኣብ ኣፍንጫ ዝነጥቡን ኣብ ኣፍንጫ ዝንጸጉን መድሃኒት ኣለዉ።
ከምኡ’ውን ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዝግዝኡ ኣብ ኣፍንጫ ዝነጥቡን ኣብ ኣፍንጫ ዝንጸጉን ኣብ ኣፍንጫ ንዘሎ ሕበጥ ዘፍኵሱ መድሃኒት ኣለዉ። ከምዚኦም ዓይነት ኣብ ኣፍንጫ ዝነጥቡን ኣብ ኣፍንጫ ዝንጸጉን መድሃኒት እንተ ነውሐ ንዓሰርተ መዓልታት ጥራይ ክትጥቀመሎም ኣለካ።
ሽጋራ ምትካኽ ኣወግድ
ሽጋራ ካብ ምትካኽ ክትቁጠብ ወይ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘትኽኽሉ ንኸይትህሉ ፈትን። እቲ ትኺ ነቲ ምስዓል የግድዶ እዩ።
ኣብ ገዛ ምጽናሕ ንዘድልየካ
ኣብ ገዛኻ ኮፍ ምባል ጽምዋ ከም ዝስምዓካ ክገብር ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ምስቶም ክራኸብዎም ዘዘውትሩ ሰባት ዘይምርኻቦም ይኸብዶም እዩ።
ግን ምስ ፈተውትኻን ስድራ ቤትካን ክትራኸብ ፈትን። ንኣብነት ተሌፎን ክትደዋወሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ንነገራት ከም ልሙድ ኣብ ስዓቶም ክትገብሮም ክትፍትን ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ትገብሮ ኣብ ስዓትካ ተንሲእካ ቁርሲ ክትበልዕ ትኽእል ኢኻ።
ደገፍ ንዘድልየካ
እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ንምፍላጥ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውል። እተን ተሌፎን ዝምልሳልካ፡ ነርስ እየን። እንተ ገዲዱካ ኣበይ ሕክምና ከም ትሓትት እውን ክሕግዛኻ ይኽእላ እየን።
እተን ነርስ ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን።
ካብ ሓንቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ቍጽሪ ዘለዋ ተሌፎን እንተ ዄንካ ትድውል ዘለኻ፡ ናብ +46 771-11 77 00 ደውል።