Undersökningar och prover - ምርመራታት/ቅምሶታት

ቫይረስ ፓፒሎም( HPV) ኣለክን የብልክንን ንምፍላጥ ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ተመርመሪ

Testa dig för HPV-virus i Sörmland - tigrinskaThe content concerns Sörmland

ካብ 23 ክሳብ 70 ዝዓመታ ጓለንስተይቲ ዲኺ? ነዚ ምርመራ ኣብ ገዛኺ ኮይንኪ ኢኺ ትወስድዮ። እዚ ምርመራ ዘድሊ ቫይረስ HPV ዘለኪ እንተኾይኑ ንምፍላጥ እዩ። ቫይረስ HPV ሕማም መንሽሮ(ካንሰር) ከኸትል ይኽእል።

ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ መዋልዳን ናሙና ናይ ዋህዮኺ ወሲዳትልኪ ነይራ። ሕጂ ግን ኩለን ነበርቲ ዞባ ሰርምላንድ ዝኾና  ደቀንስትዮ ነቲ ምርመራ ባዕለን ክወስደኦ ይኽእላ እየን።

ነዚ ምርመራ ባዕልኺ ኣብ ገዛኺ ኮይንኪ ትወስድዮ። ድሕሪኡ ውጽኢቱ ንምፍላጥ  ነቲ ዝወሰድክዮ ምርመራ ብቡስጣ ትልእኽዮ።

ቫይረስ HPV እንታይ እዩ?

ቫይረስ HPV ሓደ ዝውቱር ዝኾነ ቫይረስ እዩ። HPV ኣሕጽሮት ቃል ናይ ሁማን ፓፒሎማ ቫይረስ እዩ።

እዚ ቫይረስ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ንኣብነት ብጾታዊ ርክብ ይመሓላለፍ።

እዚ ቫይረስ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክሳድ ማህጸን ዝርከቡ ዋህዮታት ለውጢ ይፈጥር። እዚ ዝፍጠር ለውጢ ናብ ሕማም መንሽሮ ከምርሕ ይኽእል። 

ብመሰረቱ ቫይረስ HPV ከም ዘለካ ምልክታት ስለ ዘየርእይ፡ ኣለኪ እንተኾይኑ ክትፈልጢ ኣይትኽእልን። ስለ’ዚ እዩ እዋን ምርምራ ክኸውን ከሎ ኲሉ ግዜ ነዚ ምርመራ ክትወስድዮ ኣዝዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ።

ነዚ ምርመራ ባዕልኺ ከትወስድዮ ኣገዳሲ እዩ

ነዚ ምርመራ ምስ ትወስድዮ ቫይረስ HPV ኣለክን የብልክን ክትፈልጢ ትኽእሊ። ቫይረስ HPV ከሎ ጌና ብምርመራ ክልለይ ጽቡቕ እዩ። ነቲ ቫይረስ ብቐሊሉ ክትኣልዮ ስለ ትኽእል። ስለ’ዚ ኲሉ ግዜ ባዕልኺ ትወስድዮ መመርመሪ ኣብ ገዛ ምስ ዝለኣኸልኪ፡ ነቲ ምርመራ ውሰድዮ።

ወላ’ኳ ክታበት ቫይረስ HPV ወሲድኪ እንተ ነበርኪ፡ ነዚ ምርመራ ውሰድዮ። እቲ ክታበት ምሉእ ብምሉእ ካብ ቫይረስ HPV ክከላኸል ኣይክእልን እዩ።

እቲ ኣብ ገዛ ዝግበር ምርመራ ነጻ እዩ። ክትወስድዮን ከይትወስድዮን ትውስኒ ባዕልኺ ኢኺ።

ኣብ ገሊኡ ኲነታት፡ ነዚ ምርመራ ምውሳድ ኣየድልን እዩ

ቅድሚ ሕጂ ብዂሉ ማህጸንክን ሻምብቆ ማህጸንክን ብመብጣሕቲ ተኣልዩ እንተኾይኑ ነዚ ምርመራ ምውሳድ ኣየድልን እዩ። ከም’ዚ ዓይነት መብጣሕቲ ሂስቴረክቶሚ ይበሃል።

ስለ’ዚ ሂስቴረክቶሚ ገይርኪ እንተ ነይርኪ ነቲ ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ዘሎ ጻውዒት ዝልእኽ ክፍሊ ምውሳድ ምርመራ ማህጸን ተወከስዮ።

ነዚ ምርመራ መዓስ እወስዶ?

  • ዕድሜኺ ካብ 23 ክሳብ 49 ዓመት ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ እቲ መመርመሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ይወሃበኪ።
  • ዕድሜኺ ካብ 50 ክሳብ 70 ዓመት ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ እቲ መመርመሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመት ይወሃበኪ።

እታ መወዳእታ ትወሃበኪ መመርመሪት ዕድሜኺ ካብ 64 ክሳብ 70 ኣብ ዝኾነሉ እዋን እዩ።

ውልቃዊ ሓበሬታኺ ስዉር እንተኾይኑ

ውልቃዊ ሓበሬታኺ ብምስጢር ዝተታሕዘ ስዉር ድዩ? ከምኡ እንተ ኾይኑ ነቲ ምርመራ ባዕልኺ ኢኺ ትእዝዝዮ።

ነቲ ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ዘሎ ጻውዒት ዝልእኽ ክፍሊ ምውሳድ ምርመራ ማህጸን ተወከስዮ።

ድሕሪኡ እቲ መመርመሪ በዓል-መዚ ግብሪ(Skatteverket) ይልእኸልኪ።

ነቲ ምርመራ ኣብ ገዛ ወሲድኪ ምስ ለኣኽክዮ፡ መልሲ ናይ’ቲ ምርመራ በዓል-መዚ ግብሪ ይልእኸልኪ።

ቊጽሪ መንነትኪ ናብ ናይ ወዲተባዕታይ ቊጽሪ መንነት ዝተቐየረ ምስ ዝኸውን

ቊጽሪ መንነትኪ ናብ ናይ ወዲተባዕታይ ቊጽሪ መንነት ምስ ዝቕየር፡ እቲ መመርመሪ ባዕሉ(ኣውቶማቲካሊ) ኣይለኣኸልክን እዩ።

እቲ ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ዘሎ ጻውዒት ዝልእኽ ክፍሊ ምውሳድ ምርመራ ማህጸን ነቲ መመርመሪ ንኽልእኸልኪ ባዕልኺ ተወከስዮ።

እቲ መመርመሪ ምስ ዘይመጸኪ

እቲ ክመጸኪ ዝግበኦ መመርመሪ ኣይመጸክን’ዩ? ወይ መዓስ ከም ዝመጸኪ ክትፈልጢ ትደልዩ? ነቲ ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ዘሎ ጻውዒት ዝልእኽ ክፍሊ ምውሳድ ምርመራ ማህጸን ተወከስዮ።

ብኸምዚ ይካየድ

እቲ መመርመሪ ብቡስጣ ይመጸኪ።

ኣብ ድሮ ምርመራ ወይ ምርመራ ኣብ ትወስድላ መዓልቲ ኣብ ርሕምኺ ትወስድዮ መድሃኒት እንተለኪ ቅድሚ ነቲ ምርመራ ምውሳድኪ፡ ነቲ መድሃኒት ኣይትውሰድዮ።

ኣብ እዋን ጽግያ ዲኺ ትርከቢ ዘለኺ? ከምኡ እንተ ኾይኑ እቲ መድመይቲ ጽግያ ክሳብ ዘብቅዕ ነቲ ምርመራ ኣይትውሰድዮ።

ነቲ ምርመራ ብኸመይ ትወስድዮ፤

  1. ብቐሊሉ ኣብ ውሽጢ ርሕምኺ ከተእትውሉ ኣብ ትኽእልሉ ኩኒ። ንኣብነት ሓደ እግርኺ ኣብ ልዕሊ መንበር ትሰቕልዮ ወይ ተኾይጥኪ ወይ ተገምሽኺ ኮፍ ትብሊ። 
  2. ነታ ድብዝዝ ዝበለት መሓሳስያ ኣብ ርሕምኺ ተእትውያ።
  3. ነታ መሓሳስያ ኣስታት 5 ሰንቲሜተር(ክሳብ’ታ ቀያሕ ምልክት) ኣብ ርሕምኺ እንተ የእቲኽያ እኹል እዩ።
  4. ነታ መሓሳስያ ንቚሩብ ግዜ ኣብ ውሽጢ ርሕምኺ እናዘዋወርኪ ንርሕምኺ ትሓስዮ።
  5. ምስ መመርመሪ ዝመጽእ መምርሒ ብምኽታል፡ ነቲ ዝወሰድክዮ ምርመራ ወይ ናሙና ትዕሽግዮ።
  6. ድሕሪኡ ነቲ ዝተዓሸገ ናሙና ኣብ’ቲ ናይ መልሲ ቡስጣ ኣቐሚጥኪ ትዕሽግዮ። 
  7. ነቲ ዝዓሸግክዮ ቡስጣ ኣብ ደገ ዝርከብ ናይ ቡስጣ ሳጹን ብምእታው ትልእኽዮ።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሳምንቲ መልሲ ብቡስጣ ክመጸኪ እዩ። መልሲ እንተ ዘይመጺኪ እቲ ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ዘሎ ጻውዒት ዝልእኽ ክፍሊ ምውሳድ ምርመራ ማህጸን ትውከስዮ።

ምርመራ ባዕልኺ ምውሳድ እንተ በርቲዑኪ

ምኽሪ ወይ ሓገዝ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ጸገማት ምስ ዘጋጡሙኺ፤

  • ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ምስ ዝህልወኪ።
  • ድሕሪ ምኽንሻብ ርሕምኺ ዝተሰፈየ ምስ ዝኸውን።
  • ነቲ ምርመራ ምውሳድ ደስ ምስዘይብለኪ።

ኣብ እንዳ መዋልዳን ከይድኪ ነቲ ምርመራ ክትወስድዮ ትኽእሊ ኢኺ። ዝኾነ ሓገዝ እንተ ደሊኺ ነቲ  ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ዘሎ ጻውዒት ዝልእኽ ክፍሊ ምውሳድ ምርመራ ማህጸን ትውከስዮ።

ነፍሰ-ጾር እንተ ኾንኪ

ነፍሰ-ጾር ምስ ትኾኒ ኣብ እንዳ መዋልዳን ከይድኪ ነቲ ምርመራ ውሰድዮ። ወይ ድማ ክሳብ ትሓርሲ ትጽበዪ እሞ ድሕሪኡ ነቲ ምርመራ ትወስድዮ።

ኣብ ከም’ዚ ኲነታት ነቲ ብቡስጣ ዝለኣኸልኪ መመርመሪ ኣይትጠቀምሉ።

ውጽኢት ናይ’ቲ ዝወሰድክዮ ምርመራ

እቲ ምርመራ ቫይረስ HPV ኣለክን የብልክንን የርኢ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሳምንቲ ድማ መልሲ ይመጸኪ።

እቲ መልሲ ምስ ዘይመጸኪ ግን ነቲ ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ዘሎ ጻውዒት ዝልእኽ ክፍሊ ምውሳድ ምርመራ ማህጸን ትሓትዮ።

ኣብ መጻኢ ድማ ዳግማይ ምርመራ ንኽትወስዲ ሓድሽ መመርመሪ ናብ ገዛኺ ይለኣኸልኪ።

ሕቶታት ምስ ዝህልወኪ ወይ ምኽሪ ምስ ዘድልየኪ

ሕቶ ኣለኪ ድዩ ወይ ምኽሪ የድልየኪ ድዩ?

ነቲ ዞባ ሰርምላንድ ዘሎ ጻውዒት ዝልእኽ ክፍሊ ምውሳድ ምርመራ ማህጸን ተወከስዮ።

To the top of the page