ሕርሲ

ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል

Framfall efter att du har fött barn - tigrinska

ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል ክብሃል ከሎ ብኽፍተት ርሕሚ ገለ ነገር ይቕልቀል ማለት እዩ። እቲ ዝቕልቀል ማህጸን ወይ ውሽጣዊ ክፋል ርሕሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘይምቹእነት ክስምዓኪ ይኽእል እዩ፡ ክሕግዘኪ ዝኽእል ሕክምና ግን ኣሎ።

Läs texten på svenska här.

ምኽንያት ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል ድሕሪ ሕርሲ ክፍተት ርሕሚ ስለ ዝዓበየ ክኸውን ይኽእል እዩ 

ከምዚ ዝስዕብ ክስምዓኪ ይኽእል 

እዚ ዝስዕብ ኣብነታት ናይ ጸገማት እዩ፦  

  • ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ዝዘጠጠ ኮይኑ ክስምዓክን ክሕርሕረክን ይኽእል።  
  • እቲ ተቐልቂሉ ዘሎ ክፍሊ ኣካል ክልሕጸጽ ይኽእል። 
  • ሽንቲ ማይ ክትሸኒ ከጸግመኪ ይኽእል። ከምኡ’ውን ብቐሊሉ ሽንቲ ክትውጠጢ ወይ ኣብ ነብስኺ ክትሸኒ ትኽእሊ። 
  • ቀልቀል ምውጻእ ከሸግረኪ ይኽእል። ከምኡ’ውን ቀልቀል ወይ ጥራጥ ክመልቆኪ ይኽእል። 

ዘጋጥመኪ ጸገማት ኣብ እቲ ክፋል ብርሕሚ ተቐልቂሉ ዘሎ እንታይ ምዃኑ ዝተመርኮ በጥ ክትብሊ ከለኺ እቲ ጸገማት ይንኪ እዩ

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?  

ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል ከም ዘለኪ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኪ ምስ ክንክን ጥዕና ርክብ ግበሪ።  
ቀዳመ-ሰንበት ወይ በዓል እንተ ኾይኑ ክሳብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኸውን ክትጽበዪ ትኽእሊ ኢኺ  

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ 

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። 
ቆጸራ ናይ ምብጻሕኪ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ። 

ህጹጽ ምስ ዝኸውን 

ገለ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪ፡ ምስ ሕክምና ርክብ ክትገብሪ ብዝያዳ ህጹጹ ክኸውን ይኽእል እዩ፦ 

  • ሽንቲ ማይ ክትሸኒ ኣዚዩ ከጸግምኪ ከሎ ወይ ጨሪሽኪ ክትሸኒ ምስ ዘይትኽእሊ። 

ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ግበሪ፦ 

ዕጹው ምስ ዝኸውን ወይ ክቕበሉኺ ምስ ዘይክእሉ፡ ንሕክምና ናብ ሓደ ክፍሊ ህጹጹ ረድኤት ኪዲ። 

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ።  

እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።  
 
ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

ባዕለይ እንታይ ክገብር እኽእል? 

እዚ ዝስዕብ ነቲ ጸገማት ከቃልሎ ወይ ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል ናይ ምግጣም ተኽእሎ ክንክዮ ይኽእል፦ 

  • ነቶም ኣብ ብልዕቲ ዘለዉ ጭዋዳታት ልምምድ ብምግባር ኣትርርዮም። እዚ ልምምድ ታሕተዋይ ክፋል ጎሎ ተባሂሉ ይጽዋዕ። 
  • ከቢድ ነገር ምልዓል ኣወግዲ። 

እዚ ዝስዕብ ቀልቀል ንኽትወጺ ከቕልሎ ይኽእሎ እዩ፦ 

  • ብዙሕ ጽሕጎ ዘለዎ መግቢ ብልዒ፡ ከምኡ’ውን ብዙሕ ፈሳሲ ስተዪ። እዚ ነቲ ቀልቀል ልስሉስን ንኽወጽእ ዝቐለለን ክገብሮ ይኽእል እዩ። 
  • ቀልቀል ምውጻእ ከድልየኪ ከሎ ቀልጢፍኪ ናብ ዓይን-ምድሪ ኪዲ። 
  • ኣብ ዓይን-ምድሪ ኮፍ ክትብሊ ከለኺ ኣብ ትሕቲ እግርኺ ዱኳ ግበሪ። እዚ ንመዓንጣ እቲ ቀልቀል ንኸውጽኦ የቕልለሉ እዩ። 
  • ቀልቀል ክትወጺ ክትፍትኒ ከለኺ ንርሕምኺ ብኣጻብዕትኺ እንተ ደገፍክዮ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። 

እዚ ዝስዕብ ሽንቲ ማይ ንኽትሸኒ ከቕልለልኪ ይኽእል፦ 

  • ድሕሪ ምሻንኪ ሓፍ ኢልኪ ንቕድሚት ገጽኪ ክትደኒ ትኽእሊ ኢኺ። ድሕሪኡ ኮፍ ኢልኪ እንደገና ክትሸኒ ፈትኒ። 

መርመራታት 

ሓኪም ንጥዕና ማህጸን ይምርምርን ብኣልትራሳውንድ ይምርምርን። ከምኡ’ውን እቲ ሓኪም ምናልባት ብኣጻብዕቱ መሃንቱስኪ ክምርምረኪ እዩ። 

ናይ ሽንቲ መርመራ ክትገድፊ ክትሕተቲ እውን ትኽእሊ ኢኺ። 

ገሊኤን ተወሳኺ መርመራታት ክገብራ ወይ ካልኦት መርመራታት ክገድፋ ከድልየን ይኽእል እዩ። 

ሕክምና 

ኣብ ርሕምኺ ተእትውዮ ሓደ ፍሉይ ናይ ፕላስቲክ ቀለቤት ክወሃበኪ ይኽእል እዩ። እዚ ቀለቤት ገለ ነገር ከይቅልቀል ዝከላኸል እዩ። ሓንቲ መሕረሲት ነቲ ቀለቤት ኣብ ርሕምኺ ንኸተእትውዮ ክትሕግዘኪ እያ።  

ከቢድ ጸገም ምስ ዝህልወኪ መጥባሕቲ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ። 

ጥንሲ 

ዋላ ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል ይሃልኺ ክትጠንስን ጥንስቲ ክትህልውን ጸገም የብሉን። ክትጠንሲ መደብ ምስ ዝህልወኪ፡ ምስ ሓኪም ወይ መሕረሲት (barnmorska) ተዘራረቢ። 

ምፍጻም ጾታዊ ርክብ 

ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል ምስ ዝህልወኪ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ጎዳኢ ኣይኮነን። 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page