ሕርሲ

ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ዝግበር ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን

Besök på barnmorskemottagningen efter du har fött barn - tigrinska

ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ናብ’ታ ኣብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ትሰርሕ መሕረሲት ክትበጽሒ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ሕርስኽን ድሕሪኡ ዝነበረ ግዜን ከመይ ከም ዝነበረ ክትዛረባ ኢኽን። ክትምርመሪ ኢኺ፡ ሕቶታት እውን ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ ምብጻሕ፡ እታ መሕረሲት ጥዕናኺ ከመይ ከም ዘሎን ኣካላትኪ ከምቲ ዝግብኦ ይሓዊ ከም ዘሎን ንኽትፈልጥ እዩ ዝግበር።

እቲ ምብጻሕ ብወለንታ እዩ ዝግበር።

እንተ ደሊኺ ንውላድኪ ምሳኺ ሒዝክዮ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።.

Läs texten på svenska här.

ቆጸራ ናይ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዝተሓዝ ይፈላለ እዩ

ቆጸራ ናይ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዝተሓዝ ይፈላለ እዩ። ኣብ ገሊኡ ዞባታት እታ መሕረሲት ቆጸራ ንምሓዝ ክትድውለልኪ እያ። ኣብ ካልኦት ዞባታት ድማ ባዕልኺ ደዊልኪ ቆጸራ ክትሕዚ ኣለኪ።

ምዓስ እዩ ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ዝግበር?

እቲ ምብጻሕ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ውሽጢ 16 ሰሙን ይፍጸም። ምዓስ ክትመጺ ከም ዝጥዕመኪ ባዕልኺ ኢኺ እትውስኒ። እንተ ደሊኺ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ወይ ሒደት ሰሙናት ክትመጺ ትኽእሊ ኢኺ።

ሓንሳብ ወይ ክልተ ምብጻሕ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። እንተ ደሊኺ ብዙሕ ምብጻሕ እውን ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ነታ ነፍሰ ጾር ከለኺ ትረኽብያ ዝነበርኪ መሕረሲት ድሕሪ ሕርስኺ እውን ክትረኽብያ ልሙድ እዩ። እንተ ደሊኺ ግን ምስ ካልእ መሕረሲት እውን ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

 

ኣብቲ ምብጻሕ እንታይ እዩ ከጋጥም?

ብዛዕባ ትሓስብዮ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።

ካብ ብዙሕ ሒደት፡ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ክትዛረባ ኢኽን፦

  • ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕናኺ ከመይ ከም ዘለኺ።
  • ብዛዕባ ሕርስኽን ከመይ ምንባሩን ዘለኪ ርእይቶ። ብዛዕባ ኣብ እዋን ሕርስኺ ኣብ መዝገብኪ ዝተጻሕፈ ከተንብባ ኢኽን። ኣብኡ ኣየናይ ዓይነት ሕክምና ከም ዝተዋህበክን ብኸመይ ነቲ ቈልዓ ከም ዝወለድክዮን ሰፊሩ ኣሎ።
  • ምጥባው ከምኡ’ውን ምምጋብ ናይቲ ቈልዓ።
  • ብዛዕባ ወላዲት ምዃን ዘለኪ ርእይቶ።
  • ቅድሚ ሕጂ ቈልዑ ምስ ዝህልዉኺ፡ ብዙሓት ቈልዑ ምህላው ከመይ ምዃኑ።
  • ጾታዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን።
  • ዝምድናታት።

ዝተፈላለዩ ምዕቃናትን ምምዛናትን

ኣብቲ ምብጻሕ መብዛሕትኡ ግዜ እታ መሕረሲት ጸቕጢ ደምኪ ትዕቅንን ናይ ደም መርመራ ትወስድን እያ። ከምኡ’ውን ክብደትኪ ክትምዘኒ ኢኺ።

ኣብ ውሽጢ ርሕምን ከባቢኡን ዝግበር መርመራ

እታ መሕረሲት ኣብ ውሽጢ ርሕምኽን ከባቢኡን ክትምርምረኪ እያ። ነእጋርኪ መደግፊ ኣብ ዘለዎ መንበር ብሕቘኺ በጥ ክትብሊ ኢኺ። ኣእጋርኪ ክፈናተትን ታሕተዋይ ክፋል ኣካላትኪ ጥራሕኪ ክትኮንን ኢኺ።

እታ መሕረሲት ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ክትምርምር እያ፦

  • ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ርሕምኺ ምትርባዓት እንተ ኣለኪ ኰይኑ።
  • ኣብ ውሽጢ ርሕምን ከባቢኡን ከምኡ’ውን ኣብ መሃንቱስ ዘለዉ ጭዋዳታት ከመይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ።

ብመጥባሕቲ ምስ ትሓርሲ

እታ መሕረሲት ብምርኣይን ምድህሳስን ነቲ ቁስሊ ትምርምሮ።

ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ

ምስ ዘድልየኪ፡ እታ መሕረሲት ምስ ሓኪም ንኽትራከቢ ክትሕግዘኪ እያ።

ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ካልእ ወሃብ ሕክምና ክንክን ምርካብ ከድልየኪ ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ሓደ ፊዝዮተራፐኛ (ክኢላ ስነ-ምንቅስቓስ) ወይ ሓደ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እታ መሕረሲት ናይ ምብጻሕ ቆጸራ ንኽግበረልኪ ክትሕግዘኪ እያ።

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዂንኪ ኣብቲ ናብ ኣገልግሎት ሕክምና ትገብርዮ ምብጻሓት ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ቆጸራ ናይ ምብጻሕ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page