ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ንዓኻ 65 ዝዓመትካ ወይ ካብኡ ዝዓበኻ
Vaccination mot covid-19 för dig som är 65 år eller äldre - Skåne - tigrinjaThe content concerns Skåneኣብ ስኮነ ትኽመጥን 1956 ወይ ቅድሚኡ ዲኻ ተወሊድካን? ከምኡ እንድሕር ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ማእከል ክንክንካ ደብዳቤ ንገዛኻ ክመጽኣካ እዩ። ኣብኡ ጸረ ኮቪድ-19 ንኽትክተብ ከመይ ገይርካ ቆጸራ ከምእትሕዝ ሓበሬታ ኣሎ።
ክትክተብ ትደልይ እንድሕር ኮይንካ ናትካ ምርጫ እዩ። እቲ ክታበት ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ።
መዓስ እየ ቆጸራ ክሕዝ ዝኽእል?
እታ ደብዳቤ ካብ ማእከል ክንክን ምስ መጸኣትካ ኢኻ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል። እታ ደብዳቤ ንኹሎም ኣብ ሓደ እዋን ኣይኮነትን ትመጽኦም። ንስኻ ዝዓበኻ ኢኻ ቅድም ትኽተብ።
ቆጸራ ንኽትሕዝ ተራኻ ምስኮነ እታ ደብዳቤ ክትመጸካ እያ። ድሕሪ’ቶም ዝዓበዩ ደብዳቤ ምስ መጽኦም ክልተ ሰሙን ክወስድ ይኽእል እዩ።
እታ ደብዳቤ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክትለኣኽ እያ:
1. 85 ዝዓመቶም ወይ ካብኡ ዝዓበዩ
2. ኣብ ሞንጎ 76ን - 84ን ዝዓመቶም
3. ኣብ ሞንጎ 70ን - 75ን ዝዓመቶም
4. ኣብ ሞንጎ 65ን - 69ን ዝዓመቶም
ኣብ ማእከል ክንክንካ ቆጸራ ሓዝ።
ንኽትክተብ ቆጸራ ክትሕዝ ኣለካ።
ብገለ ካብዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ቆጸራ ሓዝ:
- ኣብ 1177.se እቶ. ምስ ኣተኻ ማእከል ክንክንካ ምረጽ ሽዑኡ ናይቲ ማእከል ክንክን አለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ኣብ ኢንተርነት ቆጸራ ሓዝ ተጠቀም። ኣብ 1177.se ንኽትኣቱ አለትሮኒካዊ መንነት የድልየካ፣ ንኣብነት ናይ ባንካ-መንነት (bank-id)። ናይ ካልእ ሰብ አለትሮኒካዊ መንነት ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ።
- ንማእከል ክንክንካ ደዊልካ ቆጸራ ሓዝ።
ናይ ርክብ ሓበሬታታት ንኣብ ስኮነ ዝርከባ ማእከል ክንክናት
እንድሕር ሓሚምካ ነቲ ቆጸራ ሰርዞ
ኣብ’ታ ትኽተበላ ዕለት ዝሓመምካ ኮይኑ ይስመዓካ ኣሎ ድዩ? ነቲ ቆጸራኻ ንኽትሰርዝ ምስ ማእከል ክንክንካ ርክብ ግበር። ንኽትክተብ ሓዲሽ ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ነቲ ኽታበት ብኽምዚ ትቀራረብ
1. ኣብቲ ናይ ጥዕና መግለጺ ኦርኒክ ዘለው ሕቶታት መልሶም። እቲ ናይ ጥዕና መግለጺ ኣብቲ ደብዳቤ ናይ ማእከል ክንክን ኣሎ። እቲ ናይ ጥዕና መግለጺ ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ ዘሎ።
2. ክትክተብ ክትመጽእ ከለኻ እቲ ናይ ጥዕና መግለጺን መንነትካን ሒዝካ ምጻእ። እቲ ናይ ጥዕና መግለጺ ኣጥፊእካዮ ዲኻ? ናብ ማእከል ክንክን ደውል ክሕግዙኻ እዮም።
3. እታ ተኻናኻኒት ሕሙማት በቲ መርፍእ ናብ ላዕለዋይ ምናትካ ብቐሊሉ ክትረኽቦ ዘጥዕም ክዳን ተኸደን። ንኣብነት ሓጺር እጅግኡ ካሚሻ።
4. ናብቲ ማእከል ክንክን ኣብ ግዜኻ ምጻእ። ኣዚኻ ቀልጢፍካ ኣይትምጻእ። ጽቕጥቅጥ ክኸውንን ኮቪድ-19 ክዝርጋሕ ስለዝኽእልን።
እንድሕር ከምዝሓመምካ ይስመዓካ ኣሎ
ኣብ’ታ እትኽተበላ ዕለት ከምዝሓመምካ ኮዩኑ ይስመዓካ ኣሎ’ድዩ? ነቲ ቆጸራኻ ንኽትሰርዝ ምስ ማእከል ክንክንካ ርክብ ግበር። ንኽትክተብ ሓዲሽ ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
እንድሕር ናይ ደም መቕጠኒ ፈውሲ ትወስድ ኮይንካ።
ናይ ደም መቕጠኒ ፈውሲ ትወስድ’ዲኻ? ኣብ’ቲ ትኽተብሉ መዓልቲ ነቶም ፈውስኻ ካልእ ግዜ ካብቲ ልሙድ ሰዓታት ክትወስዶም ከድልየካ ይኽእል እዩ። ብኸምኡ ኣብ ኣብ ምድማይ ካብ ሽግር ምርካብ ስግኣት ተጕድል።
እንድሕር ኣፋውስ አሊኵስ/Eliquis, ሳረልቶ/Xarelto, ፕራዳክሳ/Pradaxa ወይ ሊስያና/Lixiana ትወስድ ኮይንካ
- እንድሕር ኣብ መዓልቲ ሓደ ከኒና ጥራይ ትወስድ ኮይንካ: ነቲ ከኒና ክልተ ሰዓት ድሕሪ ምኽታብካ ውሰዶ።
- እንድሕር ንግሆን ምሸትን ሓደ ከኒና ትወስድ ኮይንካ: እታ እትኽተበላ መዓልቲ ነታ ናይ ንግሆ ከኒና ኣይትውሰዳ።
እንድሕር ኣፋውስ ትሮምብይል/Trombyl, ኣሰትይልሳሊክይልስይራ/Acetylsalicylsyra, ክሎፒዶግረል/Clopidogrel, አፍየንት/Efient, ብሪሊክ/Brilique, ዲፕይሪዳሞል/Dipyridamol ወይ ዲፕራሶሪን/Diprasorin ትወስድ ኮይንካ
- ነቶም ከኒናታትካ ከም ልሙድ ውሰዶም።
እንድሕር ኣፋውስ ሀፓሪን/Heparin, ፍራግሚን/Fragmin, ኢኖሀፕ/Innohep ወይ ክለክሳን/Klexane ትወስድ ኮይንካ።
- እንድሕር ነቲ ፈውሲ ንግሆ ትወስዶ ኮይንካ: ነቲ ፈውሲ ክልተ ሰዓት ድሕሪ ምኽታብካ ውሰዶ።
- እንድሕር ነቲ ፈውሲ ምሸት ትወስዶ ኮይንካ: ነቲ ፈውሲ ከም ልሙድ ውሰዶ።
እንድሕር ኣፋውስ ቫራን/Waran ወይ ዋርፋሪን/Warfarin ትወስድ ኮይንካ።
እንድሕር እቲ ናይ መወዳእታኻ (ደም ክረግእ ዝወሰደሉ ግዜ) PK-INR-ዓቐን ካብ 3 ንታሕቲ ነይሩ ክትክተብ ትኽእል ኢኻ። ደም ክረግእ ዝወሰደሉ ግዜ PK-INR-ዓቐን ነቲ ደም ክረግእ ዝወሰደሉ ግዜ እዩ ዝዕቅን።
እንድሕር ካልእ ኣፋውስ ተወስድ ኮይንካ።
ካልእ ናይ ደም መቕጠኒ ፈውሲ ትወስድ ዲኻ? ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ካብ’ቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣፋውስ? ቅድሚ ምኽታብካ ነቶም ኣፋውስ ዝኣዘዘልካ ሓኪም ምኽሪ ሕተቶ።
እቲ ክታበት ብኸምዚ እዩ ዝካየድ
እቲ ክታበት ብኸመይ ከምዝካየድ ኣብዚ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል:
ብድሕሪኡ ኣብቲ ማእከል ክንክን ን15 ደቓይቕ ትጸንሕ። ምስተኸተብካ ከምኡ ክትገብር ልሙድ እዩ። ኣብኡ ኣብ ዘለኻሉ ግዜ እቶም ናይ ማእከል ክንክን ሰራሕተኛታትት ድሕሪ’ቲ ክታበት ከመይ ከምዘላኻ ይርእዩኻ።
ክልተ ግዜ ክትክተብ የድልየካ
ክልተ ግዜ ክትክተብ የድልየካ። እንተዘይኮይኑ ናይ ኮቪድ-19 መከላኸሊ የብልካን።
እቶም ናይ ክንክን ሰራሕተኛታት ነታ ካልአይቲ ክታበትካ ቆጸራ ክሕዙልካ እዮም። እታ መጀመርታ ክታበት ክትወስዳ እንኮለኻ እቲ ቆጸራ ክትወሃብ ኢኻ። ከም ልሙድ ድሕሪ ገለ ሰሙናት ኢኻ መሊስካ ትኽተብ።
ሓደ ጽቡቕ መከላኸሊ ጸረ ኮቪድ-19 ንኽህልወካ፣ ሓደ ክሳብ ክልተ ሰሙን ድሕሪ እታ ካልአይቲ ክታበትካ እዩ ዝወስድ ግን ወላ ተኸተብ ደኣ እምበር ነቲ ናይ መንግስታዊ በዓል መዚ ምኽርታት ክትከታተል ኣሎካ።