እኩብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብትግርኛ

ኮቪድ-19 – ብትግርኛ

Om Covid-19 - tigrinska

ኮቪድ-19 ብሰንኪ ቫይረስ ዝስዕብ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ኮቪድ-19 ዝሕዞም ሰባት፡ ከም ጕንፋዕ ክሕዘካ ከሎ ትሓሞ ይሓሙ። ገሊኦም ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝሓሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክሕከሙ የድልዮም እዩ።

ሕማም ኮቪድ-19 ብሓደ ካብቶም ጕጅለ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ሓድሽ ቫይረስ እዩ ዝስዕብ።

እዚ ሕማም ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም እዩ ዘሎ። ስለዚ እዩ ዓለምለኸ ለብዒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ።

ኣብቲ ዘለካዮ ቦታ እንታይ ከም ዘገልግል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

Du kan läsa texten på svenska här.

ክታበት ጸረ ኮቪድ-19

ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ኣሎ። እዚ ክታበት ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ንኸይትሓምም ይኸላኸለልካ እዩ።

ምልክታታት ናይ ኮቪድ-19

ኮቪድ-19 ንመብዛሕትኦም ሰባት ከም ልሙድ ጕንፋዕ ወይ ኢንፍሉወንዛ ኮይኑ እዩ ዝስምዖም።

መብዛሕትኦም ሰባት ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሰሙን ይሓውዩ እዮም። ገሊኦም ሰባት ንነዊሕ እዋን ይሓሙ እዮም።

እዞም ዝስዕቡ ልሙዳት ናይ ኮቪድ-19 ምልክታታት እዮም፡

  • ሰዓል
  • ረስኒ
  • ቃንዛ ጐረሮ
  • ነድሪ ኣፍንጫ (ጸረርታ) ወይ ማዕበስቲ ኣፍንጫ
  • ዝተቐየረ ዓቕሚ ምሽታትን ምስትምቓርን
  • ሕማም ርእሲ
  • ቃንዛ ኣብ ጭዋዳታት
  • ዕግርግር
  • ቃንዛ ከስዐ
  • ውጽኣት
  • ጸገም ምስትንፋስ
  • ድኻም

ገሊኦም ሰባት ኣዝዮም ይሓሙ

ገሊኦም ሰባት ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሰሙን ኣጸቢቝ ይገዶም። ኣብ ከምዚ ኵነት ምስትንፋስ ከጸግመካን ብርቱዕ ድኻም ኣካላት ክስምዓካን ይኽእል እዩ።

ዕድመ እናደፋእካ ብዝኸድካ፡ እቲ ስግኣት ይዛይድ።

ልዑል ክብደት ኣካላት እንተ ኣሎካ ኮይኑ እቲ ስግኣት ይዛይድ።

ነፍሰ-ጾር እንተ ዄንኪ እውን ዝለዓለ ስግኣት ኣሎኪ።

ከምኡ’ውን ሓደ ሓደ ሕማማት ነቲ ብጽኑዕ ንኽትሓምም ዘሎ ተኽእሎ ከዛይድዎ ይኽእሉ እዮም።

መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ምግዳፍ ኣየድልዮምን እዩ

ሓሚምካ እንተ ኣለካ ዄንካ ኣብ ገዛ ክትጸንሕ ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት መርመራ ምግዳፍ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብቲ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ግደፍ ዝብል ጽሑፍ ብዝያዳ ኣንብብ።

ምዓስን ኣበይን እየ ናብ ሕክምና ክኸይድ ዘለኒ?

መብዛሕትኦም ከቪድ-19 ዝሕዞም ሰባት ናብ ሕክምና ምኻድ ኣየድልዮምን እዩ። እቲ ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ባዕሉ እዩ ዝገድፍ።

እንታይ ከም ትገብር ንምፍላጥ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውል። እተን ተሌፎን ዝምልሳልካ፡ ነርስ እየን። ሕክምና እንተ ዘድልየካ ኾይኑ፡ ናበይ ከም ትኸይድ እውን ክሕግዛኻ ይኽእላ እየን።

እተን ነርስ ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቛታት ሓገዝ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ።

ካብ ሓንቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ቍጽሪ ዘለዋ ተሌፎን እንተ ዄንካ ትድውል ዘለኻ፡ ናብ +46 771-11 77 00 ደውል።

ህጹጽ እንተ ኾይኑ

ሓደ ወይ ብዙሓት ካብዞም ዝስዕቡ ጸገማት እንተ ኣልዩካ ቀልጢፍካ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ክፉት ተረኛ ክሊኒክ ርክብ ግበር፡

  • ኣብ ሓጺር ግዜ ኣጸቢቑ እንተ ገዲዱካ።
  • ዋላ ኣዕሪፍካ ከለኻ ምስትንፋስ እንተ ኣጸጊሙካ።

ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ክፉት ተረኛ ክሊኒክ ክትራኸብ እንተ ዘይክኢልካ ናብ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት ኪድ።

ኮቪድ-19 ብኸምዚ መገዲ ይመሓላለፍ

ኮቪድ-19 መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ እዚ ሕማም ዘለዎ ሰብ ክህንጥስ ወይ ክስዕል ከሎ እዩ ዝመሓላለፍ። ሽዑ ቫይረስ ዝሓዙ ናእሽቱ ነጠብጣባት ይፍጠሩ። እዞም ነጠብጣባት ናብ ነብስኻ እንተ ኣትዮም በዚ ሕማም ክትተሓዝ ትኽእል ኢኻ።

እዞም ነጠብጣባት ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት እውን ክዓልቡ ይኽእሉ እዮም። ነዞም ነገራት ክትትንክፎም ከለኻ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጥካ ክኣቱ ይኽእል እዩ። በዚ ንኽትሓምም ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ እዩ።

ኮቪድ-19 ሒዙኻ እንተ ኣልዩ፡ ዋላ እውን ከም ዝሓመምካ ኮይኑ ኣይሰምዓካ ንኻልኦት ሰባት ግን ከተመሓላልፈሎም ትኽእል ኢኻ።

ነፍሰ-ጾር እንተደኣ ኾንኪ

ነፍሰ-ጾር ከለኺ እንተ ሓሚምኪ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንስኺ ዘይተኸተብኪ ብኸቢድ ንኽትሓሚ ብዝያዳ ስግኣት ኣሎ።

ኣብቲ ካልኣይ መፋርቕ ጥንስኺ እንተ ሓሚምኪ እቲ ህጻን መዓልቱ ከይኣከለ ክውለድ ይኽእል እዩ።

ብኮቪድ-19 እንተ ሓሚምኪ፡ ብመጥባሕቲ ምሕራስ ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

ምስ መሕረሲትኪ ወይ ሓኪምኪ ተዛተዪ። ምኽሪ ክህቡኺ ይኽእሉ እዮም።

መብዛሕትአን ዝተኸተባ ነፍሰ-ጾራት ብኸቢድ ኣይሓማን እየን።

ንእተጥብዊ

ኮቪድ-19 ሒዙኺ ከሎ ንውላድኪ ከተጥብዊ ትኽእሊ ኢኺ።

ካብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ምኽርን ሓገዝን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

 

 

 

 

ሕክምና

መብዛሕትም ሰባት ንኮቪድ-19 ዝኾነ ሕክምና ኣየድልዮምን እዩ። ንኽሕሸካ
ባዕልኻ ክትገብሮም ትኽእል ነገራት ኣለዉ።

ገሊኦም ሰባት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና የድልዮም እዩ። ኣብ ሆስፒታል እንተ ኣቲኻ ንኣብነት ምእንቲ ብዝሓሸ ከተተንፍስ ኦክስጅን ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት ኣዚዮም ስለ ዝሓሙ ብናይ መተንፈሲ ሓገዝ መሳርሒት ክንክን የድልዮም እዩ። ሽዑ ከም ዝድቅሱ ይግበር። እዚ ጽዑቕ ክንክን ይብሃል።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page