ጥንሲ

ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን (barnmorskemottagningen)

Besök på barnmorskemottagningen - tigrinska

ነፍሰ ጾር ከለኺ ናብ ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳት ክትበጽሒ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ምብጻሕ ንስኽን እቲ ኣብ ከብድኺ ዘሎ ህጻንን ጥዕናኹም ከመይ ከም ዘሎ ንምምርማር እዩ። ቅድሚ ሕርሲ ንኽትቀራረቢ ምኽርን ሓገዝን ክትረኽቢ ኢኺ። እቲ ምብጻሕ ንዓኺ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።

ነፍሰ ጾር ምዃንኪ ምስ ፈለጥኪ ሽዑንሽዑ ምስ ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ርክብ ግበሪ።

ኣብዚ ክሊኒካት ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ክትረኽቢ ትኽእሊ። እቲ ገጽ ብሽወደንኛ እዩ።

Läs texten på svenska här.

ኣብቲ ምብጻሕ እንታይ ኢኻ ትገብር?

ኣብቲ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ምስ ሓንቲ መሕረሲት (barnmorska) ክትራከቢ ኢኺ። እዚ ዝስዕብ ኣብነታት ናይቲ ክትዛረበሉ ትኽእላ እዩ፦

  • ጥዕናኺ ከመይ ከም ዘለኺ።
  • ቅድሚ ሕጂ ጥንሲ ሒዝኪ ትፈልጢ እንተ ዄንኪ።
  • ገለ ሕማማት እንተ ኣለኪ ወይ እንተ ነይሩኪ ኮይኑ።
  • ብዛዕባ እቲ ጥንሲ ክህልወኪ ዝኽእል ሓሳባት።
  • ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኹሉ ግዜ ጽቡቕ መግቢ ኣየናይ ምዃኑ።
  • ኣብ እዋን ጥንስኺ ግዜ ከመይ ገርኪ ከም ትንቀሳቐስን ምውስዋስ ኣካላት ትገብርን።
  • ትምባኾ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ዕጸ ፋርስን መድሃኒትን ከመይ ገይሩ ነቲ ህጻን ክትንክፎ ከም ዝኽእል.
  • ብዛዕባ ቅድሚ እቲ ህጻን ምውላዱን ምጥባውን ክህልወኪ ዝኽእል ሓሳባት።

ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ መርመራታት ጥንስን ዕብየት ኣብ ማህጸን ዘሎ ህጻንን ዝምልከት ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ዓይነት መርመራታት ”ምንጻር ጥዕና ናጽላ” ተባሂሎም ይጽውዑ።

ብተወሳኺ መርመራ ደም ክትገድፍን ክትምርመሪን ትኽእሊ ኢኺ።

እተን ሰራሕተኛታት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለወን

ኵሉ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሕ ሰብ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ምብጻሕኪ ንኻልኦት ዘይምልከቶም ሰባት ክነግር ኣይፍቀዶን እዩ።

እቲ ምብጻሕ ኣብ ከክንደይ እዩ ክግበር?

ኣብ እዋን ጥንሲ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ ግዜ ናብ መሕረሲት ምብጻሕ ዝውቱር እዩ። ክሳብ ክንደይ ግዜ ዝኣክል ምብጻሕ ከም ዘድሊ ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ጥንሲ ኣብ መንጎ እቲ ምብጻሕ ዘሎ ግዜ እና ሓጸረ ይኸይድ።

መርመራታትን ምክትታልን

ኣብቲ ግዜ ምብጻሕ እታ መሕረሲት መርመራታት ወሲዳ መርመራታት ተካይድ። እዚ ንስኽን እቲ ኣብ ከብድኺ ዘሎ ህጻን ጥዕናኹም ከመይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ እዩ።

መርመራ ደምን ሽንቲ ምግዳፍ ልሙድ እዩ።

እታ መሕረሲት መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዝስዕብ እውን ትከታተሎ እያ፦

  • ጸቕጢ ደምኪ ክንደይ ከም ዘሎ።
  • ክብደትኪ ክንደይ ከም ዘሎ።
  • ዕብየት ማህጸንኪ ከመይ ከም ዘሎ።
  • ምንቅስቃስ ናይቲ ህጻን።
  • ህርመት ልቢ ናይቲ ህጻን ከመይ ከም ዘሎ።

ናትኪ ሓበሬታ ኣብ ሓደ መዝገብ ሕክምና ይእከብ እዩ

እታ መሕረሲት ነቲ ኣገደስቲ ነገራት ብዛዕባ ጥንስኺ ኣብ ሓደ ዲጂታላዊ መዝገብ ትጽሕፎ እያ። ኣብ ትሓርስሉ እዋን እተን ኣብ ክፍሊ መወልዳን ዝሰርሓ ሰርሕተኛታት ንመዝገብኪ የንብብኦ እየን።

ርክባት ንወለዲ

ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ነቶም ወለዲ ንሙዃን ዝጽበዩ ዘለዉ ርክባት የዳልዉ እዮም። ኣብኡ ምስ ካልኦት ወለዲ ንሙዃን ዝጽበዩ ዘለዉ እውን ክትራኸብ ትኽእል።

ኣብቲ ርክባት ሓበሬታን ምኽርን ትረክብ። መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሕርሲ፡ ኣብቲ እዋን ሕርሲ ክወሃብ ዝኽእል መህድእ ቃንዛ መድሃኒት፡ እቲ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻንን ምጥባውን ትዘራረብ።

ተወሳኺ ደገፍ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ

ተሻቒልኪ ወይ ቅድሚ እቲ ሕርሲ ፈሪሕኪ እንታ ኣለኺ ዄንኪ ተወሳኺ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ዘሻቕለኪ ነገራት ምስ ዝህሉ ነታ መሕረሲት ንገሪያ ኢኺ። ዝኾነ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ገሊኤን ናብ ፍሉይ ክንክን ጥዕና ኣዴታት ምኻድ የድልየን እዩ (specialistmödravården)።

ሓደ ሓደ ሕማማት ወይ ጸገማት ዘለኪ ምስ እትኾኒ፡ ናብ ሓደ ፍሉይ ክንክን ጥዕና ኣዴታት ዝብሃል ምኻድ ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

ምናልባት ናብኡ ምኻድ ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ እታ ኣብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ትሰርሕ መሕረሲት ወይ ሓኪም ክሕብሩኺ እዮም።

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ ትኾኒ ናብ ክንክን ጥዕና ኣብ ትኸድሉ ግዜ ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ቆጸራ ናይ ምብጻሕኪ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።

ዳግመ ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን

ድሕሪ ሕርሲ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ዳግመ ምብጻሕ ክትገብሪ ኢኺ። እቲ ዳግመ ምብጻሕ ድሕሪ ካብ 2 ክሳብ 16 ሰሙናት ይግበር።

ኣብቲ ዳግመ ምብጻሕ ብዛዕባ ሕርስን ምጥባውን ክትዘራረባ ኢኽን።

እታ መሕረሲት ናይ ማህጸን መርመራ ክትገብረልኪ እያ። ከምኡ’ውን ካብ ሓድሽ ጥንሲ መከላከሊ ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ ከተልዕለልኪ እያ።

ሓያለ ዳግመ ምብጻሕ ምግባር ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page