ምክንኻን ቈልዓ

መደብ ክታበት ንቈልዑ

Vaccinationsprogrammet för barn - tigrinska

ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ቈልዑ ጸረ ዓሰርተ ክልተ ሕማማት ክታበት ክወስዱ ዕድል ይወሃቦም። እዚ፡ እቲ ቈልዓ ብኸቢድ ንኸይሓምም ንምክልኻል እዩ። እቶም ክታበታት ካብ ክፍሊት ብናጻ እዮም ዝወሃቡ።

Läs texten på svenska här.

ቈልዑ ጸረ ኣየኖት ሕማማት እዮም ዝኽተቡ?

ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ቈልዑ ጸረ እዞም ዝስዕቡ ሕማማት ክታበት ይቕረበሎም፦ 

  • ዲፍተሪያ 
  • ትኽትኽታ 
  • ተታኑስ  
  • ፖልዮ  
  • ሀሞፊልስ ኢንፍሉወንሳ ዓይነት በ 
  • ነውሞኮኩስ 
  • ንፍዮ  
  • ጽግዕ  
  • ሩበላ  
  • ሮታ ቫይረስ  
  • ወይቦ ዓይነት በ 
  • ሆፐቨ - ሰብኣዊ ፓፒሎማ ቫይረስ። 

መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቈልዓ ብሓንቲ መርፍእ ሓያሎ ክታበታት ይወሃቦ።

ክታበት ካብ ከበድቲ ሕማማት ይከላኸል

ክታበት ቈልዑ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሕማማት ብኸቢድ ንኸይሓሙ ይከላኸለሎም።  

ከም’ውን እቲ ክታበት እቲ ሕማማት ንኸይላባዕ ይከላኸል።. 

ክታበት ዘተኣማምን መድሃኒት እዩ 

ውላድካ ክኽተብ ምግባር ብወለንታ እዩ።  

ኣገልግሎት ክንክን ሕማም ኵሉ ሰብ ክኽተብ ይመኽሩ። 

ክታበት ዘተኣማምን መድሃኒት እዩ። 

ቈልዓ መዓስ እዩ ዝኽተብ?

ቈልዑ ኣብ እዋን ዕብየቶም ሓያሎ ግዜ ይኽተቡ።  

ናይ መጀመርታ ክታበት እቲ ህጻን ዕድሚኡ ሽዱሽተ ወርሒ ከሎ ይወሃቦ።

ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ቈልዑ

ቈልዑ ኣየኖይ ክታበታት ከም ዝወሃቦም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። 

ካብ ሽወደን ወጻኢ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተወልዱ ቈልዑ ዝያዳ ክታበት ክወስዱ ከድልዮም ይኽእል እዩ። 

ንናይ ውላድካ ክታበታት ዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፡ ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፦ 

  • ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ BVC  
  • ጥዕና ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ (elevhälsan)  
  • ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና (vårdcentral)

ነቲ ቈልዓ ከመይ ገይረ ክቐራርቦ እኽእል?

ቅድሚ ክታበት እቲ ቈልዓ እኹል ዕረፍትን መግብን ዝረኸበ ክኸውን ጽቡቕ እዩ። 

ይኹን’ምበር ጸረ ሮታ ቫይረስ ዝኽተብ ቈልዓ ኣቐዲሙ ክበልዕ የብሉን። 

እቲ ቈልዓ ምስ ዝጭነቕ 

ገሊም ቈልዑ መርፍእ ምውጋእ ከፍርሖም ወይ ከሕምም እዩ ኢሎም ክፈርሑ ይኽእሉ እዮም።  

ነቲ ቈልዓ እቲ መሰርሕ ክታበት ቅልጡፍ ከም ዝኾነ ንገሮ። ቁሩብ ከም ዘሕምም ግን ቀልጢፉ ከም ዝሓልፍ እውን ንገሮ። 

እቲ ቈልዓ እንተ ሓሚሙ 

እቲ ቈልዓ ክኽተብ ቆጸራ ተታሒዝዎ ነይሩ ግን ምስ ዝሓምም፡ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ BVC ወይ ጥዕና ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ርክብ ግበሩ። ሓድሽ ቆጸራ ምሓዝ ከድልየኩም ይኽእል እዩ። 

ክታበት ብኸመይ እዩ ዝወሃብ?

ክሳብ ደቂ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ BVC ይኽተቡ። 

ትምህርቲ ዝጀመሩ ቈልዑ ኣብ ጥዕና ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኽተቡ። 

እቲ ቈልዓ መርፍእ ይውጋእ 

ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝኾኑ ቈልዑ መብዛሕት ግዜ ኣብ ሰለፎም መርፍእ ይውግኡ።  

ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽሞም ነቲ መርፍእ ይውግእዎ። 

ጸረ ሮታ ቫይረስ ክታበት ነቲ ቈልዓ ኣብ ኣፉ ይወሃቦ 

ክታበት ጸረ ሮታ ቫይረስ ብነጠብጣብ ዓይነት ይወሃብ።

እቲ ክታበት ነቲ ቈልዓ ኣብ ኣፉ ይወሃቦ።  

እቲ ፈሳሲ ሙቁር ጣዕሚ ኣለዎ። 

ድሕሪኡ እቲ ቈልዓ ከመይ ይስምዖ?

ኣብቲ እቲ ቈልዓ መርፍእ ዝተወግኣሉ ቦታ ቁሩብ ቃንዛ ክገብረሉ ይኽእል እዩ።  

ድሕሪ ምኽታብ እቲ ቈልዓ ቁሩብ ሕማም ክስምዖ ልሙድ እዩ። እቲ ቈልዓ ንኣብነት ረስኒ ክገብረሉ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቀልጢፉ ይሓድግ እዩ። 

እቲ ቈልዓ ድሕሪ ናይ ሮታ ቫይረስ ክታበት ምውሳዱ ዕግርግር ክብሎን ከብዱ ከሕምሞን ይኽእል እዩ።

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

መብዛሕትም ዝተኸተቡ ቈልዑ ምስ ሕክምና ርክብ ምግባር ኣየድልዮምን እዩ።  

ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ወይ ምስ ትሻቐል ምስቲ እቲ ቈልዓ ዝተኸተበሉ ክሊኒክ ርክብ ግበር።  

ብዛዕባ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውል። እተን ዝምልሳልካ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሰን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ። ብናይ ወጻኢ ሃገር ቍጽሪ ተለፎን ምስ እትድውል፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውል።

ህጹጽ ምስ ዝኸውን

እቲ ቈልዓ ኣብ ከብዱ ብርቱዕ ቃንዛ እንተ ገይርሉ ብቕልጡፍ ምስ ሕክምና ርክብ ግበር። ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ግበር፦

  • ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና 
  • ሓደ ተርኛ ክፉት ዝኾነ ክሊኒክ። 

ዕጹው ምስ ዝኸውን፡ ንሕክምና ናብ ሓደ ክፍሊ ህጹጹ ረድኤት ኪድ።
 
እቲ ቈልዓ ኣካላቱ ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝደክም ቀልጢፍካ ናብ 112 ደውል።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page