ጥንሲ

ምንጻል ጥንሲ

Abort - tigrinska

ምንጻል ጥንሲ ንሓደ ጥንሲ ምቁራጹ ማለት እዩ። ጥንሲ ንምንጻል እትውስኒ ንስኺ ነፍሰ-ጾር ዝኾንኪ ባዕልኺ ኢኺ። እዚ ነጻ ምንጻል ጥንሲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መሰል ምንጻል ጥንሲኣብ ሓደ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ዝተባህለ ፍሉይ ሕጊ ተገሊጹ ኣሎ 

Läs texten på svenska här.

ቆጸራ ሓዚ

ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ትሓስቢ እንተ ኣለኺ ዄንኪ ምስ ሓደ ክሊኒክ ምንጻል ጥንሲ ርክብ ግበሪ።  

ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ማለት፡ ብዛዕባ ናብኡ ምብጻሕኪ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ክነግሩ ኣይፍቀዶምን እዩ።  

ኣብ ክሊኒክ ምንጻል ጥንሲ፡ ሓንቲ መሕረሲት ወይ ሓኪም ጥንሲኺ ክንደይ ግዜ ከም ዝገበረ ይምርምሩ።   

ኣየናይ ኣገባብ ምንጻል ጥንሲ ንዓኺ ዝበለጸ ምዃኑ ትዘራረቡ። መድሃኒታዊ ምንጻል ጥንሲን መጥባሕታዊ ምንጻል ጥንሲን ኣሎ። መድሃኒት ብምውሳድ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ እቲ ብዝያዳ ልሙድ ኣገባብ ምግባር ምንጻል ጥንሲ እዩ።  

ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ እውን ሓገዝ ክትረኽቢ ኢኺ። 

መድሃኒት ብምውሳድ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይፍጸም

ናብቲ ክሊንክ ምንጻል ጥንሲ ትኸዲ። ኣብኡ ነቲ ምንጻል ጥንሲ ከም ዝጅምር ዝገብሮ ሓንቲ ከኒና ትወሃቢ። ድሕሪኡ ንገዛኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ምሳኺ ንገዛኺ ሒዝክዮ ትኸዲ ተወሳኺ መድሃኒታት ክወሃበኪ እዩ። 

ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልታት እታ ቀዳመይቲ ከኒና ምውሳድኪ ነተን ንገዛ ሒዝክየን ዝኸድኪ ትወስድሉ ግዜ እዩ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ክትደምዪ ክትጅምሪ ኢኺ። መብዛሕትኡ ግዜ ዕንኳር ደም ይመጽእ እዩ። እቲ ጥንሲ ምስ ደም ተሓዊሱ ይንጸግ። 

ገሊኤን ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛ ናብ ክሊኒክ ምንጻል ጥንሲ ተመሊሰን ነቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብኡ ክዛዝምኦ ይኽእላ እየን። እዚ ንኣብነት ካብ 10 ሰሙን ንላዕሊ ነፍሰ-ጾር እንተ ኔርኪ እዩ። 

መጥባሕታዊ ምንጻል ጥንሲ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይፍጸም

መጥባሕታዊ ምንጻል ጥንሲ ፍዅስ ዝበለ መጥባሕቲ እዩ። ኣብ ሆስፒታል ድማ ይግበር። 

መጀመርታ ብመደንዘዚ ከም ትድቅሲ ይግበር። ድሕሪኡ ሓኪም ብርሕሚ ኣቢሉ ናብ ማህጸን ቱቦ ብምእታው ነቲ ዕሸል መጽዩ የውጽኦ። 

ምስ ተበራበርኪ ቅድሚ ንገዛ ምኻድኪ ኣብ ሆስፒታል ንሓጺር ግዜ ክትጸንሒ ትኽእሊ ኢኺ። 

ምዓስ እዩ ምንጻል ጥንሲ ክግበር ዝከኣል?

ክሳብ መበል 18 ሰሙን ጥንሲ፡ ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።  

ናይ ጥንሲ ሰሙናት ክትቆጽሪ ከለኺ ካብታ ናይ መወዳእታ ወርሓዊ ጻግነ ዝተራእየኪ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ኢኺ ትቖጽሪ። ካብ መዓላቲ ጥንሲ ጀሚርኪ ኣይኮንክን ትቖጽሪ። 

ምንጻል ጥንሲ ድሕሪ መበል 18ተ ሰሙን 

ድሕሪ መበል 18ተ ሰሙን ምንጻል ጥንሲ ክግበር ይከኣል እዩ። ይኹን’ምበር ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕነትን (Socialstyrelsen) ነቲ ምንጻል ጥንሲ ፍቓድ ክህብ ኣለዎ። ሓደ ኣብ ክሊኒክ ምንጻል ጥንሲ ዝርከብ ኣማኻሪ ምንጻል ጥንሲ ንምግባር ንኸተመልክቲ ክሕግዘኪ እዩ። 

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ከምዚ ዝስዕብ ክስምዓኪ እዩ

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ንገለ መዓልታት ከተዕርፊ ጽቡቕ እዩ። 

ድሕሪኡ ክትደምይን ቁሩብ ቃንዛ ክገብረልክን ልሙድ እዩ። ኣብቲ መጀመርታ እቲ መድመይቲ ዳርጋ ከም ኣብ እዋን ጻግነ ወይ ቁሩብ ካብኡ ዝበዝሕ እዩ። ድሕሪ ቁሩብ ሳምንታት ምድማይ ተቋርጺ።ንኽንደይ እዋን ከም ትደምዪ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። 

ምንጻል ጥንሲ ኣብ መጻኢ ግዜ ጥንሲ ንምሓዝ ዝኸበደ ኣይገብሮን እዩ።ከምኡ’ውን ኣብ መጻኢ ግዜ ምብርዓን ጥንሲ ንኸጋጥም ዘሎ ሓደጋ ኣየዕብዮን እዩ። 

ናይ ዝርርብ ሓገዝ ቅድምን ድሕርን ምንጻል ጥንሲ

ቅድምን ድሕርን ምንጻል ጥንሲ ብዛዕብኡ ምስ ሰብ ምዝራብ ጽቡቕ ከም ዝስምዓኪ ክገብር ይኽእል እዩ።   

ንናይ ዝርርብ ሓገዝ ኣብቲ ናይ ምንጻል ጥንሲ ክሊኒክ ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።  

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ማህጸን ረኽሲ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ። 

ገለ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪ፡ ምስ ሕክምና ርክብ ግበሪ፦ 

  • ልዕሊ 38 ዲግሪ ረስኒ ክህልወኪ ከሎ። 
  • ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብድኺ ቃንዛ ምስ ዝገብረልኪ። 
  • ሕማቕ ሽታ ዘለዎ ፈሳሲ ምስ ዝገብረልኪ። 

 ምስቲ ምንጻል ጥንሲ ዝገበርክሉ ክሊኒክ ርክብ ግበሪ። ክቕበሉኺ ዘይኽእሉ እንተ ኾይኖም ንሕክምና ናብ ሓደ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ወይ ሓደ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ጥዕና ማህጸን (gynekologisk akutmottagning) ኪዲ። 

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ  
 
ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ ናብ 0046771-11 77 00 ደውሊ

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page