ሕርሲ

ብርሕሚ ቈልዓ ምውላድ

Att föda barn genom slidan - tigrinska

ሓደ ሕርሲ መብዛሕት ግዜ ብቃንዛ ሕርሲ ወይ ካብ ርሕሚ ማይ ብምፍሳስ ይጅምር። እቲ ቃንዛ ሕርሲ እና ነውሐ ይኸይድን ብተደጋጋሚ ይመጽእን። ሕርሲ ብዒሕታ ነቲ ህጻን ብርሕሚ ደፊእኪ ብምውጻእ ይዛዘም። ሕርሲ ካብ ካብ ሒደት ሰዓታት ክሳብ ገለ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ብርሕሚ ምሕራስ ርሕማዊ ሕርሲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

Läs texten på svenska här.

ቈልዓ ብርሕሚ ምውላድ

ኣፍ ክሳድ ማህጸን ክኽፈት ኣለዎ

ኣፍ ክሳድ ማህጸን ይኽፈት

እቲ ህጻን ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኣሎ። ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ ማህጸን፡ ናብ ርሕሚ ንታሕቲ ከፋት ዘለዎ ኣፍ ክሳድ ማህጸን ኣሎ።

እቲ ህጻን ኣፍ ክሳድ ማህጸን ምስ ለምለመትን ምሉእ ብምሉእ ምስ ተኸፍተትን ክውለድ ይኽእል።

ሕርሲ ብኸምዚ ይጅምር

እቲ ንቡር ሕርሲ ብቓንዛ ሕርሲ ክጅምር ከሎ እዩ። ቃንዛ ሕርሲ እቲ ህጻን ተደፊኡ ክውለድ ንኽኽእል ማህጸን ክትጨባበጥ ከላ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ እታ ቃንዛ ሕርሲ ኣብ መጀመርታ ከም ኣብ ታሕታይ ክፋል ከብዲ ቃንዛ ዝገብረልኪ ዘሎ ኾይኑ እዩ ዝስምዓኪ። ጸጸኒሑ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቃንዛ ንነዊሕ ግዜ ኣብ መንጎ ከዕርፍ ይኽእል እዩ። ካብቲ መጀመርታ ዝነበረ ንላዕሊ ድማ ብብዝሒ ፈሳሲ ክፈስስ ይኽእል እዩ።  

ሓደ ሓደ ግዜ ማይ ወይ ቁሩብ ደም ይመጽእ

ሓደ ሓደ ግዜ ሕርሲ ካብ ርሕሚ ማይ ብምፍሳስ ይጅምር።

ገሊኡ ሕርሲ ካብ ርሕሚ ቁሩብ ደም ብምድማይ ይጅምር።

ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቃንዛ ሕርሲ ብኡንብኡ ብኸቢድ ይጅምር። ሽዑ ኣፍ ክሳድ ማህጸን ቀልጢፋ ትኽፈት።

እቲ ህጻን ንታሕቲ ናብ ርሕሚ ገጹ ምስ ወረደ እቲ ቃንዛ ይዛይድ

ድሕሪኡ እቲ ቃንዛ ሕርሲ ብዝያዳ ይሕይል። ዝነውሐ ግዜ ይጸንሑን ብዝያዳ ብስሩዕ ይመጹን።

ንነዊሕ ሰዓታት ቃንዛ ሕርሲ ክገብረልኪ ንቡር እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ንገለ መዓልቲ።

ኣፍ ክሳድ ማህጸን ምሉእ ብምሉእ ትኽፈት።

እቲ ህጻን ዝያዳ ንታሕቲ ይወርድ። እቲ ህጻን ናብ ክፍተት ርሕሚ ክቐርብ ከሎ ዕግርግር ክብለክን ከተምልስን ንቡር እዩ።

ኣቀዋውማ ክትቅይሪ ጽቡቕ እዩ።

ኣቀዋውማ እንተ ቀይርኪ እቲ ሕርሲ ክቀላጠፍ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብእግርኺ ክትከዲ፡ ብጎንኺ ጎቦ ክትኮኒ ወይ ኣብ ዓራት ክትንብርከኺ ትኽእሊ ኢኺ።

እታ መሕረሲት (Barnmorskan) ምዓስ ኣቀዋውማ ክትቅይሪ ምዃንኪ ክትነግረኪ ትኽእል እያ።

ግዜ ዒሕታ

እቲ ህጻን ኣብ ናይ ርሕሚ ክፍተት ምስ በጽሓ፡ ሽዑ ዒሕ ዝበሃለሉ ግዜ እዩ።

ዒሕ ምባል፡ ነቲ ህጻን ብርሕሚ ንኽወጽእ ትደፍእዮ ማለት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቃንዛ ክገብረልኪ ከሎ ኢኺ ዒሕ ትብሊ።

ኣብ መንጎ እታ ቃንዛ ሕርሲ መብዛሕትኡ ግዜ ከተዕርፊ ተኽእሎ ይህልወኪ እዩ።

እቲ ቃንዛ ሕርሲ ክመጽእ ከሎ ቀልቀል ከም ዝተወጠጥኪ ኮይኑ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ቀልቀል ክመጸኪ ይኽእል እዩ።

እታ መሕረሲት ክትሕግዘኪ ትኽእል እያ

እታ መሕረሲት ከመይ ገርክን መዓስን ዒሕ ከም ትብሊ ክትነግረኪ እያ።

ርእሲ ናይቲ ህጻን ብርሕሚ ክወጽእ ከሎ ናይ ምቅጻልን ጸላዕላዕን ስሚዒት ክስምዓኪ ይኽእል እዩ።

ርእሲ ናይቲ ህጻን ኣብ ምውጽኡ ቅሩብ ግዜ እንተ ወሲዱ ክፍተት ናይ ርሕሚ ክምጠጥ ግዜ ይረክብ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነት እቲ ናይ ምትርባዕ ስግኣት ይቕንስ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ንምስሓብ ዝሕግዝ ኣብ ርእሲ እቲ ህጻን ዝገጥም መሳርሒ (sugklocka) የድሊ እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ኣቲ ሕርሲብሓደ ኣብ ርእሲ እቲ ህጻን ዝገጥም መሳርሒ ምዝዛሙ የድሊ እዩ። እዚ ብሽወደንኛ ”ሱግክሎካ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ከምዚ ኵነት ንስኺ ዒሕ እና በልኺ ማዕረ ማዕሪኡ ሓደ ሓኪም ተጠንቂቑ ብምስሓብ ይሕግዘኪ።

እዚ ዘድልየሉ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ናይ መህጸን ድኹም ኣብ ዝኾነሉ እዋን እዩ።

እቲ ህጻን ምስ ተወለደ

ድልየትኪምስ ዝኸውንን እቲ ህጻን ጥዕንኡ ጽቡቕ ምስ ዝኸውንን፡ ነቲ ህጻን ሽዑንሽዑ ኣብ ሕቑፎኪ ከተእትውዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ቅርበት ቈርበት ምስ ቈርበት ክህሉ ነቲ ህጻን ጽቡቕ እዩ።

እቲ ልሙድ እቲ ህጻን ኣብ መጀመርታ ክበኪ ክጅምር እዩ።

ሓደ ሓደ ህጻናት ሓገዝ ካብ መሕረሲት ወይ ሓኪም ቈልዑ የድልዮም እዩ።

ማህጸን ትጭበጥ

እቲ ህጻን ምስ ተወለደ ማህጸን ትጭበጥ እያ።

መዳሕንቲ ካብ መንደቕ ማህጸን ትለቅቕ፡ ሽዑ ዒሕ ኢልኪ ከተውጽእያ ትኽእልን ኢኺ።

እታ መዳሕንቲ ካብ መንደቕ ማህጸን ክትለቅቕ ከላ ቁስሉ ይገብር። ልክዕ ከም እዋን ጻግነ ዝመሳሰል ደም ካብቲ ቁስሊ ይወጽእ። እቲ መድመይቲ ዕንቋል (avslag) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መሕረሲት ትምርምረኪ

እታ መሕረሲት ኣብ ርሕምን ብልዒትን ምትርባዕ ኣጋጢሙ እንተ ኽይኑ ትምርምረኪ።

መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ እቲ መርመራ መደንዘዚ ይግበረልካ እዩ።

ኣብ እዋን ሕርሲ ደም ተጥፍኢ ኢኺ። ኣካላት ኣብ እዋን ጥንሲ ኣስታት ክልተ ሊትሮ ተወሳኺ ደም ብምፍጣር ነዚ ምጥፋእ ደም ተቀሪብሉ እዩ ዝጸንሕ።

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዄንኪ ናይ ኣስተርጓሚ መሰል ክህልወኪ ይኽእል እዩ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page