COVID-19

ክታበት ጸረ ኮቪድ-19

Vaccination mot covid-19 - tigrinja

ኮቪድ-19 ሓደ ተላባዒ ሕማም እዩ። እዚ ክታበት ብብርቱዕ ንኸይትሓምም ወይ በዚ ሕማም ንኸይትመውት ተወግደሉ ዝበለጸ ኣድማዕነት ዘለዎ ኣገባብ እዩ። እዚ ክታበት ዝርግሐ ኮቪድ-19 ኣብዚ ሕብረተ-ሰብ ንምንካይ እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ስለዚ’ዩ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ክኽተቡ ክመርጹ ኣገዳሲ ዝኸውን።

Person som får vaccin i armen. Fotografi.
እቲ ክታበት ብመርፍእ ኣብ ምናትካ ትውግኦ።

እቲ ትነብረሉ ዞባ እዩ ሓላፍነት ናይዚ ክታበት ዘለዎ። ቅኑዕ ሓበሬታ ንኽትረክብ ኣብ ላዕሊ ናይዚ ገጽ ትኽኽል ዞባ ከም ዝመረጽካ ኣረጋግጽ።

ንኽታበት ጸረ ኮቪድ-19 ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ።

ክትክተብ እንተ ዄንካ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን።

Du kan läsa texten på svenska här.

መዓስ እየ ክኽተብ ዝኽእል?

ንዝተፈላለዩ ሰባት በየናይ ተርታ ናይ ምኽታብ ዕድል ክወሃቦም ከም ዘለዎ ብዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝሃቦ ምኽሪ ኣሎ። መጀመርታ ዝኽተቡ ንኣብነት ኣብ ፍሉይ መንበሪ ዝነብሩ ሰባት፡ ልዕሊ 65 ዓመት ዕድሚኦም ሰባትን ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ሰባትን እዮም።

ኵሎም 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዕድሜኦም ሰባት ንኽኽተቡ ዕድል ክወሃቦም እዩ።

ዋላ ኮቪድ-19 ሒዙካ ይንበር ንኽትክተብ ትምከር ኢኻ።

ኣየኖይ ሰባት እዮም ንኽኽተቡ ዘይምከሩ?

17 ዓመት ዕድሜኦምን ካብኦም ዝንእሱን ቈልዑን መንእሰያትን ንኽኽተቡ ኣይምከሩን እዮም። ንስኺ ነፍሰ-ጾር ዝኾንኪ እውን ንኽትክተቢ ኣይምከርን እዩ።

ንዓኺ ወይ ንውላድኺ እንታይ ከም ዝምልከተኩም ክትፈልጢ እንተ ደሊኺ ምስ ሓኪምኪ ተዛረቢ።

ቅድሚ ሕጂ ሽዑ መዓልቲ ናብ ሕክምና ክትከደሉ ዘገደደካ ካብ ክታበት፡ መድሃኒት ወይ ምግቢ ዝተላዕለ ናይ ኣካላት ዘይምቅብባል ማለት ኣለርጂክ ጌይሩልካ እንተ ኔይሩ ኾይኑ፡ ምስ ሓደ ሓኪም ተዘራረብ ኢኻ።.

እቲ ክታበት ብኸምዚ ኣገባብ እዩ ዝግበር

እቲ ክታበት ብመርፍእ ኣብ ምናትካ ትውግኦ። ክልተ መርፍእ ክትውጋእ የድልየካ። እቲ መርፍእ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኢኻ ትውግኦ።  

ድሕርታ ናይ መጀመርታ መርፍእ ሓደ ብኸፊል ምክልኻል ኣለካ። ሓደ ክሳብ ክልተ ሰሙን ድሕሪ እታ ካልኣይቲ መርፍእ ጽቡቕ መከላኸሊ ጸረ ኮቪድ-19 ኣለካ።

ክትክተብ ከለኻ ካብ ሰራሕተኛታት ሕክምና ሓበሬታ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ሕቶ እንተ ኣለካ ኾይኑ ሕተቶም።.

ሓሚመ እንተ ኣለኹ ኾይነ ክኽተብ ይኽእል ድየ?

ረስኒ ወይ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 እንተ ኣለካ ኾይኑ ክትክተብ የብልካን።

ድሕሪኡ ከመይ ክስምዓኒ እዩ?

ድሕሪ ክታበት ኣብታ መጀመርታ መዓልቲ ኣብ ምናትካ ቃንዛ ክገብረልካ፡ ርእስኻ ከሕመካን ድኻም ክስምዓካን ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን ቁሪ ቁሪ ከብለካ፡ ረስኒ ክገብረልካ ወይ ኣብ መላግቦን ጭዋዳታትን ከቐንዝወካ ይኽእል እዩ።

እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ፈኵስ ጸገማት ኮይኑ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ይጠፍእ እዩ።  

ሓሚመ እንተ ኣለኹ ኾይነ ክኽተብ ይኽእል ድየ?

ሰራሕተኛታት ሕክምና እቲ ክታበት ገለ ጐድናዊ ሳዕቤን ገይሩ ኣሎ ኢሎም እንተ ጠርጢሮም ናብ ብዓል መዚ መድሃኒት ጸብጻብ የቕርቡ እዮም።

እቲ ክታበት ጐድናዊ ሳዕቤን ገይሩ ኣሎ ኢልካ እንተ ጠርጢርካ ባዕልኻ እውን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

እዚ ክታበት የተኣማምን ዲዩ?

ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ልክዕ ከምቶም ካልኦት ክታበት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ጥንቁቕ ቍጽጽር ተገይርሉ እዩ። ብዙሓት ሰባት እዚ ክታበት ተዋሂብዎምን ተመራመርቲ ንውጽኢቱ ኣጽኒዖሞን እዮም።   

ተመራመርቲ ካብ ብዙሓት ሃገራት ነዚ ክታበት ከማዕብልዎ ብሓባር ሰሪሖም እዮም። ብዙሓት ሃገራትን ትካላትን ካብ ምሉእ ዓለም ብዙሕ ገንዘብ ኣዋፊሮም እዮም። ስለዚ እዩ እዚ ክታበት ምምዕባሉ ሓጺር ግዜ ወሲዱ።

ኣብ ገጽ Så fungerar vaccin ብዛዕባ ክታበት ከተንብብን ፊልምታት ክትርእን ትኽእል ኢኻ (ብሽወደንኛ)። 

ነቲ ናይ ኮቪድ-19 ዝርግሐ ምንካይ ምኽሪ ምስዓብ ቀጽሎ ኢኻ

ድሕሪ ምኽታብካ እውን ነቲ ናይ ብዓል መዝታት ምኽሪ ምስዓብ ክትቅጽሎ ኣለካ።

ድሕሪ እታ ካልኣይቲ ክታበት ክሳብ ጽቡቕ መከላኸሊ ትረክብ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሰሙን ይወስድ እዩ። ዋላ ተኸተብ እቲ ሕማም ክሕዘካ ንእሽተይ ተኽእሎ ኣሎ።

ከምኡ’ውን ዋላ ኣይትሕመም ነቲ ቫይረስ ከተመሓላልፎ ንእሽተይ ተኽእሎ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ኣእዳውካ እንተ ለጊቡካ።

እዚ ክታበት ንኽንደይ እዋን ከም ዝከላኸለልካ ፍሉጥ ኣይኮነን።   

To the top of the page