ምክንኻን ቈልዓ

ኣብ እዋን ምጥባው ዘጋጥሙ ልሙዳት ጸገማት

Vanliga besvär vid amning - tigrinska

ከተጥብዊ ኣብ ዝጀመርክሉ እዋን ኣብ ኣጥባትኪ ጸገማት ከጋጥሙኺ ንቡር እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ይጠፍእ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ሕክምና የድልዪ እዩ።

ኣብ ምጥባው ክትረኽብዮ ትኽእሊ ሓገዝ ኣሎ። ኣብ’ቲ መጀመርታ ግዜ ድሕሪ ሕርሲ ምስ BB (ክፍሊ መወልዳን) ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።  

ምስ BVC (ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ) ወይ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን (barnmorskemottagning) እውን ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሓደ  ፍሉይ ክሊኒክ ምጥባው (amningsmottagning) ኣሎ። 

Läs texten på svenska här.

ኣጥባት ይውጠሩን ይልሕኵን

ኣጥባት ብፍላይ ኣብ’ቲ መጀመርታ እዋን ክውጠሩ ወይ ክልሕኵ ልሙድ እዩ።  

እቲ ቈልዓ ክምገቦ ካብ ዘርክበሉ ንላዕሊ ጸባ ክፈሪ እውን ይኽእል እዩ። 

ንጫፍ ጡብ ጽቐጢ 

ምፍሳስ ጸባ ንሙቑራጽ ንጫፍ ጡብኪ ክትጸቕጥዮ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ መትሓዝ ጡብ (ረጂፔቶ) ከተእትውዮ ትኽእሊ መኣከብ ጸባ (mjölkuppsamlare) ወይ ጕዝጓዝ መጥበዊ (amningsinlägg)  ዝብሃል እውን ኣሎ።  

ብዙሕ ጸባ ምስ ዝህልወኪ ቅድሚ ንውላድኪ ምጥባውኪ  ቁሩብ ብኢድኪ ክትሓልቢ ትኽእሊ ኢኺ ሓደ ሓደ ግዜ ዕረፍቲ ወሲድኪ እቲ ጸባ ባዕሉ ንኽፈስስ ሕደግዮ

ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምምላእ ጸባ ጡብ (Mjölkstas)

ጸባኺ ናብ ጡብ ክፈስስ ምስ ጀመረ፡ ኣጥባትኪ ኣዝዮም ክተሩ ይኽእሉ እዮም። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሕሪሲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ የጋጥም። ሙቐት ኣካላትኪ እውን ካብ’ቲ ንቡር ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል እዩ።  

እዚ ”ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምምላእ ጸባ ጡብ (mjölkstas) ይብሃል። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ይጠፍእ። 

ብኸምዚ ዝስዕብ ነቲ ጸገም ከተፍኵስዮ ትኽእሊ 

እቲ ዝበለጸ ንውላድኪ ብዙሕ ግዜ ምጥባው እዩ።  

ኣብ ኣጥባትኪ ገለ ውዑይ ወይ ዝሑል ነገር ምግባር ጽቡቕ ከም ዝስምዓኪ ክገብር ይኽእል እዩ። 

እቲ ቈልዓ ክጠቡ ከሎ ኣዚዩ የቐንዝወኒ 

ኣብቲ መጀመርታ ግዜ እቲ ቈልዓ ክጠቡ ከሎ ቃንዛ ክገብር ንቡር እዩ። እቶም ጫፍ ጡብ ተኣፈፍትን ገና ስለ ዘይለመዱን ብሙዃኖም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ይገድፍ እዩ። 

እቲ ቈልዓ ንጡብ ጽቡቕ ገይሩ ኣዕብዩ ምስ ዘይሕዞ እውን ቃንዛ ክገብር ይኽእል እዩ።  

ኣብዚ ቈልዓ ከመይ ጌይሩ ንጡብ ኣዕብዩ ከም ዝሕዞ ዝገልጽ ፊልም ክትርእዪ ትኽእሊ ኢኺ።  

መህድእ ቃንዛ መድሃኒት 

ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ፡ ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዝግዛእ ትሕዝቶ ናይ ፓራሰታሞል (paracetamol) ወይ ኣይብፕሮፈን (ibuprofen) ዘለዎ መድሃኒት ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ። 

ዝቖሰሉ ጫፍ ኣጥባት

ጫፍ ኣጥባትኪ ማይ ክምዕጉ፡ ክቖስሉ ወይ ክጭንድሑ ይኽእሉ እዮም። 

​ብጽርየትን ኣንቂጽክን ክትሕዝዮም ኣገዳሲ እዩ።​ 

ቅድሚ ምጥባውኪ ኣእዳውኪ ተሓጸቢ። ቁስሊ ምስ ዝገብር ብጽሬት ክትሕዝዮ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ቁስሊ ባክተርያ ምስ ዝኣትዉ ረኽሲ ከስዕብ ይኽእል እዩ።  

ነቲ ቁስሊ ብሳሙና ምሕጻብን ቅብኢ ምልካይን ኣወግዲ። ቅድሚ ምጥባውክን ድሕሪ ምጥባውክን ንጫፍ ጡብኪ ብጸባ ጡብ ኣደ ክትለኽይዮ ትኽእሊ ኢኺ። ከምኡ’ውን ነጥባትኪ ብጨዋም ማይ (koksaltlösning) ጌርኪ ክትሓጽብዮ ትኽእሊ ኢኺ።. 

​ንጫፍ ኣጥባትኪ ኣዕርፍዮ​ 

ጫፍ ኣጥባትኪ ምእንቲ ክሓውዩ ካብ ምጥባው ምዕራፍ የድልዮም እዩ። ሽዑ ነቲ ጸባ ብኢድኪ ክትሓልብዮ ወይ መሕለቢ ፓምፕ ተጠቂምኪ ክትሓልብዮ ትኽእሊ ኢኺ።  

ቺቸቶ ሓገዝ መጥበዊ (amningsnapp) ዝብሃል እውን ክትፍትኒ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ፡ ንጫፍ ጡብ ከም መከላኻሊ  ኾይኑ የገልግል።  

ረኽሲ ዕሲ (Svampinfektion)  

ምኽንያት ናይ ቃንዛን ቁስልን ኣብ ጫፍ ጡብ፡ ረኽሲ ዕሲ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።  

ረኽሲ ዕሲ ባዕሉ ክገድፈኪ ይኽእል እዩ። እንተ ዘይገዲፉኪ ሓደ ፍሉይ ቅብኢ ምጥቃም ከድልየኪ ይኽእል እዩ። 

ከምኡ’ውን ረኽሲ ዕሲ ምስ ዝህልወኪ ነጥባትኪ ኣንቂጽኪ ክትሕዝዮ ኣገዳሲ እዩ። 

ሓገል ጡብ (ሙጕሊ ዝሓዘን ዝነደረን ቁስሊ ጡብ) 

ኣጥባት ረኽሲ ምስ ዝገብር ሓገል ጡብ ንከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ። ሓገል ጡብ ብርቱዕ ቃንዛ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ። ረስኒ እውን ክገብረልኪ ይኽእል እዩ። 

ሓገል ጡብ ብሓኪም ምፍዋስ የድልዮ። 

ዕጉት መትረብ ጸባ

ዕጉት መትረብ ጸባ፡ ኣብ ኣጥባት ሓደ ወይ ብዙሓት መትረባት ጸባ ተዓቢሶም ኣለዉ ማለት እዩ።  ኣብ ከምዚ ኵነት ጸባ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ።  

እዞም ዝስዕቡ ልሙዳት ምልክታት እዮም፦ 

  • ኣብ ውሽጢ ቆርበት ሕበጥ ኣሎ። 
  • ኣብ ሓደ ከባቢ ዋዕን ከም ዝቖስለን ኮይኑ ይስምዓኪ። 
  • ረስኒ ኣለኪ። 
  • ከተጥብዊ ከለኺ የቐንዝወኪ። 

ነቲ ጸባ ከተውጽእዮ ፈትኒ 

እቲ ቈልዓ ምጥባው ክቕጽል እቲ ዝበለጸ እዩ። ሽዑ እቲ ጸባ ክወጽእ ይኽእል። 

ከምኡ’ውን ነቲ ጸባ በእዳውኪ ወይ ብፓምፕ ክትሓልብዮ ክትፍትኒ ትኽእሊ ኢኺ። 

ከተጥብዊ፡ ብፓምፕ ወይ ኢድኪ ክትሓልቢ ከለኺ፡ ካብቲ ተሪሩ ዘሎ ከባቢ ጀሚርኪ ናብ ጫፍ ኣጥባትኪ ገጽኪ ድረዝዮ።

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ።  እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ። ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

ምስ ሕክምና ርክብ ግበሪ 

ገለ ካብ’ዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪ፡ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ግበሪ፦ 

  • ኣጥባትኪ ሙጕሊ ዝሓዘን ዝነደረን ቁስሊ ዘለዎ ኾይኑ ምስ ዝስምዓኪ 
  • ኣብ ኣጥባትኪ ረኽሲ ዕሰ ከይህልወኪ ምስ ትጥርጥሪ። 

ሓደ ሓደ ግዜ ሓገዝ ንምርካብ ምስ ሓኪም ወይ መሕረሲት ብቪድዮ ክትዘራረቢእኹል እዩ። 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ 

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዄንኪ ኣስተርጓሚ ናይ ምርካብ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።  

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page