ትግርኛ/Tigrinska

ንገዛእ ርእስኻ ካብ ኢንፍሉወንዛ ተኸላኸል

Skydda dig mot influensa - tigrinskaThe content concerns Jönköpings län

ኢንፍሉወንዛ ብቫይረስ ዝመሐላለፍ ተላባዒ ሕማም ኮይኑ፡ ሰዓልን ብርቱዕ ረስንን ይገብረልካ። እቶም ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ ሐደ ወይ ክልተ ሶሙን ይሐውዩ። እንተኾነ ግና ንዓበይትን ከምኡ ውን ሕዱር ሕማማት ንአብነት ጸገማት ልቢ፡ ሽኮርያ ንዘለዎም ሰባት፡ በዚ ሕማም እዚ ምልካፍ ሐደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ዝሐሸ ካብ ኢንፍሉወንዛ ንከላኸለሉ ኣገባብ፡ ኣቐዲምካ ቅድሚ ምሕማምካ ዝዉሰድ ክታበት ምውሳድ እዩ። ወላ ዉን ክታበት ወሲድካ ከለኻ ክትሐምም ትኽእል እኳ እንተኾንካ፡ ክታበት ምውሳድ ግና ንኸይትሐምምን ወይ ዉን ፍኹስ ዝበለ ንክኸውን ሐጋዚ እዩ። 

ክታበት ኣብቲ ናትካ ክሊኒክ እዩ ዝወሃብ። ንግዜን ቦታን ክታበት ኢንፍሉወንዛ ዝምልከት ምሉእ ሐበሬታ ኣብ መርበብ ሐብሬታ 1177.se/Jonkopings-lan ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

To the top of the page