ትግርኛ/Tigrinska

ናብሕክምናምኻድ

Söka vård - tigrinska

Current articles

Visa innehåll som:
  • እዚ 1177 ቮርድጋይደን እዩ 

    Det här är 1177 - tigrinska

    እዚ ጽሑፍ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ይምልከት. ንስኻ ወይ ሓደ ካብ ስድራ ቤትካ እንተ ሓሚምኩም ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ካብ ሓንቲ ኣላይት ሕሙማት ብእንግሊዝኛ ወይ ሽወደንኛ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል። ለይትን መዓልትን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177.se ብዛዕባ ጥዕናን ሕማማትን ሓበሬታ ኣሎ።  

  • ኣብ ሽወደን ክንክን ጥዕና ከምዚ ዝስዕብ እዩ

    Så fungerar vården i Sverige - tigrinska

    ንዓኻ ኮነ ንገለ ኣባላት ስድራኻ ክንክን ጥዕና ምስ ዘድልየኩም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሕክምና ኣበይ ከም ትረክብ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውል። ብሽወደንኛ ወይ እንግሊዝኛ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። እተን ዝምልሳልካ ኣለይቲ ሕሙማት ጥዕናኻ ንኽምሓየሽ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ምኽሪ ክህባኻ እውን ይኽእላ እየን። 

  • ክንክን ሕማም፡ ሓታት ዑቕባ ምስ እትኸውን ወይ ኣብ ሽወደን ንኽትህሉ ፍቓድ ምስ ዘይህልወካ

    Vård om du är asylsökande eller inte har tillstånd att vara i Sverige - tigrinska

    ንስኻ በጽሒ ዝኾንካን ዑቕባ ትሓትት ዘለኻን፡ ነቲ ክጸንሕ ዘይክእል ክንክን ሕማምን ክንክን ሕማም ስኒን ሕክምና ክትረኽበሉ መሰል ኣለካ። እዚ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ብዘይ መንበሪ ፍቓድ እትነብር እውን ይምልከተካ እዩ። ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾንካ፡ ኵሉ ግዜ ክንክን ሕማምን ክንክን ሕማም ስኒን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ።

  • ጸረ ኢን ፍሉዌንዛ ክታበት ውሰድ

    Influensavaccination i Sörmland - tigrinska

    ሕማም ኢንፍሉዌንዛ ዚበዝሕ እዋን ሓደገኛ ኣይኮነን። ሕዱር ሕማም ልብን ሳምቡእን ወይ ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕማማት እንተሎካ: ወይ’ውን ነፍሰ-ጾራት ዝኾናን: ኣብ 65 ዓመት ዚበጽሑን ልዕሊኡ ዚርከቡን ግን እንተ ተኸተቡ እዩ ኣውራ ዘተኣማምን። ኣብዞም ዝተጠቕሱ ጕጅለ ሰባት ትርከብ እንተ ኾይንካ: ዚግበረልካ ክታበት ካብ ክፍሊት ናጻ’ዩ።

  • ኣካላትካ መከላኸሊ ተላባዕቲ ሕማማት ኣለዎ ድዩ?

    Allmänna vaccinationsprogrammet - Sörmland - tigrinska

    ኲሎም ነበርቲ ሽወደን ክታበት ጸረ ንፍዮ፡ ሩቤላ፡ ጽግዕ፡ ዲፍተርያ፡ ቴታኑስ፡ ፖልዮን ትኽቲኽታን ክኽተቡ ይምከሩ እዮም። ኣብ ሽወደን ዝዉለዱ ኲሎም፡ ጸረ ናይ’ዞም ተላባዕቲ ሕማማት ክታበት ክወስዱ ይቐረበሎም እዮም። ኲሎም እቶም መከላኸሊ ዘይብሎም፡ ዕድሜኦሞ ብዘይገድስ፡ ኣብ ማእከል ክንክን-ጥዕና ከይዶም ነጻ ክታበት ክወስዱ ይሕበሩ እዮም።

  • ንጸረ ኢንፍሉዌንዛ፡ ኮቪድ-19ን ፕኔውሞኮከር(ነድሪ ሳምቡእ፡ እዝንን ሶርኖን ዝፈጥር ባክተርያ) ንዝኸውን ክታበት ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ንምውሳድ ቆጸራ ሓዝ

    Boka tid för vaccination mot influensa och covid-19 i Sörmland - tigrinska

    ዕድሜኻ 65 ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን ኢንፍሉዌንዛን ኮቪድ-19ን ፕኔውሞኮከር ከቢድ ሕማም ክፈጥሩልካ ይኽእሉ እዮም።

To the top of the page