ጥንሲ

ቅልውላው ኣብ “መስርሕ-ሕርሲ”

Smärta under förlossningen - tigrinskaThe content concerns Jönköpings län

ቆልዓ ምውላድ ቃንዛ ዘሎዎ እዩ። ነቲ ቃንዛ ብኸመይ ከም ትሙኰሮ ግን ክፈላለ ይኽእል’ዩ። ኣካልትና ንቓንዛ ብኸመይ ከም ዚኣልዮ ይፈልጥ’ዩ። እንተ ዀነ ግን፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ጊዜ ድማ፥ ንቓንዛ ብኸመይ ከም ተህድኦ ነንበይኖም ጥበባት ኣሎዉ እዮም።

Läs texten på svenska

ኣብ ጊዜ ሕርሲ ብኸመይ ኪስምዓካ ከም ዚኽእል ንኽትግምት፥ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ምስኡ ውን፡ ኣየናይ ዓይነት መህድኢ ቓንዛ ብዚበለጸ ከም ዚሰማምዓካ ንምፍላጥ ውን ከጻግም ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ነቶም ነንበይኖም ዓይነት ኣማራጺታት ክፉት ኴንካ ክትቅበሎ ጽቡቕ’ዩ።

እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብብልዕትኺ ኣቢልኪ ንእትወልዲ ኣደ፡ ብዛዕባ ዘሎ ቃንዛ ዚገልጽ ክፍሊ’ዩ። ብዛዕባ ብመጥባሕቲ ምውላድ ዚገልጽ ውን ሓደ ክፋል ኪህሉ’ዩ። ካልእ ተወሳኺ ክፋል ውን፥ ንዓኻ ኣብ ጊዜ ሕርሳ ምስታ ወላዲት እትህሉን እትድግፋን ሰብ ዚኸውን ጽሑፍ ውን ተወሳኺ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ጊዜ ሕርስኺ፡ ብዛዕባ ናይ ቃንዛ ሻቕሎት ምስ ዚህልወኪ፥ ምስታ ኣብ ”ክንክን ጥዕና ኣዴታት” ዘላ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ተዘራረቢ። ኣብኡ ብኸመይ ክትቅረብሉ ከም ትኽእሊ፡ ሓገዝ ክትረኽቢ ኢኺ።

ቆልዓ ክትወልዲ ከሎኺ እቲ ቃንዛ ብኸመይ ይስምዓኪ? - Hur känns smärtan när man föder barn?

ኣብቲ ምጅማር ናይቲ ሕርሲ፡ ከም ናይ ቅርጸት ዚመስል ቃንዛ’ዩ ዚስምዓካ። ብዙሓት ኣዴታት ከምቲ ናይ ”ወርሓዊ-ደም” ዚመስል ብርቱዕ ቃንዛ ጌረን ይገልጽኦ’የን። ኣብቲ ታሕተዋይ ናይ ሕቘኺ ሸነኽ ክትቅንዘዊ ትኽእሊ ኢኺ፤ እቲ ቃንዛ ውን ክሳብ ዳንጋኺ ወይ ውን ክሳብ ታሕተዋይ ወገን ናይ ከብድኺ ኪወርድ ይኽእል’ዩ።

ምስቲ ናይቲ ሕርሲ መስርሕ፡ እንጸንሐ ድማ እቲ ቃንዛታት እናጸዓቐ’ዩ ዚኸይድ። እቲ ቃንዛ ኣብ ከብድኺ፡ ኣብ ሕቘኺ፡ ከምኡ ውን ኣብ ዳንጋኺ ይኸውን። እቲ ቆልዓ ናብ ታሕቲ ገጹ ኪጸቅጥ ከሎ፥ ኣብ ጎሎኺ ሓያል ዝዀነ ጸቕጢ ኪስምዓኪ ልሙድ’ዩ።

እቶም ናይ ቅልውላው ቃንዛታት ጫፍ ዚበጽሕ ቃንዛ ኣሎዎም

እቲ ቃንዛ ውሱን ንውሓት’ዩ ዘሎዎ። ሓደ ቃንዛ ቀስ ኢሉ’ዩ ዚጅምር፥ ብድሕሪኡ ንገለ ክልኢታት እናልዓል ኣዝዩ ዘቐንዙ ይኸውን። እታ ዝመረረት ቃንዛ ኣብቲ ምውድኡ ዘላ’ያ። ብድሕሪኡ ድማ እታ ዝመረት ቃንዛ ቀልጢፋ ትጠፍእ። ሓደ ናይ ቃንዛ ንውሓት ካብ ፍርቂ ደቒቕ ክሳብ ክልተ ደቓይቕ ይጸንሕ’ዩ። ኣብቲ ምጅማር ናይቲ ሕርሲ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ እቲ ቃንዛታት እናሰሓወን እናደኸመን’ዩ ዚኸይድ። ሃንደበት መጺኡ ብርቱዕ ቃንዛ ኣይገብረልካን እዩ።

ኣብ መንጎ’ቶም ቃንዛታት ዘሎ ዕረፍቲ

እቲ ቃንዛ ደው ምስ በለ፡ ሽዑ ዕረፍቲ ኣሎ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ዳርጋ ካብ ዝዀነ ቃንዛ ነጻ ኢኺ ትዀኒ። እፎይ ትብልሉ ሓጺር ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ድማ ይህልወኪ። እቲ ናይ ዕረፍቲታት ጊዜ፡ ካብ ሓደ ደቒቕ ኣቢሉ ክሳብ 10 ደቓይቕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ዕረፍቲ ጊዜታት ንውሓት ነንበይኑ’ዩ። እቲ ነዚ ብዙሕ ጊዜ ዚውስኖ፥ እቲ ናይቲ ሕርስኺ መስርሕ በጺሕዎ ዘሎ ጉዕዞ’ዩ።

እቲ ቆልዓ ኪመጽእ ከሎ ጸላዕላዕ ዘብል ቃንዛ

እቲ ቆልዓ በቲ “ኣፍ-ብልዕቲ” ጸቒጡ ኪወጽእ ከሎ፥ ኣብ ብልዕትኺ ሓያል ”ጸላዕላዕ” ዘብል ናይ “ምንዳድ” ስምዒት ኪገብረልኪ ይኽእል’ዩ። ሽዑ እታ “ኣዋላዲት-ነርስ” እንተ ደኣ ኣብ ከባቢ ብልዕትኺ (ፈንዶት) ሓደ ውዑይ “ሽጓማኖ” ጌራ ሒዛትልኪ፥ ሕይሽ ኪብለኪ ይኽእል’ዩ። እቲ ከባቢ ብልዕትኺ ማለትና፥ ኣብ መንጎ መሸኒን መሃንቱስን ዘሎ ክፋል ኣካላትኪ (ፈንዶት) ማለትና’ዩ።

ክሳብ ኽንደይ ዚኣክል’ዩ ዘቐንዙ?

እቲ ኣብ ቆልዓ ምውላድ ዘሎ ቃንዛ፥ ሓደ ካብቲ ዝበርትዐ ኣሎ ዚበሃል ኪስምዓካ ዚኽእል ቃንዛ’ዩ። ይኹን እምበር፡ ክንደይ ዚኣክል ቃንዛ ከም ዚሰማምዓካ፡ ኣጸቢቑ ኪፈላለ ይኽእል’ዩ። ገለ ናይ “ኩሊት-እምኒ” ቃንዛ ኣጥቂዕወን ዝነበረ ሰባት፥ ከምኡ ኰይኑ’ዩ ዚስምዓካ ቃንዛ’ዩ ይብላ’የን።

ብኸመይ ነቲ ቃንዛ ብዝቐለለ ንኽትክእሎ ዚገብሩ ነገራት ነንበይኖም እዮም፡ ንኣብነት፡-

  • ክሳዕ ክንደይ ተዳሊኽሉ ከም ዘሎኺ፤ ቅድም ከመይ ተሰሚዑኪ ከም ዝነበረን፤ ክንደይ ናይ ድቃስ ዕረፍቲ ከም ዝገበርኪን እዩ።
  • ክንደይ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተሞኩሮታት ከም ዘሎኪ።
  • እቲ ናይ ሕርሲ መስርሕ ንኽንደይ ከም ዝቐጸለ።
  • እቲ ግዝፊ ናይቲ ቆልዓ ክንደይ ከም ዝዀነ።
  • እቲ ምጽባብ ናይ ጎሎኺ ክንደይ ከም ዝዀነን እዩ።

ቅድሚ ቃንዛ ምምጽኡ ተቐሪብኪ ምጽናሕ - Att förbereda sig inför smärtan

ብዛዕባ ቃንዛ ዘስተንተንክዮ ወይ ውን ብዛዕባ ሕርሲ ዚስምዓኪ ሻቕሎት ምስ ዚህሉ፥ ምስታ ኣብ ”ክንክን ጥዕና ኣዴታት” ዘላ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ምዝርራብ ጽቡቕ እዩ። ኣጸቢቕኪ ሻቕሎት ይስምዓኪ እንተ ደኣ ኣልዩ ግን፥ ነቲ ፍርሂ ናይ ሕርሲ ዘቃልል ሓገዝ ኪወሃበኪ ይኽእል’ዩ።

እቲ ”ክንክን ጥዕና ኣዴታት”፡ ናይ ወለዲ ትምህርቲታት የዳልዉልካ እዮም። ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ሕርሲታትን ብኸመይ ከም ትዳሎዊን፥ ሰፊሕ ትምህርቲ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ብዛዕባ ኣተናፍሳን፡ ምድራዝን፡ ከምኡ ውን ምዝናይን ጥበባት ክትመሃሪን ክትለማመዲን ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ነፍስኺን ኣብ ኣካላትኪን እምነት ኪህልወኪ ፈትኒ።

ሓደ ካብቲ ናይ ምድላው መንፈስ ድማ፥ ኣብተን ሰራሕተኛታት እምነት ምግባር’ዩ። ኣቐዲምካ እቲ ሕርሲ ከመይ ከም ዚኸውንን ብኸመይ ከም ዚስምዓካን ንምፍላጥ ቀሊል ኣይኰነን። እተን ሰራሕተኛታት ብዙሕ ተሞኩሮን ፍልጠትን ስለ ዘሎወን፥ እቲ ሕርሲ ከመይ ከም ዚኸውን ብዘየገድስ፥ ነቲ ቃንዛ ብኸመይ ከም ትምክትዮ ኪሕግዛኺ እየን። ኣገዳሲ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑኪ፥ ብዛዕባ ናይ ሕርሲኺ መደብ ብጽሑፍ ኣዳሊኺ ነተን ሰራሕተኛታት ክተቕርብለን ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣብ ኣካላትኪ እንታይ’ዩ ዚፍጸም? - Vad händer i kroppen?

እቲ ቆልዓ መታን ካብቲ ማህጸን ኪወጽእ ኪኽእል፥ እቲ ”ክሳድ-ማህጸን” ተሰብሲቡ (ተጨቢጡ) ኪሓጽርን ኪኽፈትን ይጅምር። እቲ ማህጸን ድማ፡ በቲ ቅልውላው ጌሩ እናተኣከበ ይኸይድ። እቲ ”ክሳድ-ማህጸን” ምሉእ-ብምሉእ ምስ ተኸፈተ፥ እቲ ሕጻን ንታሕቲ ናብቲ ”ካናለ-ማህጸን” ኪጸቅጥ ይጅምር። ሽዑ ድማ፡ ነቲ ሕጻን ኢሕ እናበልካ ናብቲ ኣፍ ብልዕቲ ምድፍኡ ሰዓቱ ይኣክል። እቲ ”ኣፍ ናይ ብልዕቲ” ድማ ተደፊኡ ከም ዚገፍሕ ይኸውን።

ብድሕሪ’ቲ ሕጻን ምውጽኡ፡ እቲ መዳሕንቲ ውን ኢሕ ኢልኪ ከም ዚወጽእ ትገብርዮ። እቲ መዳሕንቲ ግን ልስሉስ ካብቲ ግዝፊ ናይቲ ሕጻንን ዝነኣሰ’ዩ። ብሓደ ወይ ብኽልተ ኢሕታ’ዩ ዚወጽእ።

ቃንዛ ምህላው ሓደገኛ ኣይኰነን

ምኽንያት ናይቶም ኣብ ቆልዓ ምውላድኪ ዘጋጥሙ ሓያል ቃንዛታት፥ ውጽኢት ናይቲ ቅልውላውን ናይቲ እቲ ቖልዓ ”ብካናለ-ማህጸን” ኪወጽእ ከሎ ዘጋጥሙ ነገራት’ዮም። ሽዑ ድማ እቲ ኣካላት ነቲ ቓንዛ ከም ሓደ ኣስጋኢ ነገር ጌሩ ስለ ዝርድኦ እዩ። ሽዑ’ዩ ድማ ንስኺ፡ ናይ ፍርሂን ሻቕሎትን ስምዒት ዚመጸኪ።

ነቲ ቃንዛ ንምኽኣሉ ምድላው ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት ሓደ ፍሉይ ናይ ኣተናፍሳ ጥበብ ክትጥቀሚ ወይ ነቲ ኣካላትኪ ብምንቅስቓስ ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ሕማም-ደሓር

እቲ ሕጻንን እቲ ”መዳሕንቲን” ምስ ወጹ፥ እቲ ማህጸን ከም ብሓድሽ ክጭበጥ ይጅምር። እዚ ”ሕማም-ደሓር” እዩ ዚበሃል። እቲ ምብርታዕ ናይቲ ቃንዝኡ ግን፥ ከምቲ ናይ ሕርሲ ዘይኰነስ ህድእ ዝበለ ናይ ምጭብባጥ ቃንዛ’ዩ። እቲ ምጭብባጥ ኣብ ምዱብ ደቓይቕ ዚመጽእ ኣይኰነን። እዚ ቃንዛታት’ዚ ዳርጋ ንሓደ-ኽልተ መዓልታት ኣቢሉ ዚቕጽል’ዩ።

ኣብቲ ዝተተርብዐ ኣካላትን ቁስሊን ዚስምዓኪ ቃንዛ

ብድሕሪ’ቲ ሕርሲ፡ ኣብ ብልዕትኺ ከም ሕበጥን ቃንዛን ይስምዓኪ’ዩ፥ ብፍላይ እኳ ድኣ ገለ ዝተተርብዐ ክፍሊ ኣካላት ኣሎኪ ዀይኑ እዩ።

ብድሕር’ቲ ሕርሲ፡ ቀልቀል ምውጻእን ሽንቲ ምሻንን ኪረብሸኪ ይኽእል’ዩ። ጸኒሑ ግን እናሓሸኪ ይኸይድ። ቃንዛ ኣይኰነን ዚስምዓኪ። ንምሻን እንተ ደኣ ተጻጊምኪ፥ እታ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ካብቲ ፍሕኛኺ ”ብካቴት” ጌራ ንሽንትኺ ከትዕርቖ ትኽእል’ያ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ዕብይ ዝበለ ምትርባዕ እንተ ደኣ ኣጋጢሙኪ፥ ቀልቀል መታን ብቐሊሉ ኪወጸልኪ፡ ”መለስለሲ-ከብዲ” ምውሳድ የድልየኪ ይኸውን’ዩ።

ብርቱዕ ቃንዛ እንተ ደኣ ኣልዩኪ፥ ሕክምና ዘድልየኪ እንተ ዀይኑ ምዃኑ መታን ኪቆጻጸሩ፥ ነታ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ወይ ን ሓኪም ንኽርእዩኺ ሕተትዮም።

ኣካላትኪ ናይ ርእሱ መህድኢ-ቃንዛ ኣሎዎ - Kroppens egen smärtlindring

እካላትና ብፍጥረቱ ቃንዛ ከም ዚከላኸል ኰይኑ’ዩ ተሰሪሑ። ኣብቲ ናይ ሕርሲ እዋን፡ ኣካላትኪ ነቲ ንቓንዛ ዘህድእ፡ ”ኤንዶርፊን” ዚበሃል ”ሆርሞን” ኣብዚሑ ከም ዚነዝዕ ይገብር’ዩ። እዚ ”ኤንዶርፊን’ዚ”፡ ካብ ካልእ ጊዜታት ብኣዝዩ ዝበለጸ፥ ቃንዛ ከም ትከላኸሊ ዚገብር’ዩ። ኣብቲ ”ማሳጅ” ትገብረሉ ወይ ሰብ ዚደርዘካ እዋን፥ ኣብ ጊዜ ”ኣኩፑንክቱር”፡ ”ቴንስ” (TENS) ውን፥ ኣካላትካ ነዚ ”ኤንዶርፊን” ከም ዚነዝዕ ይገብሮ’ዩ። እቲ ናይ ቃንዛ መትሃዳድኢ ጥበባት፥ ንሱ’ዩ ነቲ ናይ ኣካላትኪ ቃንዛ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዘሐይሎ።

ኣብ መንጎ ቃንዛን ፍርሂን ዘሎ ፍልላያት - Skillnad mellan smärta och rädsla

ቃንዛ ምስ ሓደጋ ወይ ምስ ሕማም ዝተተሓሓዘ ነገር’ዩ። ስለዚ ቃንዛ ድማ ዘፍርሕ ስምዒት’ዩ ዚፈጥረልካ። ናይ ሻቕሎት ስምዒት ውን ይፈጥረልካ’ዩ። እቲ ኣብ ግዜ ሕርሲ ዘጋጥመኪ ቃንዛታት፥ ሓደገኛ ከም ዘይኰነ ክትፈልጢ ጽቡቕ’ዩ። ከምኡ ኪኸውን ስለ ዘሎዎ ጥራይ’ዩ ዘቐንዝወኪ።

ንዕኡ ግን ፍርሂ እንተ ደኣ ወሲኽክሉ፥ እቲ ቓንዛ ብዝበልጸ’ዩ ዚሕይል። ስለዚ ብዛዕባ’ቲ ፍርሂኺ ክትሓስብሉ፥ ነቲ ቃንዛ ኪሕግዘኪ ይኽእል’ዩ። ኣብ ኣእምሮኺ፡ እቲ ቃንዛ ኣዝዩ ብርቱዕ ኣብ ዝዀነሉ ጊዜ፥ ብኸመይ ክትሓስቢ ከም ዘሎኪ ተዳለዉሉ። ሃዲእኪ ንምትንፋስ ተለማመዲ። ነቲ ዚስምዓኪ ዘሎ ነገር፡ ናብ ቃላት ከም ዚቕየር ግበርዮ። እቲ ቃንዛ ኣብ መወዳእታ፥ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ከም ዝዀነ፥ ሓደ ናይ ዕላማ ስእሊ ፍጠሪ።

እቲ ቃንዛ ሓላፊ ምዃኑ ምርዳእ ውን፥ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሓደ ጽቡቕ ነገር’ዩ። እዚ ናይ እዋኑ ቃንዛ ጥራይ’ዩ።

ህድኣት - ቃንዛ የዐግስ’ዩ - Lugn ger smärtlindring

ኣብ ኣካላትኪ ቃንዛ ኪገብረልኪ ኸሎ፥ ናይ ቃንዛ መልእኽቲታት ናብ ሓንጐልኪ ይኸይድ። እዞም ናይ ቃንዛ መልእኽቲታት፥ በቲ ናይ “ነርቭ-መትንታት’ዮም” ዝተሓላለፉ። እቲ ሓንጐል ድማ፡ እንታይ ምዃኑን፡ ኣበየናይ ቦታ የቐንዙ ከም ዘሎን፥ መልእኽቲታት ይቕበል። ገለ ካብቶም ናይ “ነርቭ-መትንታት”፡ በቲ ስምዒት ዝቆጻጸር ናይ ሓንጎልና ክፍሊ ኣቢሎም ይሓልፉ። እቶም ናይ “ነርቭ-መትንታት”፡ ዘፍርሃካን ዘሻቕለካን ነገራት ምስ ዚህልዉ፥ ሽዑ ቀልጢፎም’ዮም ዚንድሩ። ስለዚ እንተ ደኣ ተዛኒኽን ቅሳነት ተሰሚዑክን፥ ነቶም ናይ “ነርቭ-መትንታት” ከህድኦም ይኽእል’ዩ።

ኣብቲ ቀቅድሚ ምሕራስኪ ዘሎ ጊዜ፥ ናይ ”ምዝናይ-ጥበብ” (avslappning) ልምምድ እንተ ጌርኪ፥ እሞ ኣብቲ ጊዜ ሕርሲ ውን ነዚ ናይ “ምዝናይ-ጥበብ’ዚ” እንተ ተጠቒምኩሉ፥ እቲ ፍርሂ ኪጐድለልኪን እቲ ቃንዛ ኪንክየልኪን ይኽእል’ዩ።

ንቓንዛ በዚ ዚስዕብ ኪትቃለስዮ ትኽእሊ - Så kan du hantera smärtan

ነንበይኖም ብዙሓት ኣተኣላልያ ቃንዛ ኣሎዉ’ዮም። ከምዚ ኪትገብሪ ትኽእሊ’ኺ፡-

  • ዘይምቓላቡ። በቲ ቃንዛ ከይተመራሕኪ፥ ነቲ ትገብርዮ ዘሎኺ ስቕ ኢልኪ ምቕጻል።
  • ፍንትት በልሉ። ነፍስኺ ተሓጸቢ፡ ፊልም ርኣዪ፡ ሙዚቃ ስምዒ ወይ ካልእ ትፈትውዮ ነገር ግበሪ።
  • ተቐበልዮ። ምስ ሕርሲ፡ ቃንዛ ውን ከም ዘሎዎ ተረድኢ። ነቲ ሽግር’ቲ ሰጊርኪ፡ ናብ ውላድኪ ምሕቛፍ የቕርበኪ ከም ዘሎ ጌርኪ ውሰድዮ።

ቃንዛታት ዘህድኡ - ክልተ ዓይነት ጉጅለታት’ዮም - Det finns två olika grupper av smärtlindring

ነቲ ቃንዛ ንምድንዛዝን ንምህድኡን፥ ነንበይኖም ዓይነት ኣገባባት’ዮም ዘሎዉ። ኣብ ገለ ዓይነት ኣገባባት እቲ ”ሕክምናዊ-መድሃኒታት” ምጥቃም’ዩ። እዚ ድማ ስሙ ”መድሃኒታዊ-ኣገባብ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ።

ካልኦት ኣገባባት ድማ፥ ነቲ ናይ ኣካላት ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ቃንዛ መህድኢ ዓቕምታቱ ከም ዚበጋገስ ምግባር’ዩ። እዚኦም ድማ፡ “ዘይመድሃኒታውያን-ኣገባባት” ወይ ድማ “ፍጥረታውያን-ኣገባባት” ተባሂሎም ይጽውዑ።

  • ካብቶም ”ዘይመድሃኒታውይን” ናይ ቃንዛ መህድኢ ኣገባብ ኣብነታት፡-
  • ሙቐት ከም መህድኢ-ቃንዛ
  • ”ማሳጅ” (ምድራዝ) ከም መህድኢ-ቃንዛ
  • ”ቴንስ” (TENS)
  • ”ኣኩፑንክቱር”
  • ንመህድኢ-ቃንዛ ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቆርበትካ ዚውጋእ ጽሩይ ማይ (Sterila kvaddlar)
  • ልክዕ ኣብቲ ቆልዓ ዚወጸሉ ጊዜ፥ ምዉቕ መሐበሻ ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ኣልጊብካ ምሓዝ

ካብቶም ”መድሃኒታውያን” ናይ ቃንዛ መህድኢ ኣገባባት ኣብነታት፡-

  • ”መፈስሂ-ጋዝ”
  • ”መደንዘዚ ዓንዲ-ሕቘ”
  • ”መደንዘዚ ክሳድ-ማህጸን” PCB
  • ”መደንዘዚ ኣብቲ ኣውራ ታሕተወይ ጎሎ” PDB
  • ኣብ ፍሉይ ቦታ መሪጽካ ዚግበር መደንዘዚ

ኣየናይ ናይ ቃንዛ መህድኢ ኣገባብ’ዩ፥ እቲ ብዚበለጸ ኪሰማምዓካ ዚኽእል ንምዝራብ፥ ካብ ሰብ ናብ ሰብ፡ ካብ ሕርሲ ናብ ሕርሲ ዝተፈላለየ እዩ።

ኣየናይ ኣገባብ ከም ትፍትኒ፡ ኣቐዲምካ ፈሊጥካዮ ክትጸንሒ፡ ኣጻጋሚ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብቲ መስርሕ ናይ ሕርሲ ከሎኺ፥ ምሳታ ”ኣዋላዲት-ነርስ” እናተላዘብኪ ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብቲ ሕርሲ ኣናተኸየደ ዘሎሉ ጊዜ ውን፥ ሓሳብኪ ክትቅይርን፥ ካልእ ነንበይኑ ናይ ቃንዛ መህድኢ ኣገባባት ክትፍትኒን ትኽእሊ ኢኺ።

ኵሉ ”መድሃኒታዊ” መህድኢ ቃንዛ፥ ካብቲ ናይ ”ክንክን-ሕማም” ኣገልግሎት ኪግበረልኪ ዚኽእል ሓገዝ’ዩ። ናይ ቃንዛ መህድኢ ኪግበረልኪ ወይ ንኸይግበረልኪ እትውስኒ፥ ንስኺ ባዕልኺ ኢኺ።

ኣየናይ መህድኢ ቃንዛ’ዩ ብዝበለጸ ዚሰማምዓኪ? - Vilken smärtlindring passar bäst när?

ብዙሕ ጊዜ፡ ኣብቲ እዋን ናይ ሕርሲ፡ ነንበይኖም ናይ ቃንዛ መህድኢ ዓይነታት ኢኻ ትፍትን። ኣብቲ ናይ መጀመርታ፡ እቲ ናይ ቅርጸት ዓይነት ቃንዛ ከሎ፥ ብናይ ”ሙቐት”፡ ”ምዝናይ” ወይ ”ብማሳጅ” (ብምድራዝ) ጌርካ ምፍታን ኣኻሊ ይኸውን’ዩ። ናይ ”ፓራሰታሞል” ”ፈውሲ-ቃንዛ” ከኒና ውን ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። ብርቱዕ ቃንዛ ምስ ዚህልወኪ ድማ፥ ናይ ”ሞርፊን” መርፍእ ውን ክትውግኢ ትኽእሊ ኢኺ።

ጸኒሕኪ ኣብቲ ናይ ሕርሲ እዋን እቲ ቃንዛ ኣዝዩ ሕሱም ኣብ ዚዀነሉ ጊዜ ግን፥ ብመድሃኒት፡ ማለት ”ብመፈስሂ-ጋዝ” ወይ ብናይ ”ዓንዲ-ሕቘ መደንዘዚ” ጌርካ ነቲ ቃንዛ ምህድኡ ልሙድ ነገር’ዩ።

ገለ ሓራሳት፡ ኣብ ብምሉኡ’ቲ መስርሕ ናይቲ ሕርሲ፥ ብዙሕ ናይ ቃንዛ መህድኢ መድሃኒታት ይደልያ እየን። ካልኦት ግን፡ መድሃኒት ካብ ምውሳድ ተቘጢበን፥ ኣብ ብምሉኡ’ቲ መስርሕ ናይቲ ሕርሲ፥ ናይ “ማሳጅን” “ሙቐትን” መህድኢ ቃንዛ ኪግበረለ’የን ዚደልያ። ኣየናይ ናይ ቃንዛ መህድኢ ኣገባብ’ዩ፥ እቲ ብዚበለጸ ኪሰማምዓካ ዚኽእል ኣቐዲምካ ንምፍላጥ ቀሊል ኣይኰነን። ብኸመይ ኪዀነልኪ ከም ትደልዪን፡ ግንከ ካብኡ ዝተፈልየ እንተ ዀነ ውን፥ ምጕሃይ ከም ዘየድልየኪን ሓሲብኩሉ ምምጻእ ጽቡቕ’ዩ።

ኣብ ነንበይኑ ”መዋለዲ-ክሊኒካት” - ነንበይኑ ኣሰራርሓ - Olika på olika kliniker

ነንበይኖም ”መዋለዲ ክፍሊ-ሕክምናታት”፥ ገለ እዋናት ዝተፈላለየ ናይ ኣሰራርሓ ልምዲ ዘሎዎም ኪዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ገለ ካብኣቶም፡ ንገለ ኣገባባት ካብቶም ካልኦት ኣገባባት ብዚበለጸ ዚጥቀሙሉ ኪዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ዋላኳ ከምኡ ይኹን እምበር፥ ንስኺ ካብቲ ዘሎኪ ኣድላይነት ብምብጋስ፥ ኵሉ እዋን ናይ ቃንዛ መህድኢ ሓገዝ ኪግበረልኪ ምዃኑ ክትኣምኒ ትኽእሊ ኢኺ።

ከም ብሓድሽ ምውላድ - Att föda igen

ነፍሲ ወከፍ ሕርሲ ነናቱ ባህርዪ እዩ ዘሎዎ። ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ሕርሲ ተበጊስኪ፥ እቲ ቃንዛ ከምዚ ኪኸውን’ዩ ኢልኪ ንምግማት ኣይክኣልን’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ወሊድኪ እንተ ኔርኪ ግን፥ እቲ ሕርሲ ዝቐልጠፈ ኪኸውን ዳርጋ ልሙድ’ዩ።

ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፈ ሕርስኺ፥ ከቢድ ናይ ቃንዛ ተሞኩሮ እንተ ደኣ ኔሩኪ፥ ካብቲ ምብጋስ ናይቲ መስርሕ ሕርስኺ ጀሚርኪ፥ ተወሳኺ ናይ ቃንዛ መዐገሲ መድሃኒት ምውሳድ ሓገዝ ከድልየኪ ይኽእል ይኸውን’ዩ። ስለዚ ምስ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ወይ ምስ ”ሓኪም” ሓቢርኪ፥ ነዚ ውን መደብ ግበርሉ።

ንሓንቲ እትሓርስ ሰበይቲ ምሕጋዛ - Att stötta någon som ska föda barn

ንስኻ፡ ኣብ ምውላድ ዘየሎኻ፥ ግንከ ነታ ትሓርስ ዘላ ሰበይትኻ ብኸምዚ ዓይነት ቃንዛ ክትሓልፍ ምርኣይ፥ ከቢድ ኪዀነካ ይኽእል’ዩ። ነዚ ነገር’ዚ ብኸመይ ከም ትቕበሎ ኣቐዲምካ ሓሲብካሉ ክትጸንሕ ጽቡቕ’ዩ።

ኣብ እዋን መስርሕ ናይቲ ሕርሲ፥ ክትሕግዛን ኩነታት ክተቃልለላን ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ኩነታት’ዚ ንስኻ ኣገዳሲ ግደ’ዩ ዘሎካ። ንዓኻ ውን ከም ዓቢ ሓላፍነት ኰይኑ ኪስምዓካ ስለ ዚኽእል፥ ኣቐዲምካ ክትቅረበሉ ጽቡቕ’ዩ። ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ”መዳለዊ-ትምህርቲ” ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ሓቢርኩም ውን ብዛዕባ መስርሕ ሕርሲ እናኣንበብኩም፥ ክትዘራረቡን ናይ ሕርሲ መደብ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም።

እታ ትሓርስ ሰበይቲ ብኸመይ ኪኸውን ከም ትደልዮ ኣቐዲምካ ፈሊጥካ ምጽናሕ፥ ቅሳነት ይህበካ’ዩ። ምናልባት ”ክትደርዛ”፡ ”መተርኣስ-ስርናይ” ኣውዒኻ ክትቅርበላ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ውን ቃንዝኣ ክተቃልለላ ትኽእል ኢኻ። ካብ ጊዜ ጥንሲ ጀሚርኩም፥ እንታይ ክትገብረላን ብኸመይ ክትሕግዛን ከም ትኽእል፥ ሓቢርኩም ክትለማመዱን መደብ ክተውጽኡን ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብቲ ናይቲ ቅልውላው ጊዜ፡ እታ እትሓርስ ሰበይቲ ሓሳባታ ብግቡእ ንኽትገልጽ ኪኸብዳ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ንስኻ ከም መሰነይታ መጠን፡ እቲ ዘሎዋ ሓሳባትን ድሌትን ኣቐዲምካ ፈሊጥካዮ ምጽናሕ ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብኡ ተረኺብካ ድማ፡ እታ ትሓርስ ዘላ ሰበይቲ ብኸመይ ትደልዮ ከም ዘላ፥ ነተን ሰራሕተኛታት ክትነግረን ትኽእል ኢኻ።

ቃንዛን መጥባሕቲ-ከብዲን - Smärta och kejsarsnitt

ብመጥባሕቲ-ከብዲ ኣብ ትሓርስሉ ጊዜ፥ መደንዘዚ ስለ ዚግበረልኪ ቃንዛ ኣይገብረልክን’ዩ።

እቲ ልሙድ ነገር፡ ቅድሚ’ቲ መጥባሕቲ-ከብዲ ምግባርኪ፥ ናይ ”ዓንዲ-ሕቘ” መደንዘዚ’ዩ ዚወሃበኪ። ኣብቲ ጊዜ መጥባሕቲ፡ እቲ ዶክቶር ነቲ ከብድኺ ይመጦ ዘሎ ዀይኑ ስለ ዚስምዓኪ፥ ክትስከፊ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ግን ቃንዛ ግን ዚገብረልኪ ኣይኰነን።

ብድሕሪ’ቲ መጥባሕቲ፡ ኣብቲ ናይ መጥባሕቲ ቁስሊ ቃንዛ ኪገብረልኪ ይኽእል’ዩ። እቲ ቃንዛ፡ ኣብቲ ታሕተዋይ ክፋል ናይ ከብድኺ ኪስምዓኪ’ዩ። ብዙሕ ኣብ ትንቀሳቐስሉ ጊዜ፥ ዝበዝሐ ቃንዛ ኪገብረልኪ ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ድማ፡ ካብ ምድቃስ ናብ ናይ ኮፍ-ምባል ወይ ናብ ምትንሳእ እትንቀሳቐስሉ ጊዜ፥ ኣጻጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

”ፈውሲ-ቃንዛ” መድሃኒታት፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ምውሳድ ከድልየኪ እዩ።

ኣብ ሕክምናኺ ምስታፍን ምጽላውን - Påverka och delta i din vård

ከም ተሓካሚት መጠን፡ ብመሰረት ሕጊ ናይ ተሓከምቲ፥ ኣብቲ ናይ ሕክምናኺ ጉዳይ፥ ጽልዋ ንናይ ምግባር ዕድል ኣሎኪ’ዩ።

ኣብቲ ገዛእ ሕክምናኺን ክንክንን ተሳታፊት ክትኰኒ ንኽትክእሊ ግን፥ ነቲ በተን ሰራሕተኛታት ዚወሃበኪ ሓበሬታ ክትርድእዮ ኣገዳሲ’ዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣማራጺ ናይ ሕክምናታት ኣገባብ ሓበሬታ ምርካብ’ዩ።

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረቢ ምስ ትዀኒ፥ ናይ ተርጓሚት ሓገዝ ኪግበረልኪ ዕድል ኣሎኪ። ናይ “መሳርሒ-ሓገዝ” (hjälpmedel) ዘድልየኪ ምስ ዚኸውን ድማ፥ ኣበይ ከም ዚርከብን ብኸመይ ከም ትረኽብዮን ሓበሬታ ኪወሃበኪ እዩ።

Current articles

ነንበይኖምን ዝተፈላለዩ መድረኻት-ሕርሲ

ህጻን ካብ ማህጸን ኣደ ከመይ ጌሩ ይወጽእ? እቶም ተኸታተልቲ መድረኻት ሕርሲ፥ ”ድጉል-ሕርሲ”፡ ”መድረኽ-ምኽፋት”፡ ”መድረኽ-ምድፋእ”፡ ”ድሕረ-ሕርሲ” ኢልና ክንሰምዮም ንኽእል። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ኩነታት ናይዞም ነንበይኖም ዝኾኑ መድረኻት-ሕርስን፡ ኣብ ኣካላትኪ፡ እንታይ ከም ዘጋጥምን፡ ብስፍሕ ዝበለ ክተንብቢ ኢኺ።

To the top of the page