ጥን

ናብ “መዋለዲ-ክፍሊ” ምምጻእ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ?

När är det dags att ta sig till förlossningen? - tigrinjaThe content concerns Jönköpings län

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ክፋል ናይቲ ጊዜ ሕርሲ፥ (ጊዜ-ቅልውላው) ኣብ ገዛኻ ምዃን ልሙድ’ዩ። እቲ ቅልውላው ኣዝዩ ኪጽዕቕ ምስ ጀመረ ግን፥ ሽዑ ናብ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ምምጻእ ሰዓቱ ይኸውን። ግንከ እቲ ሰዓቱ ከም ዚኣኸለኸ ብኸመይ ኪፍለጥ ይኽእል? ኣብዚ ዚስዕብ ገለ መምርሒ ክትረኽቢ ኢኺ።

Läs texten på svenska

ናብቲ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ደዊልኪ ውን፡ ምስ ሓንቲ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ክትማኸሪ ትኽእሊ ኢኺ። እታ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ናይቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታትኪ ጽን ኢላ ክትሰምዓኪ’ያ፥ ካብኡ ተበጊሳ ድማ፡ ሰዓቱ ኣኺሉ ምዃኑ ወይ ድማ እቲ ንዓኺ ዝሓሸ ንቑሩብ ተወሳኺ ጊዜ ኣብ ገዛኺ ምጽናሕ ምዃኑ፥ ምኽሪ ክትህበኪ’ያ።

እቲ ናይ ”መዋለዲ-ክፍሊ” (förlossningsavdelning)፥ ዋላኳ እቲ እዋን ሕርሲ ሰዓቱ ከም ዝኣኸለ ርግጸኛ ዄንኪ እንተ ተሰምዓኪ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣቐዲምኪ ክትድውሊ’ዩ ዚደሊ። ከምኡ ብምግባርኪ ድማ፡ ነቲ ምምጻእኪ ምድላው ንኽገብሩ ከኽእሎም እዩ። ምስ ኣየናይ “መዋላዲ-ክፍሊ” ርክብ ክትገብሪ ከም ዘሎኪ፥ እታ ኣብ “ክንክን-ጥዕና ኣዴታት” ዘላ “ኣዋላዲት-ነርስ”፡ ንሳ ክትሕብረኪ’ያ።

ምሰየናይ “መዋለዲ-ክፍሊ” ርክብ ከም ትገብሪ ዘይትፈልጢ እንተ ዄንኪ ግን፥ ኵሉ ጊዜ ናብ ቁጽሪ ቴሌፎን 1177 ደዊልኪ ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ከም ስምዒትኪ ግበሪ - Utgå från dig själv

እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ እታ ቆልዓ ትወልድ ሰብ ንስኺ ብምዃንኪ፥ ካብቲ ሃለዋትኪን ካብቲ ዚስምዓኪ ስምዒትን ክትብገሲ ምኽኣል’ዩ። እንተ ደኣ ከቢድ ኰይኑ ተሰሚዑኪን ንምቕሳን ውን እንተ ደኣ ስኢንኪ፥ መታን ኪምርምሩኺ፡ ኵሉ ጊዜ ክትመጽኢ ትኽእሊ ኢኺ። እታ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ሰዓቱ ከም ዘይኣኸለ እንተ ገምጊማን፥ ኵሉ ውን ጽቡቕ እንተ ደኣ ኣልዩ፥ ናብ ገዛኺ ክትምለሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ነቲ ምምጻእኪ ግድን ክጸልውዎ ዚኽእሉ ነገራት - Saker som påverkar när du bör åka in

እቲ ናይ ምምጻእኪ ሰዓት ግድን ከም ዚኣኸለ ዚውስኑ ገለ-ገለ ነገራት ኣሎዉ፡-

  • ኣብ ከክንደይ ጊዜ እቲ ቅልውላው ከም ዚመጽኪ፥ እቲ ናይ ቅልውላው ቃንዛ ውን ብኸመይ ከም ዚስምዓኪ።
  • እቲ ናይቲ ”ድቂ” ማይ ካብ ማህጸንኪ እንተ ፈሲሱ።
  • ቅድሚ ሕጂ ወሊድኪ እንተ ኔርኪ።
  • እቲ ናብ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ንምምጻእ ዘሎኪ ናይ ጉዕዞ ርሕቀት
  • ካብ ሰራሕተኛታት ”ክንክን-ጥዕና” ኣቐዲሙ ዝተወህበኪ ፍሉይ ምኽሪ ምስ ዚህሉ። ንኣብነት ሕዱር-ሕማም ምስ ዚህልወኪ እዩ።

ካልእ ናይ ጥዕናኺ ሃለዋት ውን፥ ነቲ ናብ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ንምምጻእኪ ግድን ዝደፋፍኡ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት እንተ ደኣ ደም ይፈሰኪ ኣልዩ ወይ ውን ደው ዘይብል ናይ ከብዲ ቅርጸት ምስ ዚገብረልኪ እዩ።

ኣብዚ ታሕቲ፡ ብዛዕባ’ቶም ነንበይኖም መድረኻት ናይ ሕርሲ ብዚያዳ ክተንብቢ ኢኺ።

ብርትዐ ናይቲ ቅልውላዋት ወሳኒ’ዩ - Värkarna kan avgöra

እቲ ምሕያል ቃንዛ ናይቶም ቅልውላዋት፥ እቲ ናብቲ ”መዋለዲ-ክፍሊ” እትመጽእሉ ሰዓት ኣኺሉ ምዃኑ ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ካብዞም ተጠቒሶም ዘሎዉ ሓደ ወይ ክልቲኦም እንተ ደኣ ኣጋጢሞም፥ ናብቲ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ናይ ምምጻእኪ ሰዓት ከም ዝኣኸለ፥ ልሙዳት መረዳእታታት እዮም፡-

  • እቲ ናይ ቅልውላው ቃንዛ፡ ንሓደ ደቒቕ ዝምንዉሑ ምስ ዚኸውን። እዚ ንጹር መመልከቲ ደረት’ዩ። እቲ ናይ ቅልውላው ቃንዛታት፡ ኪጅምር ከሎን ኪውዳእ ከሎን፡ ንጹር ኰይኑ’ዩ ዚስምዓኪ።
  • እቲ ናይ ቅልውላው ቃንዛታት፡ ኣብ ዘዝተወሰነ ጊዜ ምምጻእ ምስ ዚጅምር። ኣብ ዘዝተወሰነ ልክዕ ጊዜታት ኪደጋገም ይጅምር። ኣብ ውሽጢ 10 ደቕይቕ ድማ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ እዋናት ይደጋገም። እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ ከከልተ ወይ ሰሰለስተ ደቕይቕ ይደጋገመኪ ኣሎ ማለት’ዩ።

”ማይ-ማህጸን” ይፈስስ - Vattnet går

እቲ ናይ ማህጸን ማይ እንተ ፈሲሱ፥ ንኽትምርመሪ (ምክትታል ኪገብሩልኪ) ናብቲ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ምምጻእ የድልየኪ’ዩ። ብፍላይ እኳ ደኣ፥ እቲ ዝፈሰሰ ”ማይ-ማህጸን” ሕብሩ እንተ ቀይሩን፡ ሕማቕ ሽታ ድማ እንተ ደኣ ጌሩን፤ ሽዑ ብቐጥታ ናብ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ምምጻእ የድልየኪ እዩ።

እንተ ደኣ ”ማይ-ማህጸን” ፈሲሱ ግን፥ ዋላኳ ናይ ቅልውላዋት ቃንዛ ኣይጀምርኪ፥ ናብ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ምምጻእ ከድልየኪ ይኽእል’ዩ። ምርመራ ምስ ተገብረልኪ፥ ኵሉ ነገር ደሓን እንተ ዀይኑ፥ ተመሊስኪ ናብ ገዛኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ብድሕሪ’ቲ ”ማይ-ማህጸን” ምፍሳሱ፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት እቲ ናይ ቅልውላው ቃንዛታት ብግቡእ እንተ ዘይጀሚሩኪ፥ እቲ ናይ ምሕራስ መስርሕ ከም ዚበጋገስ ኪግበር ይኽእል’ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ቆልዓ ወሊድኪ ዲኺ? - Har du fött barn tidigare?

ቅድሚ ሕጂ ቆልዓ ዝወለድኪ ምስ ትዀኒ፥ እቲ ናይ ሕርሲ መስርሕ ብዙሕ ጊዜ ዝቐልጠፈ’ዩ ዚኸውን። ብፍላይ ድማ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ሕርስኺ ቅልጡፍ እንተ ደኣ ኔሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኣቐዲምኪ ናብ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ምምጻእ ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ናይ ጕዕዞኺ ንውሓት ክንደይ’ዩ? - Hur långt har du att åka?

እቲ ናብ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ንንምጻእ ዘሎኪ ጕዕዞ ነዊሕ እንተ ዀይኑ፥ ኣቐዲምኪ ምምጻእ ከድልየኪ’ዩ።

መዓስ’ዩ ክትጸንሒ ትኽእሊ? - När får man stanna?

ናብቲ ”መዋለዲ-ክፍሊ” ምስ መጻእኪ፥ እታ ”ኣዋላዲት-ነርስ”፡ እቲ ማህጸንኪ ክሳዕ ክንደይ ዚኣክል ተኸፊቱ ከም ዘሎ ትምርምረኪ። ብዙሕ ጊዜ፡ እቲ ማህጸን ካብ ሰለስተ ክሳዕ ኣርባዕተ ሴ/ሜ ንላዕሊ እንተ ደኣ ተኸፊቱ፥ ኣብኡ ከም ትጸንሒ’ዩ ዚግበር።

እታ ”ኣዋላዲት-ነርስ”፡ እቲ ህጻን ክሳብ ዚመጽእ ጊዜ ኪወስድ’ዩ ኢላ ምስ ትግምግም፥ ከም ብሓድሽ ናብ ገዛኺ ምምላስ ከድልየኪ’ዩ። ከምኡ ነገር ከጋጥም ልሙድ’ኳ እንተ ዀነ፥ ብቐሊሉ ናይ ዘይምሕጓስ ስምዒት ኪስመዓኪ ይኽእል’ዩ።

To the top of the page