ጥን

ቆልዓ ኣብ ”ቨርናሞ” ምውላድ (Värnamo)

Att föda barn i Värnamo - tigrinjaThe content concerns Jönköpings län

ቆልዓ ኣብ ”ቨርናሞ” ምውላድ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገባብ ዚፍጸም ኰይኑ፤ እዚ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ናይ ኣውራጃ ”ዮንሾፒንግ” ”ክፍሊ-መዋለዲ ቦታታት” እዩ።

ብኸመይከ ይኸውን? - Hur går det till?

ኣብዚ ኣውራጃና ዘሎዉ ሰለስቲኦም ”ክፍሊ-መዋለዲ ቦታታት”፥ ነተን ዝሓርሳ ኣዴታትን ነቶም ቆልዑን፡ ብጽቡቕን ዘተእማምንን ኣገባብ መታን ክኣልይዎም፥ ኣብ ሚንጉኦም ናይ ቀረባ ምትሕግጋዝ ይገብሩ’ዮም። እቲ ልሙድ ነገር፡ ኣብታ ኣብ ጥቓኺ እትርከብ ሆስፒታል ኬድኪ ምሕራ’ዩ።

ቅድሚ ናብቲ ሆስፒታል ምምጻእኪ ግን፥ ኵሉ ጊዜ ናብቲ “መዋለዲ-ክፍሊ ቦታ” ደዊልኪ፥ ምስ ሓንቲ “ኣዋላዲት-ነርስ” ተላዘቢ። እዚ ድማ፡ ንሳ ነቲ ናይ “ክንክን-ጥዕና ኣዴታት” መዛግብቲ ውን ምስኣ ስለ ዘሎዋ፥ ክትመጽኢ ከሎኺ ንዓኺ ንምቕባል መታን ጽቡቕ ምድላው ጌራ ንኽትጸንሕ ብማለት’ዩ። ኣብታ ቀረባኺ እትርከብ ሆስፒታል፡ ብዙሓት ዚሕርሳ ኣዴታት ምስ ዚህልዋ ግን፥ ኣብተን ክልተ ኣብ ዞባና ዘሎዋ፡ ኣብ ”Höglandssjukhuset Eksjö ሆስፒታል ወይ ውን ኣብ Länssjukhuset Ryhov ሆስፒታል፥ ናብ Jönköping” መጺእኪ ንኽትሓርሲ ዕድምቲ ኢኺ።

ኣብቲ ናብ “መዋለዲ-ክፍሊ ቦታ” ምምጻእኪ ጊዜ፥ እቲ ዘሎኪ ናይ “ክንክን-ድላይነት”፡ በታ “ኣዋላዲት-ነርስ”ወይ ገለ እዋን ውን ብሓኪም ግምገማ ይግበር’ዩ።

ንሕና፡ ኣብቲ እዋን ሕርሲ ዘሎ ጊዜ፡ ነቲ ናትክን ናይ ብዓል ቤትክን ድሌት፡ ውልቃዊ ኣተሓሕዛን ብምግባር ክነማልኣልኩም ክንፍትን ኢና። መታን ቅሳነት ኪስምዓኪ፡ ዘተኣማምን ከባቢ ብምፍጣር ክንሕግዘኪ’ና። ምኽንያቱ ድማ እቲ ናትኪ ምቕሳን፡ ነቲ መስርሕ ናይቲ ሕርሲ ዓቢይ ትርጉም ስለ ዚህልዎ እዩ። ነፍሲ-ወከፍ ሕርሲ፡ ነናቱ ባህሪይ ስለ ዚህልዎ፥ እቲ ናይ ቅልውላው ስምዒታት ውን ከምኡ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብቲ ናይ ሕርሲ እዋን፡ እታ ”ኣዋላዲት-ነርስ” ከምኡ ውን እታ ”ተሓጋጋዚት-ነርስን” ብዓል ቤትኪን፥ መታን ምትእምማን ንኺስምዓኪ፡ ኣብኡ ብኣካል ተረኺቦም፡ ደገፍን ሓበሬታን ብምሃብ፡ ኪሕግዙኺ እዮም።

እቲ ትመጽኡሉ ጊዜ፡ ኣብ እዋን ቀትሪ ምስ ዚኸውን፥ ናብቲ ”መሕረሲ-ክፍሊ”፡ በቲ ብወገን ደቡብ ዘሎ ዘይክፈሎ ናይ ሆስፒታል መዐሸጊ ማኪናታት ጌርኩም፥ ብዝቐለለ ኣገባብ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰዓት 20:00 ከምኡ ውን ሰዓት 06:00 ናይ ወጋሕታ ዘሎ ጊዜ ግን፥ በቲ ናይ ”ህጹጽ-ሕክምና መቐበሊ” (akutmottagningen) ኣቢልኩም ኢኹም፡ ናብቲ ”መሕረሲ-ክፍሊ” ክትኣትዉ ትኽእሉ።

ነዚ ዚስዕብ ተማሊእኪ ምጽኢ፡-

  • መደብ ናይ “ምጥባው-ቆልዓ” (ካብቲ ክንክን-ጥዕና ኣዴታት ዝተዋህበኪ ጽሑፍ)
  • ናይ “መንነት-ወረቐት” (መንነት መዘወሪ-ማኪና፡ ፓስፖርት ወይ ካልእ ንዕኡ ዚመስል)
  • ኣብ ሽቓቕ ዝዀነኪ ናይ ጽሬት ኣቝሑት
  • ናይ ውሽጢ-ገዛ ሳእኒ

ካብ ካልእ ”ኣውራጃዊ ምምሕዳር” (region) ዝመጻእኪ ምስ ትዀኒ ግን፥ ነቲ ናትኪ ኣብ ክንክን-ጥዕና ኣዴታት ዘሎ መዝገብ ተማሊእክዮ ምጽኢ።

ዚብላዕን ዚስተን - Mat och dryck

ንዓኺ ሓራስ ዚብላዕን ዚስተን ነገራት ኪወሃበኪ’ዩ። እቲ ከም መሰነይታ ኰይኑ ዚመጽእ ብዓል-ቤትን ካልኦት ቤተሰብን ግን፥ ካብ ገዛ ተማሊኦም ይመጽኡ ወይ ካብቲ “መዋለዲ-ክፍሊ” ይገዝኡ።

ኣብ ጊዜ መዓልቲ ኣብቲ ናይ ሆስፒታል ”ካፈቴሪያ” ወይ ኣብቲ “ቤትመግቢ” ክበልዑ ይኽእሉ እዮም። ምሳሕ ወይ ድራር ውን ኣዚዝኩም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ዚብላዕን ዚስተን ሒዝኩም እንተ መጺእኩም ድማ፥ “መዝሓል

መግቢን” ከምኡ ውን “ሚክሮ-ኡግን” መሞቒ ኣብቲ “መዋለዲ-ክፍሊ” ኣሎ’ዩ። ቡን፡ ሻሂ ከምኡ ውን ዚስተ “ቸኮላታ” ካብቲ “መዋለዲ-ክፍሊ ቦታ” ንምዕዳግ ይክኣል’ዩ።

ኣብቲ እንዳ-ሓራሳት (BB) - På BB-avdelningen

ብድሕሪ ምሕራስኪ፡ ሓቢርና ናብቲ ”እንዳ-ሓራሳት” (BB-avdelningen) ክንከይድ ኢና። ኣብኡ ድማ፡ ብዛዕባ ምጥባው፥ ምድቃስ፡ ኣተሓሕዛ-ቆልዓን፥ ከምኡውን ብዛዕባ ንመጀመርታ ጊዜ ምስቲ ቆልዓ ኣብ ገዛኻ ምዃን፥ ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ወለዲ ናይ ምዃን ሃለዋትን፥ ምኽሪን ሓገዝን ክትረኽቡ ኢኹም። ኣብቲ ”እንዳ-ሓራሳት” ቦታ እንተ ደኣ ኣልዩ፥ ነታ ቀዳመይቲ ለይቲ ወለዲ ኣብኡ ኪሓድሩ ይፍቀደሎም እዩ።

እቲ ኣብ ”እንዳ-ሓራሳት” እትጸንሓሉ ናይ ክንክን ጊዜ፥ እቲ ዘሎካ ኣድላይነት’ዩ ዚውስኖ። ኣብ “ንቡር-ሕርሲ” ግን፡ ካብ 6-48 ሰዓታት ኢኻ ኣብኡ እትጸንሕ። ናብ ገዛኻ ብድሕሪ ምምላስካ፥ ክሳብ’ቲ ድሕሪ 3-5 መዓልታት ዘሎ ተመሊስካ ናይ ምብጻሕ ጊዜ፥ ምስቲ “እንዳ-ሓራሳት” ብቴሌፎን ጌርካ ቀጻሊ ርክባት ይግበር’ዩ።

To the top of the page