ምክንኻን ቈልዓ

ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ በቨሰ (Barnavårdscentralen, BVC)

Barnavårdscentralen, BVC - tigrinska

እዚ ጽሑፍ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ይምልከት። ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ዘገልግል ክሊኒክ እዩ። ኣብኡ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ቈልዓ ጥዕናን ዕብየትን ከመይ ከም ዘሎ ይምርምሩ። ብዛዕባ ኩሉ ንቈልዑን ወላዲ ምዃንን ዝምልከት ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

BVC (በቨሰ) ኣሕጽሮት ቃል ናይ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ እዩ።

ኵሎም ወለዲ ናብኡ ክበጽሑ ቅቡላት እዮም።

Läs texten på svenska här.

ምስ BVC ከመይ ገይረ ርክብ እገብር?

BVC መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና እዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ንማእከላት ክንክን ጥዕና ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ BVC ምሳኻ ከም ወላዲ መጠን ብቐጥታ እዮም ርክብ ዝገብሩ።

ናብቲ ቦታ ክትከይድ፡ ክትድውል ወይ ኢ-መይል ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ

እቲ ብዝያዳ ዝውቱር ናብ BVC ምኻድ ወይ ምድዋል እዩ።

ገሊኤን BVC ብቪደዮ ዝርርብ ምግባር እውን ክህልወን ይኽእል እዩ።

BVC እንታይ እዩ?

ኣብ BVC ኩሉ ብዛዕባ ምስ ናይቲ ቈልዓ ጥዕናን ዕብየትን ከመይ ከም ዘሎን ዝተተሓሓዘ እዩ።

BVC ንኹሎም ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ቈልዑ ዝምልከት ሓደ መደብ ይኽተል።

ኣብ BVC ምስ ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ትራኸቡ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ሓኪም እውን ትራኸቡ ኢኹም።

ምብጻሕ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ

እቲ ምብጻሕ፡ እቶም ቈልዑ ካብ ሓደሽቲ ውላድ ከለዉ ክሳብ ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ዘለውሉ ይፍጸም።

እቲ ቈልዓ ኣብ ዝሓመሉ እዋን ናብ BVC ኣይትኺዱ

እቲ ቈልዓ ረኽሲ እንተ’ለዎ ኾይኑ ናብ BVC ኣይትኺዱ።

እዚ ንኣብነት ሕማም ከስዐ ማለት ውጽኣትን ተምላስን (magsjuka) ወይ ጕንፋዕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ክንድኡ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና (vårdcentral) ርክብ ግበሩ።

ኣብዚ ማእከላት ክንክን ጥዕና ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ።

ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸብ

ብዛዕባ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውል።

እተን ዝምልሳልካ ኣለይቲ ሕሙማት እየን።

ንሳተን ምስ ዘድሊ ናበየናይ ሕክምና ክትከይድ ከም ትኽእል ክሕብራኻ ይኽእላ እየን።

እተን ኣለይቲ ሕሙማት ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን።

ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውል፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውል።

ኣብ BVC እንታይ ይግበር?

እዚ ዝስዕብ ኣብ BVC ካብ ዝግበር ኣብነታት እዩ፦

  • እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ቈልዓ ኣየናይ ሕክምናን ኣየኖት ክታበታትን ከም ዝተዋህቦ ይምርምሩ።
  • እቲ ቈልዓ ክታበት ይወሃቦ።
  • ኣላይት ሕሙማት ወይ ሓኪም ነቲ ቈልዓ ይምርምርዎ።
  • ኣላይት ሕሙማት ነቲ ቈልዓ ትዕቅኖን ትመዝኖን።
  • ብዛዕባና ናይቲ ቈልዓ ጥዕናን ዕብየትን ከመይ ከምዘሎ ሓገዝን ምኽርን ትረክብ።
  • ብዛዕባ ናይ ውላድካን ወላዲ ምዃንን ዝምልከት ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል።

ትሕዝቶ እቲ ምብጻሕ ብዛዕባ እንታይ ከም ዘድልየኩም እዩ

ካብ ብዙሕ ሒደት ንምጥቃስ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ትዛረቡ፦

  • እቲ ቈልዓ ጥዕንኡ ከመይ ከም ዘሎ።
  • እቲ ቈልዓ ከመይ ይዓቢ ከም ዘሎ።
  • ብሓደ ከመይ ከም ዘለኹም።
  • እቲ ቈልዓ ከመይ ይበልዕን ይድቅስን ከም ዘሎ።

እቲ ቈልዓ ኣብቲ ምብጻሕ ይሳተፍ

እቲ ቈልዓ ኣብቲ ዝርርብ ክሳተፍ ኣለዎ።

እቲ ቈልዓ ርእይትኡ ክህብ ክፍቀደሉ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ቈልዓ እተፈላለየ ነገራት ክገብር ክፍትን ይኽእል እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቈልዓ እተፈላለየ ነገራት ክገብር ይኽእል እዩ።
እዚ፡ እቲ ቈልዓ ከም ትጽቢት ዝተገብረሉ ይዓቢ ከም ዘሎ ንምርኣይ እዩ።

ካብ ናይቲ ቈልዓ ዕድመ ተበጊስካ እዩ እቲ ቈልዓ እንታይ ክፍትን ከም ዝኽእል ዝውሰን።

እዚ ንኣብነት ስእሊ ምስኣል፡ ኵዕሶ ወይ ኣብ ፈትሊ ዝተጠንጠለ ናይ ዕንጨይቲ ዑንቍ ምህራም ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ቈልዓ ክታበት ዝወሃበሉ ግዜ

እቲ ቈልዓ ብመሰረት ናይ ሽወደን ናይ ክታበት መደብ ክታበት ይወሃቦ።

ብዛዕባ እቲ ክታበት ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ነቶም ሰራሕተኛታት ሕተቶም።

ኣብዚ ብዛዕባ እቲ ክታበታት ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣስተርጓሚ ክግበረልኩም ይኽእል እዩ።

ሽወደንኛ ዘይትዛረቡ ምስ እትኾኑ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ቆጸራ ናይ ምብጻሕ ክትሕዙ ከለኹም ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኩም ሓብሩ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page