ሕርሲ

መድመይቲ ድሕሪ ሕርሲ

Blödningar efter förlossningen - tigrinska

ድሕሪ ሕርሲ ኵለን ካብ ርሕመን መድመይቲ ይገብረለን እዩ። እቲ ደም ካብ ኣብ ማህጸን ዘሎ ቁስሊ እዩ ዝመጻእ። መዳሕንቲ ካብ ማህጸን ክትለቅቕ ከላ እዩ እቲ ቁስሊ ዝፍጠር። ገለ ካብተን ናይ መድመይቲ ጸገም ዝገብረለን ናብ ሕክምና ምካድ ከድልየን ይኽእል እዩ።

እቲ ድሕሪ ሕርሲ ፈስስ ደም ዕንቋል (avslag) ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል እዩ 

Läs texten på svenska här.

መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሕርሲ ክስዕብ ዝኽእል መድመይቲ፡ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፦

ኣብተን ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ ቀዳሞት መዓልታት ዝፈስስ ደም ዳርጋ ከም ብርቱዕ ጽግያት ዝመሳሰል እዩ። 
 
ንጥፍቲ ኣብ ዝኾንክሉን እትንቀሳቐስሉን ግዜ ዝበዝሓ ደም ክፈስስ ይኽእል። 

ከይተንቀሳቐስኪ ጎቦ ዄንኪ ጸኒሕኪ ሓፍ ክትብሊ ከለኺ ዝበዝሓ ደም ክፈስስ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት ዕንኳር ደም ክመጽእ እውን ይኽእል እዩ። 

እቲ መድመይቲ እናነከየ ይኸይድ 

ምስ ግዜ እቲ መድመይቲ እናነከየ ይኸይድ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እቲ ደም ብዝያዳ ብናዊ ሕብሩ ይኽውን። ድሕሪኡ ሃሳስ ብናዊ ይኸውን።  

ድሕሪ ኣስታት ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሳምንታት ዘሎ ግዜ እቲ መድመይቲ የቋርጽ።  

ደም ኣብ ዝፈሰሉ እዋን ነዚ ዝስዕብ ክትሓስብሉ ይግብኣኪ፦ 

  • ነብስኺ ኣብ ጋብላ (ባስካ) ክንዲ ምሕጻብ ብመዝነቢ (ሻወር) ተሓጸቢ።  
  • ኣብ ርሕሚ ዝኣቱ መከላኸሊ ጽግያት ከም ታምፖንግ ወይ ኩባያ ጽግያት ኣይትጠቀሚ. 
  • ብርሕሚ ወሲብ ክትፍጽሚ እንተ ዄንኪ ኮንዶም ተጠቀሚ። 

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

መብዛሕትኣን ድሕሪ ሕርሲ መድመይቲ ዝገብረለን ናብ ሕክምና ምኻድ ኣየድልየንን እዩ።  
 
ገለ ካብዚ ዝስዕብ እንተ ኣጋጢሙኪ ናብ ሕክምና ኺዲ፦ 

  • ካብ መጀመርታ መዓልቲ ድሕሪ ሕርሲ ንላዕሊ እንተ ደሚኺ። 
  • ብዙሕን ዓበይቲን ዕንኳር ደም ምስ ዝመጸኪ። 
  • ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ነቲ ዝውቱር ሞዴስ ዝሓልፍ መድመይቲ ምስ ዝገብረልኪ። 

ንሕክምና ናብቲ ዝሓረስክሉ ክፍሊ መወልዳን ኪዲ። 

ክቕበሉኺ ዘይክእሉ እንተ ኾይኖም፡ ናብ ሕክምና ክፍሊ ህጹጹ ረድኤት ኪዲ። 

ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ።  
እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን።  
ንሰን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ። 
 
ብናይ ወጻኢ ሃገር ቍጽሪ ተለፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

ስለ ምንታይ እዩ ደም ዝፈስስ?

ጥንሲ ክትሕዚ ከለኺ ምስ ማህጸን ጠቢቑ ዝሕዝ መዳሕንቲ ይፍጠር። እቲ ህጻን ክውለድ ከሎ እቲ መዳሕንቲ ካብ ማህጸን ይለቅቕ እሞ ቁስሊ ይገብር።  

ድሕሪ ሕርሲ ማህጸን ትጭበጥን ትንእስን እያ። እቲ ቁስሊ እውን ይንእስን ይሓውን። 

ገሊኤን ፍወሳ የድልየን እዩ 

ብዙሕ ትደምዪ እንተ ኣለኺ ዄንኪ፡ ማህጸን ከምቲ ዝግብኣ ስለ ዘይትጭበጥ ዘላ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን ተረፍ ናይ መዳሕንቲ ኣብ ማህጸን ክህሉ ይኽእል እዩ። 

ኣብ ከምዚ ኵነት ብመድሃኒት ፍወሳ ከድልየኪ ይኽእል እዩ። 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page