ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ያቭለቦሪ ቈጸራ ናይ ክታበት ግበር
Boka tid för vaccination mot covid-19 Gävleborg - andra språk - tigrinjaThe content concerns Gävleborgዞባ ያቭሌቦሪ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ይህብ። ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ህዝቢ ብኣይናይ ኣስራርዓ ክኽተቡ ከም ዘሎዎም ዝገልጽ ሃገራዊ ውጥን ኣሎ።
ቆጽራ ቅድሚ ምትሓዝካ ኣገዳሲ ሓበሬታ
እቲ ክታበት ብዝተወሰነ ግዜ ኣብ ክልተ ክቢ ይውሰድ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ክታበታት ዘሎ ግዜ ኣብ’ቲ ዝተዋሃብካዮ ዓይነት ክታበት እዩ ዝምርኮስ።
ነቶም ክታበታት ቆጸራ ክትሕዝሎም ኣለካ። ወኪላት ብተሌፎን ኣብ ምድዋል ክሕግዙ ዝኽእሉ እኳ እንተ ኰኑ፡ በቲ ዲጂታላዊ መንገዲ ኢ-ምልላይ ዘድሊዮ ግን ኣይኰኑን።
ክታበት ክትወስድ እንከለኻ ቅድሚ ክታበት ኣብ ዘሎ ናይ ጥዕና ኣዋጅ ንገለ ሕቶታት ክትምልስ ትጅምር። እዚ ምትሓዝ ቆጽራ ብዲጂታላዊ መገዲ ወይ ብተለፎን ብዘየገድስ ይምልከት። ብተሌፎን ክሕግዘካ ዝኽእል ወካሊ እውን እንተ ኰነ፡ መልሲ እቲ ሕቶታት ክፈልጥ ኣለዎ።
እቶም ሕቶታት ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኻ ከቢድ ቑጥዐታት ወይከኣ ሕክምናዊ ረድኤት ዘድልዮም ክታበታት ዘተሓሳስቡ እዮም፡ ንኣብነት መድመይቲ ናይ ምግጣም ተኽእሎ እንተሃልዩ፡ ጥንሲ እንተ ኣሎ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ካልእ ክታበት እንተወሲድካ።
ሕጂ ዝኽተቡ ጕጅለታት
እቶም ኣዝዮም ክሓሙ ናይ ምዃን ስግኣት ዘለዎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሰባት ክታበት ይወሃቦም። እርጋን እቲ ዝዓበየ ጸላዊ ሓደጋ እዩ።
ኣብ 'ዚ እዋን' ዚ ፡ ኣብ ያቭሌቦሪ ፡እዞም ዝስዕቡ ሰባት ፡ ናይ ክታበት ቀዳምነት ይውሃቦም:
- ንስኻ ወዲ 65 ዓመት ወይ ልዕሊኡ (ክሳብ 31 ታሕሳስ 1956)
- ንስኻ ናይ ገዛ ክንክን ወይ ናይ ገዛ ክንክን ንኣረጋውያን ዘለካ
- ንስኻ ምስ ናይ ገዛ ክንክን ወይ ናይ ገዛ ክንክን ጥዕና ንኣረጋውያን ዘለዎ ሰብ ትነብር
ክታበት ንምርካብ ዘሎ ዕድል ድሩት እዩ። ሓደ ካብቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ጕጅለታት እንተኾይንካ ጥራይ ቆጸራ እትሕዝ፡ ነዚ ትእዛዝ’ዚ ኣኽብሮ።
ናይ ክታበት ቈጸራ ኣዝዝ
ንስኻ ናይ ተንቀሳቓሲ ባንክ መለለዪ፣ ባንክ መለለይ ኣብ ኮምፒተርካ ወይ ናይ ተሌያ ብኢ- መለለዪ ዘለካ::
ንነበርቲ ናይ ቆጽራ ግዜ ምትሓዝ (Tidbokning för Invånare) ኣብ'ዚ እዋን እዚ ክታበታት ካብ ዝግበረሎም ጕጅለታት (grupp som vaccineras just nu) ንዝኾንካ ጥራይ) ትሕዝቶ ናይእቲ ቆጸራ ምትሓዝ ብቛንቛ ሽወደን እዩ።
እትነብረሉ ቦታ ኣብቲ መጽሓፍ ናይ ኤለክትሮኒካዊ ግዜ እንተ ዘይረኺብካዮ፡ ንግዜኡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተታሕዘ እዩ ዘመልክት። ኣብ ትሕቲ ተጠቃምነት ክታበት (Tillgången på vaccin) ዝያዳ ኣንብብ
ንስኻ ናይ ተንቀሳቓሲ ባንክ መለለዪ ፣ ባንክ መለለይ ኣብ ኮምፒተርካ ወይ ናይ ተሌያ ኢ-መለለዪ ዘይብልካ:
ብዲጂታላዊ መገዲ ቆጸራ ክትሕዝ እንተዘይኽእልካ ፡ ናብ 026-15 03 00 ደዊልካ ናይ ክታበት ቆጸራ ኣዝዝ ”Boka tid för vaccination” ዚብል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ ፣ ሓደ ወኪል ደዊሉልካ ድማ ቆጸራ ክሕዘኻ ይኽእል፣ ኣገልግሎት ቴለፎን ብቋንቋታት ሽወደንን እንግሊዝኛን ይቐርብ ። ሓበሬታ ብዛዕባ ኣስተርጓማይ ኣገልግሎታት አንተኣድልዩካ ኣብ 1177.se/Gavleborg/otherlanguages ክትረኽቦ ትኽእል እኻ
ናይ 2ይ ዶስ ቆጽራ ክትእዝዝ
ንስኻ ነቲ ቆጸራ ናይ 1ይ ዶስ ብመገዲ 1177.se ኢልካ ዝመዝገብካዮ ን2ይ ዶስ ድማ ድሕሪ እቲ 1ይ ዶስ ምውሳድካ ብተመሳሳሊ መገዲ ክትሕዞ ኣሎካ። ዶዝ 1 ምስ እትወስድ ኣየናይ ክታበት ከም ዝወሃበካን ክሳዕ 2ይ ዶዝ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድን ዝገልጽ ናይ ክታበት ካርዲ ይውሃበካ። ንኻልኣይ ክታበት ክትወስድ ካርዲ ክታበት ሒዝካ ክትማጽእ ኣለካ።
ብናይ ቴለፎን ኣገልግሎት ቆጽራ እትሕዝ አንተኾይንካ ናይ ክልተኦም ዶዝ ብሓንሳብ ክትሕዞም ትኽእል አኻ።
ናይ ሽወደን ማሕበራዊ ቁጽሪ ውሕስነት እንተዘይብልካ
ናይ ሽወደን ማሕበራዊ ቑጽሪ ውሕስነት እንተዘይብልካ፣ ምስ ዝቐርበካ መደበር ጥዕና ኽትራኸብ ኣለካ።
ትኽእሎ ምርካብ ክታበት
ክታበት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ እቲ ዞባ፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ እዮ ዝካየዱ።
ክታበት ምህላው እዩ ክንደይ ቦታታት ከም ዘለዎን ክንደይ ናይ ቆጸራ ግዜ ከም ዘሎን ዘመሓድር።
ናይ ክታበት ቦታ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝተታሕዘሉ እዋን፣ እቲ ቦታ ኣብ ዝርዝር ናይ ቆጸራ መማረጺታት ኣይርአን እዩ ። እቲ ናይ ክታበት ቦታ፡ ኣብቲ ዝርዝር ተወሰኽቲ ክታበታት ምስ ቀረበን ሓደስቲ ግዜ ምስ ተኸፍቱን፡ ሰሙናዊ ክታበት ምስ ዝወሃብ፡ እንደገና ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ይርከብ።
ናብ ናይ ክታበት ቦታ ክትገይሽ እንተዘይኽኣልካ
ካብ ገዛኻ ብዘይኽፍሊት ናብ ናይ ክታበት ቦታ ከምኡ ዕውን ናብ ገዛኻ ክትመጽእ መጓዓዝያ ክትሕዝ ትኽእል እኻ። እቲ ዝወሃብ ዕድመ ፡ ባዕልኻ ናብቲ ክታበት ዝካየደሉ ቦታ ናይ ምኻድ ዕድል እንተዘይሃልዩካ ወይ ብኻልእ መንገዲ ሓገዝ ክትረክብ እንተዘይኽኢልካ ጥራይ እዩ ። እዚ ካብቲ ዝተመዝገብካሉ ወይ ንሓዋሩ እትቕመጠሉ ኣድራሻ፡ ኣብቲ ትነብረሉ ምምሕዳር ናይ ክታበት ቦታ ይውሃብ።
ብመጀመርያ ናይ ክታበት ግዜኻ መዝግብ፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ካብ ሰዓት 8 ኽሳዕ ሰዓት 5 ድ.ቐ. ኣብ ዘሎ መዓልቲ ናይ ክታበት ሰዓት ምረጽ። ድሕሪኡ መጓዓዝያ ንኽትኣዝዝ ናብ 026-15 03 00 ደውል። ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ክወስድ እየ እሞ በሎም። እቲ ቆጸራ ኣብ ሰሰሙን መዓልታዊ ብዘይካ ሰንበት ካብ ሰዓት8.00 ክሳዕ 17.00 ዝኽፈት እዩ።
ናይ ቴለፎን ኣገልግሎት ብቋንቋታት ሽወደንን እንግሊዝኛን ይቐርብ ። ሓበሬታ ብዛዕባ ኣስተርጓማይ ኣገልግሎታት አንተኣድልዩካ ኣብ 1177.se/Gavleborg/otherlanguages ክትረኽቦ ትኽእል እኻ።
እቲ ጕዕዞ እንተኣቐዲሙ ቅድሚ 14 መዓልታት ይተሓዝ፣ መጠረሽታ ድማ ካብታ ቅድሚ ክታበት እትጅምረላ መዓልቲ ፡ ድሕሪ ሰዓት12.00 ክኸውን ይብሉን።
ናይ ኮቪድ-19 ምልክታት እንተሃሊዩካ
ናይ ጉንፋዕ ወይ ኢንፍሉወንዛ ምልክታት እንተሃልዩካ ናብ ናይ ክታበት ቦታ ዘይምኻድ ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቤትካ ኽትሓድርን ግዜኻ ኽትዓሉን ኣሎካ።
ምስራዝ
በቲ ኣብታ መልእኽቲ ኤስኤምኤስ ዝስደድልካ ናይ መረጋገጺ ሰነድ ቆጸራ ክትሕዝን ክትሰርዝን ትኽእል እኻ።
ቆጸራ ብተሌፎን እንተሒዝካ ፡ በዝስዕብ ቑጽሪ 26-15 03 00 ጌርካ ክት ስርዞ ትኽእል እኻ።
ከምኡ "ውን መጓዓዝያ ናብ ክታበት ኣዚዝካ እንተ ኔርካ ብቁጽሪ ቴለፎን 026-15 03 00 መጓዓዝያኻ ምስራዝ ኣይትረስዕ።
ጎድናዊ ሳዕቤናት
ድሕሪ ክታበት ዝኽሰቱ ልሙዳት ጎድናዊ ሳዕቤናት ፈኲስ ረስኒ፡ ጉንፋዕን/ወይከኣ ቃንዛ ጭዋዳታትን እዮም። ኣብ ቈርበትካ እውን ኣብቲ መርፍእ ዝወሰድካሉ ቦታ ፈኲስ ቍስልን ምቕያሕን ክራአ ይኻኣል እዩ።
ዘሻቕለካ ጎድናዊ ሳዕቤን እንተረኺብካ፣ ናብ መደበር ሕክምናኻ ደዊልካ ወይከኣ ናብ 1177 ብምድዋል ሕክምናዊ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ። ብኻልእ ቛንቛታት ናይ ጥዕና መረዳእታ ንምርካብ 08-12 36 80 00 ደውል።
ጎድናዊ ሳዕቤንካ ናብ ክንክን ጥዕና ክትሕብር ትኽእል እኻ።
ምምዝጋብ
ታበትካ ኣብ ሃገራዊ ናይ ክታበት ረጂስተር ዝተመዝገበ እዩ ። እዚ ነቶም ክታበታት ንምክትታል ዝግበር እዩ። እቲ ሓበሬታ ብፍጹም ምስጢራዊነት ዝዕቀብን በቲ ናይ ሕሙም መዝገብ ኣቢልካ ክርኸብ ዘይካኣል። ነቲ ሓበሬታኻ ብመሰረት ናይ ዳታ ሓለዋ ሕጊ (GDPR) ናይ ምሕታት መሰል ኣለካ።
ወረቐት ምስክር ክታበት
ኣብታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177.se እትርከብ ኢ-ኣገልግሎት ጆርናል፡ ክታበት ከም ዝተወሃበካ መረጋገጺ ኣሎ። እዚ ኢ-ኣገልግሎት እዚ ብቋንቋ ሽወደን እዩ ፡ እንተኾነ ግን ንዝኣምነካ ሰብ ክሕግዘካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኢ- ኣገልግሎ ታት (e-tjänsterna) ምስ ውልቃዊ-መለለዪኻ(e-legitimation) ኣተኣሳሲርካ እቶ።
ጆርናል ኣገልግሎታት”Journaltjänster” ምረጽ።
እቲ ጆርናል ”Journalen” ምረጽ።
ናይ ክታበታት ታብለት ”Vaccinationer”ምረጽ። ኣብዚ ብዛዕባ ክታበት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ኽትሓትሞ ትኽእል ኢኻ።