ጥንሲ

ምረዛ ጥንሲ

Havandeskapsförgiftning - tigrinska

ምረዛ ጥንሲ ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኹሉ እዋን ክሕዘኪ ዝኽእል ሓደ ሕማም እዩ። ልዑል ጸቕጢ ደም ይገብረልኪ። እዚ ንዓኽን ነቲ ቈልዓን ክጸልወኩም ይኽእል እዩ። ነቲ ጸቕጢ ደም ንምትሓቱ ዕረፍትን መድሃኒትን ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

Läs texten på svenska här.

ምረዛ ጥንሲፕረክላምስያ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ 

ምልክት ሕማም 

መብዛሕትኣን እቲ ሕማም ከም ዝሓዘን ኣይፍለጠንን እዩኣብ ከምዚ ኵነት እታ መሕረሲት እያ ኣብ እዋን መርመራ ነቲ ሕማም ትረኽቦ 

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ? 

ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኹሉ እዋን ብዙሕ ግዜ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ክትከዲ ኢኺምረዛ ጥንሲ እንተ ኣሎኪ ኾይኑ ንተወሳኺ መረመራታት ናብኡ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ 

ሕጹጽ ምስ ዝኸውን 

መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሕማም ኣብ መወዳእታ እዋን ናይ ጥንሲ እዩ ዝሕዘካመብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ እተን ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ ሰሙናትይኹን’ምበር ኣቐዲሙ እውን ክሕዘካ ይኽእል እዩ 

ገለ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪምስ ሕክምና ርክብ ክትገብሪ ብዝያዳ ህጹጹ ክኸውን ይኽእል እዩ 

  • ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑኪ ዘይፈልጥ ሃንደበት ሕማም ርእሲ ምስ ዝገብረልኪ 
  • ኣብ ምርኣይ ጸገም ምስ ዝገብረልኪ 
  • ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ከብድኺብፍላይ ብየማናይ ሸነኽ ትሕቲ መሰንገለኺ ብዙሕ ቃንዛ ምስ ዝገብረልኪ 
  • ኣብ’ቲ መፋርቕ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ጥንሲ ዕግርግርን ተምላስን ምስ ዝገብረልኪ 
  • ኣብ ገጽኪኣእዳውኪ ወይ ኣእጋርኪ ሕበጥ ምስ ዝገብረልኪእቲ ሕበጥ ድማ ሃንደበት ምስ ዝመጽእ 
  • ብሓፈሻ ሕማም ክስምዓኪ ከሎ 

ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ግበሪ 

  • ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን 
  • ሓደ ተረኛ ዝኾነ ክሊኒክ 

ዕጹው ምስ ዝኸውን ወይ ክቕበሉኺ ምስ ዘይክእሉንሕክምና ናብ ሓንቲ ካብዘን ዝስዕባ ክሊኒካት ኪዲ፦  

  • ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ ጥንሲ ምስ ዘጋጥምምስ ሓደ ክፍሊ ህጹጹ ረድኤት 
  • ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ጥንሲ ምስ ዘጋጥምምስ ሓደ ክፍሊ መወልዳን 

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊእተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየንንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየንሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።  

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ 

ባዕለይ እንታይ ክገብር እኽእል? 

ምረዛ ጥንሲ ምስ ዘጋጥመኪ ህድእ ክትብሊን ከተዕርፊን ኣገዳሲ እዩ 

መርመራታት  

ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ምስ ከድኪ ሓንቲ መሕረሲት ጸቕጢ ደምኪ ክትዕቅነኪ እያ 
 
ናይ ሽንቲ መርመራ ክትገድፊ ኢኺ 
 
ብኡልትራሳውንድ እውን ክትመርመሪ ትኽእሊ ኢኺእቲ መርመራ ናይቲ ኣብ ከብዲ ዘሎ ቈልዓ ስእሊታት ከርኢ ይኽእል እዩ 
 
ከምኡ’ውን ብሓደ ናይቲ ቈልዓ ህርመት ልቢ ዝዕቅን መሳርሒ ክትምርመሪ ትኽእሊ ኢኺ  
እዚ መሳርሒኤለክትሮኒካዊ ሓለዋ ኣብ እዋን ሕርሲ (CTG)” ተባሂሉ ይጽዋዕ 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ 

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ 
ቆጸራ ናይ ምብጻሕኪ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ 

ፍወሳ 

ገሊኤን ነፍሰ ጾራት ገና ኣብ መጀመርታ ናይቲ ጥንሲ መቕጠኒ ደም መድሃኒት ክወሃበን ይኽእል እዩንኣብነት ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጥንሲ ምረዛ ጥንሲ ሒዙኪ ነይሩ እንተ ኾይኑእቲ መድሃኒት እቲ ሕማም ዳግማይ ከይሕዘኪ ክከላኸለልኪ ይኽእል እዩ 

ንዓኺ ምረዛ ጥንሲ ሒዙኪ ዘሎንጸቕጢ ደም ዘትሕት መድሃኒት ክወሃበኪ ይኽእል እዩ 
 
ገሊኤን ድማ ሆስፒታል ይኣትዋ እየንኣብ ከምዚ ኵነት እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ነቲ ጸቕጢ ደምን ጥዕናኽን ብቐሊሉ ክቆጻጸርዎ ይኽእሉ 

ዕረፍትን ፍወሳን እኹል ምስ ዘይሕግዝእቲ ቈልዓ ቅድሚ ግዚ ኣቐዲምካ ከም ዝውለድ ምግባር ከድሊ ይኽእል እዩ።   

እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምውላዱ 

ምረዛ ጥንሲ እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምውላዱ ይገድፈካ እዩ 
ገሊኤን ኣዴታት ድሕሪ ሕርሲ ንሒደት ኣዋርሕ መድሃኒት ምውሳድ የድልየን እዩ።  

ድሒሩ ኣብ ህይወትኪ ሓደ ሓደ ሕማም ብቐሊሉ ክሕዘኪ ይኽእል እዩ 
ንኣብነት ምስ ልብን ሰራውር ደምን ዝተተሓሓዘ ሕማማት ብቐሊሉ ንኽሕዘኪ ብዝያዳ ዝተቓላዕኪ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ 
ስለዚ ጥዕናኺ ሓሊኺ ክትነብሪ ጽቡቕ እዩከምኡ ምስ ትገብሪ ሕማማት ንኽሕዘኪ ዘሎ ተኽእሎ ይቕንስ።  

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page