ምክንኻን ቈልዓ

ንሓደጋ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል ብኸምዚ ኣገባብ ትቕንስ

Så minskar du risken för plötslig spädbarnsdöd - tigrinska

ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል፡ እቲ ህጻን ምስትንፋስ የቋርጽን ይመዉትን ማለት ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ እዋን ድቃስ የጋጥም። ግን ኣዚዩ ብዙሕ ዘይልሙድ እዩ። ነዚ ሓደጋ ንምቕናስ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፡ እቲ ህጻን ብሕቖኡ ክድቅስ ከሎ እዩ።

ህጻናት ኣብ ምስትንፋሶም ሓጸርቲ ዕረፍቲ ክገብሩ ልሙድ እዩ።

እዚ ዕረፍቲ ሓደ ሓደ ግዜ ንሓያሎ ካሊኢታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ።

እዚ ምሉእ ብምሉእ ባህርያዊ ኾይኑ ናብ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል ኣየምርሕን እዩ።

Läs texten på svenska här.

ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል እንታይ እዩ?

ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል፡ እቲ ህጻን ምስትንፋስ የቋርጽን ከይተጸበካዩ ይመውትን ማላት እዩ። እዚ እቲ ህጻን ደቂሱ ከሎ ከጋጥም ብዝያዳ ልሙድ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ህጻን እቲ ነገር ቅድሚ ምግጣሙ ሕማቕ ከም ዘሎ ኣቐዲሙ ኣየርእን እዩ።

ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ህጻን ዕድሚኡ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ምዃኑ እዩ ዘጋጥም።

ኣዚዩ ዘይልሙድ እዩ

ኣብ ሽወደን ህጻናት ብሃደበታዊ ሞት ዕሸል ክሞቱ ኣዚዩ ልሙድ ኣይኮነን።

ጠንቂ ናይ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል እንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኮነን።

ይኹን’ምበር ሓደ ሓደ ምኽርታት ነቲ ሓደጋ ይቕንስዎ እዮም። ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ እቶም ምኽርታት ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ነቲ ህጻን ብሕቖኡ ከም ዝድቅስ ግበሩ

እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነቲ ቈልዓ ብሕቖኡ ከም ዝድቅስ ምግባር እዩ። ከምዚ ምግባር ዝሕግዘሉ ምኽንያት ድማ ሽዑ ብቐሉሊ ንፋስ ክረክብ ስለ ዘኽእሎ እዩ።

እቲ ቈልዓ ብኸብዱ ክድቅስ የብሉን።

ብጎቦ ምድቃስ ዘተኣማምን ኣይኮነን፡ ምኽንያት ሽዑ እቲ ህጻን ብኸብዱ ክግልበጥ ስለ ዝኽእል።

እቲ ህጻን ባዕሉ ብሕቖኡ ወይ ከብዱ ክግልበጥ ምስ ከኣለ

እቲ ህጻን እናዓበየ ምስ ከደ፡ ሓደጋ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል ይቕንስ እዩ።

እቲ ህጻን ኣብ ድቃሱ ባዕሉ ክግልበጥ ምስ ከኣለ እቲ ሓደጋ ናይ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል ዝወሓደ እዩ።

ኣይተትክኺ

ኒኮቲንን ምትካኽን ንቈልዓ ይጐድኦ እዩ። ንሓደጋ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል እውን የዛይዶ እዩ።
እዚ፡ ነፍሰ ጾር ከለኽን እቲ ቈልዓ ምስ ተወለደን ይምልከት።

ኒኮቲን ንኣብነት ኣብ ሽጋራ፡ ሺሻ፡ ኤልክትሮኒካዊ-ሽጋራን ኣብ ትሕቲ ከንፈር ዝኣቱ ትምባኾን(snus) ይርከብ።

ተጥብዊ እንተ ኴንኪ ኒኮቲን ናብቲ ቈልዓ ይመሓላለፍ እዩ።

ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጺ ፈትኒ

ኵሎም ኣብ ጥቓ እቲ ቈልዓ ዝርከቡ ሰባት ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጹ ክፍትኑ ጽቡቕ እዩ። ጨሪሽኪ ከተቋርጺ ዘይትኽእሊ ምስ ትኾኒ፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ምትካኽ ከተውሕድዮ ፈትኒ።

ሽጋራ ምትካኽ ንምቍራጽ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ምስ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ክንክን ጥዕና ቈልዑ (barnavårdscentral) ርክብ ግበሪ።

ኣብ ገጽ እቲ ቈልዓ ዝኾነ ነገር ከም ዘየለ ኣረጋግጺ

ገጽ ናይቲ ህጻን ብገለ ነገር ምስ ዝሽፈን ንኸስተንፍስ የጸግሞ እዩ። ገጻ ናይቲ ህጻን ንኣብነት ካብ ኮቦርታ፡ መተርኣስን ዓበይቲ ተሓቆፍቲ ባምቡላ እንስሳታትን ነጻ ምዃኑ ኣረጋግጺ።

ካብኡ ሓሊፉ’ውን እቲ ህጻን ኣዚዩ ሙቐት እንተ ዘይኮኖ ጽቡቕ እዩ።

ከምኡ’ውን እቲ ህጻን ኣብ ድቃሱ ክገላበጥ ክኽእል ኣለዎ።

እቲ ህጻን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓራት ምስ ዝድቅስ’ዩ ዘተኣማምን

ትሕቲ ሰለስተ ወርሒ ዝኾነ ህጻን፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓራት ኣብ ሓደ ክፍሊ ምሳኺ ውሑስ ኮይኑ ይድቅስ። ኣብ ሓደ ዓራት ምስኺ ምስ ድቅስ ኢድኪ ወይ ክዳውንቲ ዓራት ክሽፍኖ ይኽእል እዩ።

ከምኡ’ውን ንጎኒ ወይ ብኸብዱ ክግልበጥ ይኽእል እዩ።

ሓፍ ኣቢልኪ ናብ ዓራቱ ውሰድዮ

ነቲ ህጻን ከተጥብዮ ወይ ብችቸቶ ክትምግብዮ ከለኺ ምሳኺ ክኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ኣብ ዓራቱ ብሕቖኡ ኣደቅስዮ።

እቲ ህጻን ኣብ ካልእ ቦታ ምስ ዝድቅስ ሓፍ ኣቢልኪ ናብ ዓራቱ ክትወስድዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዪ

ኣልኮላዊ መስተ ትሰትዪ ወይ መህድኢ መድሃኒት ትጥቀሚ እንተ ዄንኪ ነቲ ህጻን ይጸልዎ እዩ።

ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ከጋጥም ይኽእል፦

  • እቲ ህጻን ክደልየኪ ከሎ ምብርባር ይጽግመኪ።
  • እቲ ህጻን ንፋስ ከም ዘይረክብ ዘሎ ምናልባት ከተስተብህልሉ ኣይትኽእሊን።
  • ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ክትግልበጢ ትኽእሊ።
  • እቲ ህጻን ብቐሊሉ ብኸብዱ ወይ ጎኑ ክግልበጥ ይኽእል።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page